ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላውረንቲኖ ናይ መቓብር ስፍራ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላውረንቲኖ ናይ መቓብር ስፍራ 2018 ዓ.ም. 

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ቅዱስ ተውቶኒኮ ናይ መቓብ ስፍራ ንጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን

ዕለት 2 ሕዳር ቤተ ክርስቲያን ኩሎም ሙታን ምእመናን እትዝረሉ ዕለት ቅዱስነቶ ኣብቲ ንዝቕመጥሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቅዱስ ተውቶኒኮ ናይ መቓብር ስፍራ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ኣርባዕተ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ግሊ ጸሎት ክደግሙን

ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ኵላዊት ቤተ ርስቲያን ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ፡ መዓልቲ ዝኽሪ ኵሎም ሙታን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ተውቶኒኮ ናይ መቓብር ስፍራ ብግሊ ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ከዕርጉ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ልብዒ ዝእዝዞ ኣገዳሲ ናይ ደሕንነት መስፈርቲ እቲ ብቕዱስ ኣቦና ዝስራዕ ዘበለ ብዕሎት ዘኽብሮን ዝስዕቦን ከምዝኾነን፡ ሰኑይ ዕለት 2 ሕዳር ቤተ ክርስቲያን ኩሎም ሙታን ምእመናን እትዝረሉ ዕለት ቅዱስነቶ ኣብቲ ንዝቕመጥሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቅዱስ ተውቶኒኮ ናይ መቓብር ስፍራ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ኣርባዕተ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ግሊ ጸሎት ክደግሙን፡ ኣስዒቦም ምእንቲ ኩሎም ሙታን ብግሊ ብዘይ ተሳትፎ ምእመናን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ናይ ግሊ ጸሎት ከዕርጉ እዮም፡ ኣስዒቦም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ትሕቲ መሬት ናብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ግሊ ጸሎት ከዕርጉ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ውሑዳት ምእመናን ዘሳተፈ

ዕለት 5 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2020 ዓ.ም. ዝዓረፉ ካርዲናላትን ጳጳሳትን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝኾኑን ኣብቲ ዕለት 5 ሕዳር ኣብ ዘዕርግዎን ስዒቡ እውን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ እውን ኣብ ዝህልዎም ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ግብርታት ብዕሎት ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ከምዝተገብረ ኣብ ጉዳይ ክንክን ጥዕና ዘሎ መምርሒ እንተድኣ ዘይተቐየረ፡ ነቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ኣገዳሲ ዝኾነ መስፈርቲ ብዘኽርብ ኣገባብ ኣዚዮም ውሑዳት ዝኾኑ ምእመናን ክሳተፉ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ቅዱስ ተውቶኒኮ ናይ መቓብ ስፍራ ንጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን
30 October 2020, 16:06