ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እዋን ኮቪድ - 19 እዋን ሓቂ ንዝበለጸ መጻኢ ዓለም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እዋን ኮቪድ - 19 እዋን ሓቂ ንዝበለጸ መጻኢ ዓለም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እዋን ኮቪድ - 19 እዋን ሓቂ ንዝበለጸ መጻኢ ዓለም

ገና ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እንከለዉ ናይ ሳንቡእ ረኽሲ ኣጋጢምዎም ብብርቱዕ ከምዝሓመሙን እዚ ኸኣ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት እንከለዉ ዘጓነፎም ሕማም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣውስቲን ኢቨራይት ዝገበረሎም ነዊሕ ቃለ መሕትት “ንሕለም፥ ንዝበለጸ ናይ መጻኢ ፍኖት” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ኮቪድን ዘስዓበሎም ብሕትውናን ኣማእኪሎም ዝሃብሉ ሰፊሕ መብርሂ እተጠቓልል መጽሓፍ ብፒየመ ቤት ማሕተም ተሓቲማ ዕለት 23 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔት ናይታ መጽሓፍ ጽማሬ ዜና ቫቲካን ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕይወተይ ሰለስተ ኮቪድ ኣጋጢሙን እዩ፥ እቲ ቀዳማይ ሕማም እቲ ካልኣይ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበርሉ እዋንን እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ኮርዶባን ዝነበርዎ ተመክሮም እንክብሉ ገሊጾም+

ኣብ መንእሰ ሕይወተይ ዘጋጠመኒ ሕማም

ገና ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እንከለዉ ናይ ሳንቡእ ረኽሲ ኣጋጢምዎም ብብርቱዕ ከምዝሓመሙን እዚ ኸኣ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት እንከለዉ ዘጓነፎም ሕማም ከምዝነበረን፡ እቲ ኣብቲ እዋን ዘጋጠሞም ሕማም ሕይወቶም ዝርእይሉ ዝነበረ መገዲ ክቕይሩ ከምዝገበሮምን፡ እቲ ተመክሮ ኸኣ ሎሚ ምልስ ቢሎም ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ብኾሮና ተህዋስ ዝልከፉ እንታይ ከምዝስምዖም ብቐረባ ክርድኡ ክምዝገበሮምን ብሰፊሕ የብርሁ፡ “ኣብቲ  ዝሓመምኵሉ እዋን ንወላዲተይ ሓቚፈ ንገርኒ ይመውት ድየ ዘለዅ ክብላ ይዝከረኒ” እቲ ኮቪድ - 19 ሳንቡእኻ ኣጥቂዑ ክሳብ ምትንፋስ እትስእን እዩ ዝገበር፡ እዚ ኸኣ ክሳብ ክንደይ ዘሳቕን ናብ ሞት ዘብጽሕን እዩ”።

ኣብቲ ብሳምቡእ ረኽሲ ኣብ ዝሓመሙሉ እዋን ክልተ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ይሕክምኦም ከምዝነበራን እተን ሓንቲ ኸኣ እናቴ ኮርነሊያ ካራሊያን ከምዝነበራን እቲ መድሓኒት ዝኣዘዘለውይ ሓኪም ከይፈለጡ እቲ ክወስዶ ዝኣዘዞ መጠን ከየፍለጣን ክብ ኣቢለን ከምዝሃቦኦምን በዚ ኸኣ ካብ ሞት ከምዘድሓነኦም ይዝክሩ፡ እታ ሓንቲ ኸኣ ሚካኤላ ብጸረ - ነፍሳት መድሃኒት ኣቢለን ከምዝሓከምኦምን በዚ ድጋፍ ሕክምና’ዚ ከምዝሓወዩ ይዝክሩ።

ነዚ ተመክሮ ኣዚ ቅድመ ሞት እንክብሉ ይገልጽዎ፡ እቲ ሕምማምን ዝተገበረሎም ናይ ሕክምና ድጋፍ፡ ሕሱር ምጽንናዕ ከምዘየድልን ከውገድ ዘለዎ እውን ምዃኑ ከስተውዕሉ ከምዝገበሮም የብርሁ።

ሕጻን እንከለዉ እናቴ ማሪያ ዶለርስ ቶርቶሎ፥ ኢየሱስ ምምሳል፥ ንኢየሱስ ኣብ ምምሳል እናዓበኻ ምኻድ ኣገዳስነቱ ንኸስተውዕሉ ከምዘበረኦም ይዝክሩ።

ኣካል ዘይምኹንካ ዘሕድረልካ በይናውነት

ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን እንከለዉ፡ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣካል ዘይምዃንካ ክፈጥረልካ ዝክእል ብሕትውናን በይናውነትን ተመክሮ ክገብሩ ከምዝደረኾም ይዝክሩ። ኣርጀንቲና ናይ ዓለም እግሪ ኵዕሶ ዋንጫ ኣብ ዝሰዓረትሉ እዋን ኣብ ጀርመን ስለ ዝነበሩ ዝተሰምዖን ሓጐስ ንኽገልጹን ምስ ካልእ ንኽካፈልዎ ብዘይምኽኣሎም ዘሕደረሎም ዓቢይ በይናውነት ይዝክሩ። ዝስምዓካ ስምዒት ከተካፍሎ ዘይምኽኣል ዝፈጥረልካ በይናውነት።

ዝጸዓነካ ውሳኔ

ካብ 1990 ክሳብ 1992 ዓ.ም. ሳልሳይ ኮቪድ ኣብ ሕይወተይ እንክብሉ ዝገልጽዎ ኸኣ፥ እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ኮርዶባ ዝነበሩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ እትነብሮ መርሕነት ክትስዕቦ ዝግብኣካ መንገዲ ብሕዳሴ መልእክዕ ተመክሮ ዝገበርሉ እዋን ምዃኑ የብርሁ።

ዓሰርተ ወርሕን ዓሰርተ ሰለምተ መዓልታትን ኣብ ቤት ኢየሱሳውያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ምዕራግን ምስጢረ ንስሓ ብምስራዕን መፍነሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብን ዘሕለፍሉ ዓመት ከምዝነበረ ይዝክርዎ።

ዳርጋ ካብ ቤት ይወጹ ከምዘይነበሩን እዚ ውሳኔ እዚ ባዕሎም ኣብ ልዕሌኦም ዝወስድዎ ስግምቲ እውን ምንባሩን ንሰናይ ከምዝኾነሎምን ብዙሕ ዝጸሓፉሉን ዝጸለይሉን ሓሳባት - ሚሳል ዘማዕበሉሉን እዋን ከምዝነበረ ንድሕሪት ምልሲ ቢሎም ይዝክሩ።

ካብቲ እዋን እቲ ኣብ ሕይወቶም ሰለስተ ነገራት ከምዝተንከፎምን እቲ ቀዳማይ ናይ ጸሎት ብቕዓትን እቲ ካልኣይ ዘጋጥም ዝነበረ ፈተናን እቲ ሳልሳይ ከኣ እግዚኣብሔር ዘሕደረሎም ኣስተንፍሶ መሰረት እቲ 13 ተኸታታሊ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ታሪኽ ዝርእስታ ብልድዊግ ፓስቶር ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ንኸንብቡ እውን ምኽኣሎም የዘኻኽሩ።

ስቓይን ምንጻሕን

ኮርዶባ ብሓቂ ናይ ምንጻሕ እዋን ከምዝኾኖም ይሕብሩ፡ ናይ ምክእኣልን ምቅብባልን ምሕረትን ሓልዮትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ርህራሄን ብፍላይ ከኣ ናይ ምዕጋስ ብቕዓት ክህልዎም ከምዝገበሮም ይሕብሩ።

ናይ ትዕግስቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝኾኖም ብፍልዩ  እቲ ምልዋጥ ኣብ ትሕቲ ውሱን ኵነት ከምዝኾነ ክስተውዕሉ ከምዝገበሮም ይዝክሩ።

ናይ ነኣሽቱ ዕብየትን ኣብ ነኣሽቱ ነገራት ዘሎ ዓብይነትን ከስተውዕሉን ብሓጺሩ እቲ ኣብ ኮርዶባ ዘሕለፍዎ ሕይወት ክልዕ ከም ጽንኩር ጥጣፈ ከምዝኾኖምን፡ ንዕብየቶም ከምዝጠቐሞምን፡ ከም መዕበያ ከምዝኾኖምን ይዝክሩ።

እዚ ኣብ ሕይወቶም ዘጓነፎም ናይ ዓቢይ ስቓይን ናይ ዓቢይ ትምህርትን እንተድኣ ፍቒድካ ናብ ዝበለጸ ዝልውጠካ እዩ እንክብሉ ነቲ ብግሎም ዘጋጠሞም ብሰለተ ደረጃ ዘቐመጥዎ ተመክሮ ናይ ግሊ ሰለስተ ኮቪድ እዋን እንክብሉ ይትንትንዎ።

25 November 2020, 18:05