ቤተክርስትያን ዕዳጋ ወይውን ጒጅለ ፖሎቲካ ኣይኮነትን መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘቊማ! ር.ሊ.ጳ

‘ጴጥሮስን ዮሓንስን ምስ ተፈትሑ፡ ናብ ኣሕዋቶም ከይዶም፡ ነቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ ተዛረብዎም። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም፡ ‘ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡. . .ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም’ ኢሎም ምስ ለመኑ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ’ (ግሐ 4, 23-31)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ቀዳሞት ስጉምታት ናይታ ኣብ ዓለም ትውለድ ዝነበረት ቤተክርስትያን ብጸሎት ዝተቀለሰ ነበረ። ናይ ሓዋርያት ጽሑፋትን እቲ ዓቢ ዛንታ ግብረ ሓዋርያትን ኣብ ጒዕዞ ናይ ዘላ ቤተክርስትያን ስእሊ ይህቡና። እዛ ሓዳስ ቤተክርስትያን እዚኣ ብዙሕ ትሰርሕ ነበረት እንትኾነ ዝበዝሐ ጉባኤታታ ኣብ ጸሎትን ንስብከተወንጌል ኣብ ምብጋስን ተሕልፎ ነበረት። ድሕሪ ንዝስዕብ ዝኾነ ክርስትያናዊ ተግባር እዛ ጥንታዊት ማሕበረክርስትያን ኢየሩሳሌም ዓቢ ኣብነት እያ። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብረ ሐዋርያት ‘እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ’ (2,42) እንክብል ይገልጾ። ማሕበረ ክርስትያንከስ ብጸሎት እያ ጸኒዓ እትነብር።

ኣብዚ ታሪኽ እዚ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን መሠረታውያን ዝኾኑ አርባዕተ ነጥብታት ንረክብ። ቀዳማይ ንትምህርቲ ሓዋርያት ጽን ቢልካ ምስማዕ፡ ካልኣይ ናይ ሕድሕድ ሕብረት ምሕላው፡ ሳልሳይ ምቊራስ እንጌራ፣ ራብዓይ ጸሎት። እዚአን ዝምህራና ጉዳይ እንተሃልዩ ህላዌ ቤተክርስያን ትርጉም ዝህልዎ ምስ ክርስቶስ ሕብረት ምስ ዝህልዋ ጥራይ ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቃሉን ኣብ ቅዱስ ቊርባንን ኣብ ጸሎትን ምስ እትጸንዕ እዩ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ክንወሃሃደሉ እንኽእል እንኮ መንገዲ እዚ እዩ። ስብከትን ትምህርተ ክርስቶስን ቃላትን ተግባራትን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምስክራ። ብቀጻሊ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝግበር ውህደት ከኣ ካብ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን ፍሉይነትን የድሕነና። ምቊራስ እንጌራ ኸኣ ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ከምዘሎ ዝገልጽ ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን እዩ። በዚ ከኣ ንሱ ካባና ፈጺሙ ኣይፍለን እዩ። እቲ ቅዱስ ቊርባን ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ክርስቶስ ምሳና ይነበር ምሳና ይጐዓዝ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብጸሎት ምስ እግዚአብሔር ኣቦና ንዋሳእ ነዚ ከ ብመንጎኝነት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኢና እንፍጽሞ።

እዚ ኩሉ ዝገልጸልና ቤተክርስትያን በዘን ኣርባዕተ እምኒ ኲርናዓት ዝኾና ተግባራት ስለእትዓቢ ካብዚአን ወጻኢ ክትዓቢ እትፍትን ዝኾነት ቤተክርስትያን መሠረት ኣልቦ እያ። ንኩነታትና ክነልሊ እንተደሊና ነዘን ኣርባዕተ ማዓዝናት ክንምልከት የድሊ ማለት እዘን ኣርባዕተ ምልክታት ኣለዋዶ ማለት ስብከትን ሕውነታዊ ሕብረትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ምቊራጽ እንጌራ ማለት ምሥጢረ ቊርባንን ጸሎትና ኣለዋዶ ኢልና ክንሓትት የድሊ። ዝኾነ ኩነታት በዘን ኣርባዕተ ምልክታት እዚአን ክምዘን ኣለዎ። ኣብዘን ኣርባዕተ ምልክታት እዚአን ዘይኣቱ ናይ ቤተክርስትያን ኣይኮነን። ንቤተክርስትያን ዘቊውም እግዚአብሔር እምበር ምውዕዋዕ ተግባራት ኣይኮነን። ቤተክርስትያን ዕዳጋ ኣይኮነትን ወይውን ናይ ገለ ኣውፈርቲ እኽብካብ ኰይና እትሰርሕ ማሕበር ኣይኮነትን። ቤተክርስትያንሲ በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከተሓባብረና ዝለኣኸልና መንፈስ ቅዱስ ሥራሕ እያ። ቤትክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማሕበረ ክርስትያንን ኣብ ሕይወት ክርስትናን ኣብ ቅዱስ ቊርባንን ኣብጸሎትን ወትሩ ብዝሰርሖ ተግባር ትግለጽ። ካብዘን ጒዳያት እዚአን ወጻኢ እትንቀሳቀስ ዝኾነት ማሕበር ቤተክርስትያን ኣይኮነትን መሠረት የብልና ከምቲ ጐይታ ኣብ ማቴ 7.24 ዝብለ ኣብ ሑጻ ዝተሰረተት ቤት እያ። ንእንገብሮ ጻዕሪ ትርጉም ዝህቦ ቃለ እግዚአብሔር እዩ። መጻኢ ዓለምና ዝህነጸሉ ኣብ ትሕትና እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ገሊኦም ምእመናን ካብ ጽቡቅ ድላይን ህንጡይነትን ተበጊሶም ንቤተክርስትያን ብግጉይ መንገዲ ከቊሙ ማለት ከም ሓደ ጒጅለ ፖሎቲካ ሆ ክብሉ ዝደልዩ እንክርኢ ብጣዕሚ የሕዝነኒ። ወረ ገሊኦም ኣባቴ ብዝሒ ድምጺ ብዙሓን ውሑዳን ንዝብል ኣምር እንታይ ትብሎ ይብሉ ኣየኸ እብል እሞ መንገዲ ቤተክርስትያን መንገዲ ሲኖዶስ እዩ እዚ ከኣ ኩልና ብሓንሳብ ኢና እንጐዓዝ ሓቢራ ንስጉም ክንገብሮ ዘሎናኸስ ሲኖዶስ እዩ እብሎም። ናብ ገዛእ ርእሰይ ምልስ ኢለ እንክሓስቦ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣበይ ኣቀሚጦሞ እዞም ሰባት እብል። ከመይ ጸሎት ኣብ ዘለዎ ውህደት ማሕበር ኣብ ዘለዎ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ዘለዎ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ከምዘሎስ ከመይ ኢሎም ይዝግዑ እብል። እዘን አርባዕተ ምልክታት ምስ ዝጐድላ ብዙሓን ውሑዳን እናበልካ ከም ናይ ሓደ ጒጅለ ፖሎቲካ ወይ ምውፋር ርእሰ ማል ሸንኮለል ትብል እምበር ንመንፈስ ቅዱስ ኣይትረኽቦን። ውሕስነት ናይዘን ኣርባዕተ ምልክታትከስ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሓደ ማሕበር ናይ ቤተክርስትያን ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍታሽ ነዘን ኣርባዕተ ምልክታት ሃሰስ ንበል ማሕበራዊ ሕይወት ጸሎት ቅዱስ ቊርባን ከመይ ይትግበር ንበል። እዚአን ምልክታት እዚአን እንተዘየልየን መንፈስ ቅዱስ የለን ስለዚ ጽሩይ ሰብኣዊ ማሕበር ይኸውን። ርግጽ እዩ ናይ ግብረ ሠናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ኣለው ወረ ገልገለ ጒጅለታት ፖሎቲካ እውን ጽቡቅ ይሰርሓ እየን። እንተኾነ እዚ ንቤተክርስትያን ክትክእን ቤተክርስትያን ክኸውንን ፈጺሙ ኣይክእልን። በዚኸስ ቤተክርስትያን ከም ማንም ቊጠባዊ ትካል ብዝኾነ ሰብኣዊ ተግባር ክትዓቢ ኣይትኽእልን። እትዓብየሉስ ብፍቅሪ ንኩሉ ናብኣ ክትስሕብ እንከላ እዩ። ነዚ ምስሓብ እዚ ዘንቀሳቅሶኸ መን እዩ እንተበልና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ቤተክርስትያን ብምስዳዕ ዘይኮነስ ብፍቅሪ ናብኣ ብምስሓብ እያ እትዓቢ’ ዝብላ ቃላት ኣይንረስዕ። ስለዚኸስ ቤተ ክርስትያን ብምስዳዕ ዘይኮነ በዘን ዝበልናየን ምልክታት እያ እትዓቢ። መንፈስ ቅዱስ እንክጐድል ከም ማንም ቁጠባዊ ትካል ትኸውን ኣብኣ ኢየሱስ የለን ከም ሓደ ክላብ ሠናይ ሓሳብ ዘለዎም ኣዕሩኽ ይዓጉ እንተኾነ ቤተክርስትያን ኣይኮነትን ሲኖዶዳውነት የለን።

ግብረ ሐዋርያት ኣብ እነንብበሉ ግዜኸስ ሓይሊ ጸሎት ከመይ ገቢሩ ናይ ስብከተወንጌል ወኒ የንቀሳቅስ ከምዝነበረን ነፍሲወከፍ ኣብቲ ጉባኤ ጸሎት ዝሳተፍ ከኣ ብሕያው ህላዌ ክርስቶስን ብመንፈስ ቅዱስ ይትንከፍ ከምዝነበረ ንግንዘብ። ኣባላት ናይታ ናይ መጀመርያ ማሕበረክርስትያን እዚ ሎሚ ንዓና እውን ይምልከት እዩ! ምስ ኢየሱስ ናይ ምርኻቦም ዛንታ ኣብ ግዜ ዕርገቱ ጥራይ ተደሪቱ ከምዘይተረፈ እንታይ ደኣ ኣብ መጎኦም ሕያው ኰይኑ ይቅጽል ከምዘሎ ይርድኡ። ነቲ ጐይታ ዝበሎን ዝገበሮን ብሓንሳእ ኰይኖም ክሰምዑ እንከለው ማለት ቃለ እግዚአብሔር ምስማዕ ከምኡ እውን ምሳኡ ንክወሃሃዱን ክዋስኡን ብጸሎት ክተግሁ እንከለው ኩሉ ሕያው ይኸውን። ጸሎትከስ ብርሃንን ሙቀትን ይህብ እዚ ከኣ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ኣብ ልቦም ንሓይሉ ከምዝውለድ ይገብሮ።

ነዙይ ብዝምልከት ትምህርተ ክርስቶስ ቊ.2625 ‘ቅድሚ ኹሉ፣ እዚ ጸሎት’ዚ እቲ ምእመናን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚሰምዕዎን ዜንብብዎን ጸሎታት እንኪኸውን፤ ብፍላይ እቲ ከም መዛሙር ዝመሰለ ጸሎታት፤ ኣብ ክርስቶስ ተፍጻሜቱ ዚረክብ ብምዃኑ፤ ምእመናን ናታቶም ጸሎት ይገብርዎ። ነታ ኣብ ጸሎት ዝተጸምደት ቤተክርስትያን፤ ናይ ክርስቶስ ዝኽራ ሕያው ኮይኑ ከምዚነብር ዚገብር መንፈስ ቅዱስ፤ ናብ ምልኣት-ሓቂ ገጻ ይመርሓ፤’ እንክብል ይገልጾ። እነሆ እምበአር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተክርስትያን ዝገብሮ ንኢየሱስ የዘክር። ኢየሱስ ባዕሉ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ‘ንሱ ክምህረኩም ንኩሉ ከኣ ከዘክረኩም እዩ’ ይብል። እዚ ግን ንማለቱ ዘይኮነ ሕያው ይገብሮ። ክርስትያን ዘቦኡኸስ ናብ ተልእኮ ስብከተወንጌል ኣብ ዝወፍሩሉ ንኢየሱስ ኣብ መንጎኦም ህልው ይገብርዎ ይዝክርዎ ካብኡን ካብ መንፈስ ቅዱስን ከኣ ንቅድሚ ንኽግስግሱ ንከገልግሉን ንክሰብኩን ሓይሊ ይለብሱ። ብጸሎት ክርስትያን ኣብ ምሥጢረ እግዚአብሔር ይጥሕል። እዚ ምሥጢር ከኣ ከምቲ እግዚአብሔር ንነፍሲወከፍ ዘፍቅሮ ከም ዘፍቅሩ ገሩ ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ወንጌል ናብ ኩሉ ከምዝስበኽ ይገብር። እግዚአብሔር ናይ ኩልና እዩ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንኢየሱስ ‘ንክልተ ሓደ ዝገበረ’ (ኤፈ እ2.14) ዝብሎ ብኢየሱስ ዝኾነ ናይ ፍልልይ መንደቅ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ይፈርስ። ኢየሱስ ሓድነት ፈጠረ።

በዚ ከምዚኸስ እታ ፈላሚት ቤተክርስትያን ሓዋርያት ከየባተኸት ሥርዓታት ልመናታት ንምፍጻም ማሕበራውስ ይኹን ግላዊ ጸሎት ተዘውትር ነበረት። እቲ ንሰበኽቲ ወንጌል ሓይሊ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣብ ዝገብርዎ ኩሉ እንተስ ኣብ ጒዕዞ ብባሕርስ ይኹን ብኻልእ ሓደገኛ ኩነታት ከጋጥሞም እንከሎ ውርደት ክቅበሉ ከለው እውን ከይትረፈ ሓይሊ ይህቦም ነበረ።

እግዚአብሔር ፍቅሪ ይዕድል ፍቅሪ ከኣ ይሓትት። ናይ ሓደ ኣማኒ ምሥጢረ ሕይወት ኣብዚ ትምስረት። ቀዳሞት ክርስትያን እዚ ነቶም ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ዝሰዓብናዮም ንዓና ሎሚ እውን ይምልከት እዩ! ቀዳሞት ክርስትያን በዚ እዮም ዝነብሩ ዝነበሩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንኩሉ ነገራት ይኣሊ ነበረ። በዚ ከኣ ዝኾነ ንክጽሊ ቁሩብ ግዜ ንምውፋይ ዘይፈርህ ክርስትያን ነተን ‘ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ’ (ገላ 2.20) ዝብላ ቃላት ጳውሎስ ናቱ ክገብረን ይኽእል። ጸሎትከስ እዘን ቃላት እዚአን ከምዝስቈራኻ ይገብር። ናይዘን ቃላት ጳውሎስ ሓቅነት ብሱቅታ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ተደፊእካ ብዝግበር ጸሎትን ስግደትን ኣምልኾን ጥራይ ይግለጻ። በዚ ከምዝኸስ ትርጉም ኣምልኾን ስግደትን ተረዲእና ንእግዚአብሔር ኣምልኾን ስግደትን ክነቅርብ ንኢየሱስ ኣምልኾን ስግደትን ክነቅርብ ንመንፈስ ቅዱስ ኣምልኾን ስግደትን ክነቅርብ ይግባእ። ነዚ ኸኣ ብጸጥታ ኢና እንገብሮ። ጸሎት ስግደትን ኣምልኾን ዘፍልጠና ቀንዲ ጉዳይ እግዚአብሔር መጀመርታን ፍጻሜን ናይ ኩላ ታሪኽ ምዃኑ እዩ። እዛ ጸሎት እዚኣ እታ ሓዊ ዝኾነት ህላዌ መንፈስ ቅዱስ እትጽጉ እዚ ከኣ ንምስክርነትን ንተልእኮ ስብከተወንጌልን ሓይሊ ዝህብ እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 November 2020, 19:17