እሙናት መሰኻኽር እግዚአብሔር እንኾነሉ ኩልና ኣሕዋት ምስ እንኸውን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅድሚ 34 ዓመት ብቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝተጀመረ ስለሰላም ብኩሎም ኣመንቲ ዝቀርብ ጸሎት ሎሚ እውን በቲ መንፈስ እቲ ብትግሃት ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ኣብ ሮማ መራሕቲ ዓበይቲ እምነታት ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ በርጠለመዎስን ፕረሲደንት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ጀርመን ብፁዕ ኣቡአን ሃይንሪሽ ዝርከብዎም ዓበይቲ መራሕትን ዝተረኽቡ ካምፒዶልዮ ኣብ ዝበሃል ከተማ ሮማ ዝርከብ ባሲልካ ኣራቸሊ ሮማ ኣብ ዝተኻየድ ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ነቅርበልኩም።

ሓቢርካ ምጽላይ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ንኩሉኹም ብልቢ እንከመስግን ብፍሉይ ፍቅሪ ሰላም እብለኩም ብፍላይ ከኣ ሓወይ ንዝኾኑ ኢኩመኒካዊ ፓትርያርቅ ብፁዕን ቅዱስን ኣቡነ በርጠለሜዎስ ከምኡ እውን ናይ ካንተርበርይ ሊቀጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃስቲንን ናይ ሃገረ ጀርመን ቤትምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ፕረሲደንት ብፁዕ ኣቡነ ሃይንሪሽን ፍሉይ ሰላምታይን ምስጋናይን አቅርብ።

ክንበብ ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ጐይታ ቅድሚ ኣብ መስቀል ምማቱ ዘጋጠሞ ብርቱዕ ፈተና ይዛረብ። ንሱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ቃንዛን ፍቅርን እንከሎ ብዙሓት ብዘይ ንሕስያ ተጻዩ ተላዒሎም ‘ወዲኣምላኽ እንተኾንካ እስኪ ካብ መስቀል ውረድ ርእስኻ ኣድሕን’ (ማር 15,30) እናበሉ ተጻዩ ከላግጹ ርኢና። እዛ ፈተና እዚኣ ንዓና ንክርስትያን ከይተረፈ እትፈታተን ሓያል ፈተና እያ እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን ዝብል ፈተና ወይውን ንጒጅለኻ ጥራይ ኣድሕን ኣብ ጉዳይካን ጸገማትካን ጥቅምታትካን ጥራይ ኣተኲር ዝተረፈ ካልእ ኩሉ ዋጋ የብሉን ዝብል ፈተና ኣሎና። እዚ ፈተነ እዚ ኣብ ደመነፍስና ዘሎ እዩ እንተኾነ ሕማቅ እዩ እታ ናይ መጨረሽታ ተጻይ መስቀልካ ተስኪምካ ምጒዓዝ እተጋጥም ፈተና እያ።

ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን! እዚኣ ሓረግ እዚኣ እቲኦም ብመስቀል ጐይታ ዝሓልፉ ዝነበሩ ዝበልዋ እያ። እዞም ሰባት እዚኦም ኢየሱስ ክዛረብ ዝሰምዕዎን ተኣምር ክገብር ዝዕዘብዎን ዝነበሩ ሓመድ ሓፋሽ እዮም ዝነበሩ። ሎሚ ግን ‘እስኪ ካብ መስቀል ብምውራድ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን’ ይብልዎ። ርሕራሔ የብሎምን እንተኾነ ካብ መስቀል እናወረድ ተኣምር ክርእዩ ይህንጠዩ። ንሕና እውን ሓንሳእ ሓንሳእ ክንዲ ርሕራሔ ተኣምር እናገበረ ሓይሉ ዘርኢ ኣምላኽ ንምነ ማለት ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ከኣል ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ብሓይሉ ንኩሉ ዝመልኽ ነቲ ሕማቅ ዝምነየሉን ዝገብርን ብኡ ንብኡ ዝቀዝፍ ኣምላኽ ንደሊ። እዚ ግን ናትና ናይ ሃረርታና ኣምላኽ እምበር ሓቀኛ እግዚአብሔር ኣይኮነን። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ከምቲ እንደልዮ ዝገብር ኣምላኽ እንምነዮ! ክንዲ ንሕና ኣብ ትሕቲ መለኪዒዑ እንኸውን ንኣኡ ኣብ ትሕቲ መለኪዕና ክንገብር ክንደይ ግዜ ዘይንጽዕር። ክንዲ ንሕና ከማኡ ንኸውን ንሱ ከማና ክኸውን ክንደይ ግዜ ሃረር ዘይበልና። በዚ ከኣ ክንዲ ኣምልኾ ንእግዚአብሔር እነቅርብ ንኣነነትና ክነምልኽ ንርከብ።  እዚ ኣምልኾ ገዛእ ርእስና መጠን ዝዓበዮ መጠኑ ብዛዕባ ካልኦት ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ከምዝስዕርር ይገብር። ነቶም ርእሶም እናነቅነቁ ወዲ ኣምላኽ እንትኾንካ ካብ መስቀል ውረድ ርእስኻ ኣድሕን ዝብሉ ንዝነበሩ ዘገድሶም ዝነበረ ንውጥምና ተኣምር ምርኣዮም ምርዋይ ጥራይ ነበረ። እንተ እቲ ብኩሉ ተናዒቁ ዝተጓሕፈን ኣብ መስቀል ዝተሰቅለን ኣይእንታዮምን እዩ ነሩ። ርግጽ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቶም ነበረ እንተኾነ ካብ ልቦም ኣመና ርሒቁ ነበረ። እንታይ ገደሰኒ ዝብል መንፈስ ሸለልትነት ካብ ገጽታ እግዚአብሔር ኣመና ከምዝርሕቁ ገርዎም ነበረ።

ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን! ነቶም ሓለፍቲ መገዲ ስዒቦም ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ነዛ ሓረግ እዚኣ ይደግምዋ። እዞም ሰባት እዚኦም ንኢየሱስ ዝኰነኑ ነበሩ ከመይ ሓደጋ ኰይንዎም ነበረ። እንተኾነ ንሕና ኩልና ንገዛእ ርእስና ንክነድሕን ንካልኦት ኣብ መስቀል ንምስቃል ክኢሊታት ኢና። ኢየሱስ ግን ንክፍኣት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክንጽዕን ከምዘይብልና ንከምህረና ብፍቃዱ ይሽንከር። ኣብ መወዳእታ እቶም ሊቃውንቲ እምነት ዝኸስዎ ዝንበሩ ንካልኦት ብምድሓኑ ነበረ ‘ንካልኦት ኣድሒኑ ንርእሱ ግን ከድሕን ኣይከኣለን ‘(ማር 15.31) ኢሎም ይኸስዎ ነበሩ። ኢየሱስ መን ምዃኑ ይፈልጡ ነሮም ነቲ ንሱ ዝገበሮ ፍወሳ ሕሙማትን ሓራ ምውጻእን ይዝክሩ እሞ ሕማቅ ምትእስሳር ይገብሩ ንካልኦት ምድሓን ምንም ጥቅሚ ከምዘይብሉ ንገዛእ ርእሱ ብከንቱ ምጥፋእ እዩ እንክብሉ ብተልእኮኡ ንክጠዓስ ይፍትንዎ። እቲ ክሲ ሓውሲ ላግጽን መሳሓቂቶ ምግባርን ነበረ። ክልተ ግዜ ከኣ ነታ ምድሓን ትብል ቅድስት ቃል ብላግጺ ይደጋግምዋ። እንተ እቲ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን ዝብል ንሶም ዝኽተልዎ ወንጌል ወንጌል ድሕነት ኣይኮነን። መጽሓፈ ኣዋልዳዊ ዝኾነ ክንዮኡ ጌጋ ዘየሎ ኰይኑ ንመሳቅል ክንዲ ምሽካሞም ንካልኦት ክተሸክሞም ዝድርኽ እዩ። ሓቀኛ ወንጌል ግን ንመስቀል ካልኦት ንክትሽከም ይደፋፍእ።

ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን! ኣብ መወዳእታ እቶም ምሳኡ ተሰቂሎም ዝነበሩ ዓመጸኛታት እውን ተጻዩ ኣብ ዝግበር ዓመጽ ይሳተፉ። ንካልኦት ክትፈርድ ክንደይ ኮን ይቀልል! ተጻይ ካልኦት ንክትዛረብን ናይ ካልኦት ጒድለት እምበር ናይ ገዛእ ርእስኻ ጌጋ ከይትርኢ ክንደይ ይቀልል! እዚ ከኣ ንኩሉ ጌጋታት ኣብ ዝባን ድኹማትን ዝተገለሉን ክሳብ ምጽዓን እዩ።  ንምዃኑ እቶም ምሳኡ ተሰቂሎም ዝነበሩኸ እንታይ ወሪድዎም እዩ ተጻይ ኢየሱስ ዝዛረቡ! እንተበልና ካብ መስቀል ስለዘየድሓኖም ነቲ መስቀል ስለዘይኣለየሎም እዩ። ከምዚ ከኣ ይብልዎ ‘ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን ንዓና እውን ኣድሕነና’ (ሉቃ 23.39)። ንኢየሱስ ዝደልይዎ ጸገማቶም ንክፈትሓሎም ጥራይ እዩ። እንተኾነ እግዚአብሔር ንጸገማትና ክፈትሕ ኣይኮነን ዝመጽእ ንሶምሲ ወትሩ ምሳና ኢዮም ኢየሱስ ካብቲ ሓቀኛ ጸገም ማለት ጒድለት ፍቅሪ ንከድሕነና እዩ ዝመጽእ።  ናይ ኩሉ ጸግማትና ዓሚቚ ምኽንያት ማለት ናይ ግልናስ ይኹን ማሕበራውያን ዓለምለኻውስ ይኹን ኣከባብያዊ ጸገማት ሱርከስ እዚ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ንምድሓን ጥራይ ምሕሳብ ሱር ኩሉ ክፍኣት እዩ። እንተኾነ ሓደ ካብቶም ገበርቲ ክፍኣት ንኢየሱስ ይዕዘብ ነቲ ትሑት ፍቅሩ ከኣ ይርኢ። ሓንቲ ንእሽቶ ነገር ብምግባር ከኣ መንግሥተ ሰማያት ይወርስ። ንኣተናኡ ካብ ገዛእ ርእሱ ናብ ኢየሱስ ይገብር ካብ ገዛእ ርእሱ ናብቲ ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ኢየሱስ ይገብር (ኁ.42)።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብ ቀራንዮኸስ ኣብ መንጎ እቲ ንከድሕነና ዝመጸ እግዚአብሔርን ንገዛእ ርእሱ ከድሕን ዝቃለስ ዘመደ ኣዳምን ዓቢ ወጥሪ ኰነ። ኣብ መንጎ እምነት እግዚአብሔርን ኣምልኾ ገዛእ ርእስኻን ኣብ መንጎ ወትሩ ዝኸስስ ሰብን ወትሩ ዝምሕር እግዚአብሔርን እዚ ወጥሪ ኣዚ ነሃረ። ኣብ መወዳእታ ዓወት እግዚአብሔር ኮነ ምሕረቱ ኣብ ዓለም ወረደት።  ካብ መስቀል ምሕረት ወሓዘ ሕውነት ዳግም ተወልደ ከመይ መስቀል ኣሕዋት ይገብረና (ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16, 21 መጋቢት 2008)። ኣብ መስቀል ዝተዘርገሐ ኣእዳው ኢየሱስ ነቲ ንነፍስወፍና ሃንጐፋይ ኢሉ ተቀቢሉ ዝሓቁፍ እምበር ጌጋና ዘይምልክት ፍቅሩ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ፍቅሪ ጥራሕ እዩ ንጽልኢ ከቅህም ዝኽእል ከምኡ እውን ንምጒዳል ፍትሒ ክሳብ ሱር መሰረቱ ክፈትሕ ዝኽእል ፍቅሪ ጥራይ እዩ። ንብጾትና ቦታ ከምዝህሉ ዝገብር ፍቅሪ ጥራይ እዩ። ኣብ መንጎና ምሉእ ውህደት ንክህሉ ዝግበር ጒዕዞ ጒዕዞ ፍቅሪ ጥራይ እዩ።

ነቲ ዝተሰቅለ ኣምላኽና ብዝበለጸ ክንወሃሃድን ኣሕዋት ንክንከውንን ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። ምናልባት ኣተሓሳስባ ዓለም ምስ ዝፈታተነና ነተን ‘ንሕይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ እንተ እቲ ስለይን ሰለ ወንጌልን ዘወፍያ ግን ከድሕና እዩ’ (ማር 8,35) ዝብላ ቃላት ኢየሱስ ንዘክር። ኣብ ቅድሚ ደቂሰባት ጥፍኣት ኰይኑ ዝረኤ ንኣና ድሕነት እዩ። ካብቲ ንገዛእ ርእሱ ባዶ ብምግባር ዘድሓነና (ፊል 2.7) ንመሃር። እዚ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ባዶ ኰይኑ ንካልእ ብምውፋይ ቦታ ካልእ ተኪኡ ማለት እዩ። ማለት ኣምላኽ ካብ ምዃን ሰብ ይኸውን መንፈስ ካብ ምዃን ሥጋ ይኸውን ንጉሥ ካብ ምዃን ባርያ ይኸውን። ንዓና እውን ገዛእ ርእስና ክሒድና ካልኦት ክንከውን ናብ ካልኦት ተጓዒዝና ቦታኦም ክንትክእ ይዕድመና። መጠን ንኢየሱስ ክፉታት ዝኾና መጠኑ ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ንኸውን በዚ ከኣ ከም ጐይታ ኢየሱስ ክስመዓናን ናይ ካልኦት ሓላፍነት ክንስከምን ኢና። በዚ ከኣ እቲ ካልኦት እንብሎም ንገዛእ ርእሶም ናይ ምድሓን ጐዳና ክኾኑ እዮም። ነፍሲወከፍ ናይዞም ካልኦት ማለት ዝኾነ ዘመደ ኣዳም ታሪኹን እምነቱን ብዘየገድስ ገዛእ ርእሶም ከድሕኑ እዮም።  ካብቶም ብቀረባ ንኢየሱስ ዝመሳሰሉ ድኻታት ይጅምር። ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ቊስጥንጥንያ ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ‘ድኻታት እንተዘይነብሩ ድሕነትና ብዓቢኡ ፋሕ ምበሎ ነሩ’ (2ይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮጦስ 17,2) ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። ብጐዳና ሕውነት ብሓባር ንክንጐዓዝ እሙናት መሰኻኽር ሕያው እግዚአብሔር ንምዃን ጐይታ ይደግፈና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
20 October 2020, 23:49