ር.ሊ.ጳ.፥ ኮቪድ ፍርሒ ይፈጥር፥ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጸው ር.ሊ.ጳ.፥ ኮቪድ ፍርሒ ይፈጥር፥ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጸው 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኮቪድ ፍርሒ ይፈጥር፥ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጸው

ቅዱስነቶም እቲ ተቕዋም ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምትሕብባር ኣብ ዝብል ዕዩ ክተግህ ዝተመስረተ እዩ፡ እዚ ዓቢይ ናይ ሱታፌ ተመክሮን ርሁውነትን ዓቢይ ብድሆ እዩ

ምኽንያቱ ዜጋዊ ተሓናፍጾ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዓቢይ ኣብነትን ብብዙሕነት ዝግለጽ ምዃኑ እውን መሰኻኽር ንስኻትኩም ኢኻትኩም ስለዚህ ዓለም ኣብ ምፍዋስ ዓቢይ ግደ ኣለኵም፥

. . . ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘሎ ዜጋዊ ተሓናፍጾ ናይ ምፍቓርን ምእንጋድን ብቕዓት መግለጺ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሕውነት መሰረት እዩ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላ ዓለም ሕውነትን ምቅርራብን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ዘሰናኽል ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝውከስ ብሔርተይናውነት፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትዕጸውን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትዕጸፍ ዝገብር መሰናኽል ኣይፋል ምባል ግድን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ . . .

እዚ ኣብቲ ንካህናት ዝወሃብ ሕንጸት ዝሰርጽ ክኸው ከምዘለዎ ብዘፊሕ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኮቪድ ፍርሒ ይፈጥር፥ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጸው
ር.ሊ.ጳ.፥ ኮቪድ ፍርሒ ይፈጥር፥ ዓለም ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጸው

ንእግዚኣብሔርን ንቀረባውን ልብኻ ምኽፋት

ቅዱስነቶም ነቶም ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣባላት ሰለስተ ብውልቅን ብማሕበርሰብን ጽፍሒ ዝትርጐም ናይ ትግባረ ነጥብታት የመላኽቱ፥ እቲ ቀዳማይ

ብዘይ ኣፈላላይ ልብዅም እግዚኣብሔር ንምፍቃር ከተርህዉ እንኮለዅም እግዚኣብሔርን ቀረባውን ዘራኽብ ስፍራ ትፈጥሩ፡ እዚ ስንድውና’ዚ ብዘይ ተዃለፍ ግለጽዎን ንበርዎን . . . ማዓጹ ኣይትዕጸዉ፡ ነቲ ኣብ ናይ ኵሉ መኣዲ ክሓብር ዝደሊ ብኣልባስ ድኽነት ዝጽውዓኩም ጐይታ ኣስተውዕሉን ጽን በሉን፡ . . .

እንክብሉ የብርሁ፡

ኣብ ጉዕዞ ንኽትርከቡ መታን ንኻልኦት ሓግዙን ዓድሙን

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኸኣ፥ ንሓገዝ ኢድካ ምዝርጋሕን ኣብዚ ተግባር እዚ እውን ካልኦት ንኽሓብሩ ምዕዳምን ዝብል እዩ! ካህናት ከም ልቢ እግዚኣብሔር መጋብያን - ጓሶት ንኽኾኑ እያቶም ክሰናደዉ ዘለዎም - ከም ልቢ እግዚኣብሔር፡ “ንናይ መጓሰይ ክንክን ዝስዋእ”፥ ሰባት ምድጋፍን . . .

ህርክውት ጻዕርታትና ለቡ ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዉ፥ እዚ ኸኣ መጓሰይ ኣብ ሓደ ምዃኑ ክስምዖን ሕዝቢ ምዃኑ ከስተውዕል ምግባርን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዝን ሕጅን ኰይንና ንኽንርከብ መታን . . . ጓሓፋይን ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ባህሊ ምውጋእ፡ ነዚ ቃልሲ እዚ ብክህነታውነት (ፈሪሳውነት) ኣይንተዃትኰ፡ ማሕበራዊ ምንጻል ንዋጋእ እምነት ምጉዳል ንዋጋእ፡ ባህልን ዓሌትን እምነትን ካብ ዝድርኾ ቅድመ ፍርዲ ርሑቕ ንረኸብ፡ ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣገባብ ዘይተገዳስነት ሕውነት መታን ክስዕር . . .

ንናይ ሓባር ረብሓ ብምትጋህ ኣተሓሳስባ ምልዋጥ

እቲ ሳልሳይ ተግባር፥ ንዓለም ካብቲ ዘንጸላልዎ ዘሎ ስቓይ ምድሓን ዝብል ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምግምምዓትናን ንኣይነት በሃልነትናን ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕጹጽ ሓደጋ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ዘይምኽኣል ብቕዓትናን ከምዘቃልዖ እንከመላኽቱ፥

ዓለም ዘተን ምትሕብባርን ኣይፋል ብምባል ልዳት ምዕጻው ይቕጽል ኣሎ፥ . . . ናይ ሓባር ረብሓ ውሑስ መታን ክኸውን . . . እቲ  ምክንኻንን ሓልዮትን ካብ ታሕቲ እዩ ክብገስ ዘለዎ፡ ካብ ልብን መንፈስን ካብቶም ሓደ መዓልቲ ንጉስነትኵም ክወሃቡኹም ካብ ዝኾኑ . . . ኣብ መዳይ ሕንጸትን ትምህርተ ክርስቶስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣተሓሳስባ ዝልውጥን ዝፍውስን ቦታ ዝኸፍትን ንእግዚኣብሔር ዝሓበረ ሕዝቢ ንምቕራብ ክከኣል መታን፡

ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ናይቲ ተቕዋም ነቶም ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉን ነቶም ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብቲ ጳጳሳዊ ቅዱስ ፒዮስ ላቲን ኣመሪካን ተቕዋም ተመሃሮ ዝኾኑን፥ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ሃለዉ ኣብ ዝኾነ ይኹን እትኸድዎን ካብቲ ካብ ደቂ ሓደ እግዚኣብሔር ካብ ምዃን ዝውለድ ሕውነታዊ መሰኻኽሩ ኩኑ” ቢሎም መላእ ላቲን ኣመሪካን ነታ ናይታ ክፍለ ዓለም ሓላዊት ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣወኪፉም ዝለገስዎ ቃል ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 November 2020, 17:01