ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍትሕን ኣቃልቦን፡ ደቀ ንስትዮ ናይታ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ተዋሳእቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍትሕን ኣቃልቦን፡ ደቀ ንስትዮ ናይታ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ተዋሳእቲ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍትሕን ኣቃልቦን፡ ደቀ ንስትዮ ናይታ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ተዋሳእቲ

ፍራንቸስኮ ናብተን ተጋባኣያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እተን መማክርት ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ - ኵሪያ ሮማና - ሓዋርያዊ ምሕደራ “ሓድሽ ጽባቔ” እያተን እንክብሉ ገሊጾም፡ ሓደ ናይ ኵሪያ ሮማና ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መማክርት ደቀንስትዮ ክህልዎ ብዛዕባ ሕቶ ደቀንስትዮ ጥራሕ ብምሕሳብ ዘይኮነ ደቀንስትዮ ናይቲ እናማዕበለ ናይ ዝኸይድ ባህል ቀንደይና ተዋሰእቲ ክኾና ዝብል ሸቶ ዝገበረ እዩ”፡

ንናይ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ መማክርት ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ፥ ቀዳማይ ጉባኤ ኣስተንትኖ ኣብታ “ናይ ወንጌል ሓሴት” ዘርእስታ ሓዋርያዊት ምዕዳን ካልኣይ ጉባኤ ኣስተንትኖ ኣብታ “ይሴባሕ” ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽትን፡ ሳልሳይ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ “ሰብኣዊ  ሕውነት” ዘርእስቱ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝተኸተመ ሰነድ ናብ ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሓደ ናይ ቤተ ክርክስቲያን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መማክርት ደቀንስትዮ ኣብ መዋቕሩ ብምቛም ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ ክንየው ዝብል ደቀንስትዮ ቀንደይና ተዋሳእትን ናይቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ባህሊ ተዋሳእትን ክኾና መርሕ መስመር ዘቕርብ ምዃኑ የብርሁ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ መንጐ ቀልብን መንፈሳውነትን ኣብ መንጐ ሓድነትን ብዙሕነትን ኣብ መንጐ ሙዚቃን ሊጡርጊያን ምሕዝነትን ኵላዊ ምትእምማንን ዝብል ሸቶ ዝገበረ ዘተ ምፍጣርን፡ ብዝዓበየ ተሳታፍነት ድምጺ ደቀንስትዮ እቲ ዝሓመመ ዓለም ምፍዋስ” እዚ ኸኣ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ሸቶ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ እተን “ደቀንስትዮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ የንብባን የስተንትናን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔን ኣብ “ወንጌላዊ ሓሴት” ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ “ይሴባሕ” ዓዋዲት መልእኽትን ኣብቲ “ሰብኣዊ ሕውነት” ዘርእስቱ ሰነድ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኣስተንትኖ ዝካየደሉ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ኣስዒቦም፥

ብዙሕነት ሃብቲ እዩ

ፍራንቸስኮ ናብተን ተጋባኣያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እተን መማክርት ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ - ኵሪያ ሮማና - ሓዋርያዊ ምሕደራ “ሓድሽ ጽባቔ” እያተን እንክብሉ ገሊጾም፡ ሓደ ናይ ኵሪያ ሮማና ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መማክርት ደቀንስትዮ ክህልዎ ብዛዕባ ሕቶ ደቀንስትዮ ጥራሕ ብምሕሳብ ዘይኮነ ደቀንስትዮ ናይቲ እናማዕበለ ናይ ዝኸይድ ባህል ቀንደይና ተዋሰእቲ ክኾና ዝብል ሸቶ ዝገበረ እዩ”፡ እቲ መማክርት፥ በተን ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ዓለም ዝዓያን ዘገልግላን ሕድ ሕድ ብምክብባር ብሓባር ምዕያይ ዝብል ሓሳብ መርሕ ዝገበረ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ዘተ ናይ ሓባርን ዘሰማምዕን ነጥብታት ንምልላይ ብሓባር ኣብ ብዙሕነትን ዝዓያ ከምዝኾና ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከምዘብርሁ ኣፍሊጦም።

ናይ ቅድስቲ ኢልደጋርዳ መርሕነት

ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ቅድስቲ ኢልደጋርዳ ዘቢንገን ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቕነት ዝተኣወጀላ እተሰንዮ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፥ “ስነ ምርምራዊ ፍልጠትን መንፈሳውነትን ዘዋህድ’ ቅድስቲ ኢልደጋርዳ፥ ንደቂ ተባዕትዮ ዛዕባ ደቀንስትዮ ክፍልጡን ከስተውዕሉን ክርድኡን ትምህር፡ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዘይኮነ ንደቀንትዮ እውን፡ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንናይ ፍጥረት ጉይታን ፈጣርን ኣብ ፍጥረትን ዝውድስ፡ እዚ ውዳሴ እዚ ኸኣ ጥበብ ወይ ስነ ምርምር ጥራሕ ዘይኮነ ሊጡርጊያ እውን እዩ፡ ቅድስቲ ኢልደጋርዳ ኣብቲ ደቀንስትዮ ክመሃራን ናብ ቤተ መጻሕፍት ክኣትዋን ኣብ ዘይፍቀደለን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነዚ ማሕበራዊ መቑሕዚ እዚ ከምዝበተኸቶን እዚ መማክርት ደቀንስትዮ ዳርጋ ከም ቅድስቲ ኢልደጋርዳ እዩ ክትብሎ ይከኣል፡ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳይ ኣስተዋጽኦ ንሰላም እዩ` ምኽንያቱ ደቀንስትዮ ኣቑሳል ናይ ምፍዋስን ምምሓርን ዕርያን ጸጋ ዝተዓደላ እያተን” ከምዝበሉ ራቪይርት ሓቢሮም።

ፍሱህ ኵዋኔ ደቀንስትዮ

“ኣብ ናይ ድሕነት ታሪኽ - ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም - ሓንቲ ጓለንስተይቲ ነቲ ቃል ኣአንገደት፡ ሎሚ እውን ደቀንስትዮ እያተን ኣብቲ ጸላም ለይቲ ነቲ ሞት ዝሰዓረ ንኽጽበያን ንኸበስራን ናይ እምነት ብርሃን ዝዕቅባ፡ ናይ ጓለንስተይቲ ፍሱህ ኽዋኔ ኣብ ክልተ ተግባር ዝቖመ እዩ፥ ኣብ እንገዳን ምብሳርን፡ ፍጥረት ኣብ ምክንኻን ቅኑዕ ዝኾነ ዓለም ኣብ ክዋነኡን ኣብ ምክብባርን ብዙሕነት ኣብ ምኽባርን ዝጸንዔ ዘተ ኣብ ምርግጋጽ ደቀንስትዮ ዓቢይ ግደ ኣለወን፡ ደቀንስትዮ ናይታ ናይ  እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ናብ ምስማዕን ኣቃልቦን ንድኻታትን ኣብ ቤተ ኣብ ዝዓያሉ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ጽፍሕታት ፍትሒ ዘነቓቕሓ እያተን”  ምስ በሉ ናይ ሰላምን ሕዳሴን ኣብሰርቲ ክትኾና እላበው እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ራቪይርት ሓቢሮም።

09 October 2020, 21:33