ብሥራተ ወንጌል ንቊሩባት ምሩጻት ጥራይ ኣይኮነን! እግዚአብሔር ንኩሉ ይጽውዕ! ር.ሊ.ጳ

‘ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሌላን ጒሌላን የለን ኩልና ፍቅሩ ክንቅበል ግቡእ ኣሎና’ እንክብሉ ሰንበት ዕለት 11 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ‘ቤተክርስትያን ነዚ ፍቅሪ እዚ ተግንዚባ ናብቶም ዝረሓቁ ንክትበጽሕ ኣገባብ ስብከተወንጌላን ምግባረ ሠናይን ክተሐድስ እሞ መዓጹኣ ንኩሎም ርሕዋት ከምዝኾኑ ክትገብር ኣለዋ’ ኢሎም። እቲ ኣስተምህሮ ከኣ እዚ ዚስዕብ ነበረ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ሎሚ ሰንበት ዝቀርበልና ክፍሊ ወንጌል (ማቴ 22.1-14) ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉሥ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ምሳሌ እዚ ገቢሩ እግዚአብሔር ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዝመደቦ መደብ ድሕነት ይገልጸልና። ‘እቲ ንጉሥ ዓቢ ግብዣ መርዓ ወዱ ገበረ’ እንክብል እቲ ንጉሥ ነቲ ንመላእ ዘመደ ኣዳም  ዝቀረቦ ዘደንቅ መኣዲ ምሳሕ ፍቅሪ  እሞ  ኸአ ኩሎም ኣብ ዙርያ እንኮ ወዱ ክወሃሃዱ  ምምዳቡ የመልክት። በዚ ከኣ ንክልተ ግዜ ዚኣክል እቲ ንጉሥ ልኡኻቱ ይሰድድ እንተ እቶም ዝተዓደሙ ኣይልቦም ኣይእዝኖም! ኣብቲ በዓል ክሳተፉ ኣይደልዩን!ብከመይ ዝዓጦም ካልእ ጉዳያት ነርዎም፣ እዚ ኸኣ ግራውቶምን ውራያቶምን ነበረ።  ንሕና እውን እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ከምኣቶም ንዋኒታትናን ውራያትናን ቅድምያ ብምሃብ ንዋታዊ ጥቅሚ ቅድሚ እቲ ወትሩ ናብ በዓሉ ዝጽዋዓና ጐይታ ንሰርዕ።  ኣብ ትረኻ እቲ ምሳሌ ምልስ እንተቢልና እቲ ንጉሥ ዳስ መርዓ ባዶ ክተርፍ ኣይደለየን ምኽንያቱ ከኣ ንሃብታት መዛግቡ ከካፍል ስለዝደለየ እዩ። ‘ናብ ኩሉ ኲርናዓት ጐዳናታት ኪድ እሞ ንኩሎም ዝረኸብኩምዎም ጸውዕዎም’ ይብል። እግዚአብሔርከስ ዓዲሙ ምስ ተነጽገ ከምዚ እዩ ዝገብር። ነቲ ዕድመ ኣብ ክንዲ ምቊራጹ እኳ ደኣ ከምብሓዲስ ንኩሎም ኣብ ኲርናዓት ወይውን ቀራና ጐድናታት ዝረኸብዎም ክዕድሙ ይልእኾም። ንማንም ኣይሓድግን። ካብ ገዛ እግዚአብሔር ማንም ክሕደግ ወይውን ክግለል የብሉን።

ኲርናዓት ጐዳናታት ኢሉ ወንጌላዊ ማቴዎስ ዝጥቀሞ ቃል ፍጻሜ ጐዳናታት ዘመልክት ኮይኑ ክንዮኡ እቶም ዝተረስዑ ኣብ ሕሳብ ዘይኣትው ኣብ ሻውላት ዝነብሩ ከተማታት ተወዲኡ ሃገረሰብን ሓውሲ ሃገረሰብን ዝጅምረሉ እዩ። ኣብዚ ሕይወት ብዙሕ ምቹእ ኣይኮነን። ናብዞም ከምዚ ዚኣመሰለ ሕይወት ዝነበሩ ዘመደ ኣዳም እዩ እቲ ንጉሥ ዝዕድም ዘሎ። ነዚ ከኣ ኣብቲ ዳስ መርዓ መጺኦም ዝቅመጡ ወለንተኛታት ከምዘለው ብምትእምማን ብርግጽነት እዩ ዝገበሮ። ከምዚ ብምግባሩ ከኣ እቲ ዳስ በቶም ካብ ቀራናታት ጐደና ከተማ ወጻኢ ዝነብሩ ብዙሕ ኣድላይነት ዘይወሃቦም ሰባት ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ክብሪ ናይ መርዓ ዳስ ክቅመጡ ይኽእሉ ኢልካ ብዘይሕሰቡ ይመልእ። እቲ ንጉሥ እንክእዝዝ ንዘረኸብኩምዎ ዘበለ ኩሉ ሕሱምስ ይኹን ሕያውይ ዓድሙ ይብሉ።  ምናልባት እቶም ሕሱማት ኣይፋል ጐይታይ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ኣነ ሕሱም እየ ብዙሕ ዓገብ ገረ እየ ክብል ይኽእል እንተኾነ እግዚአብሔር ነቶም ሕሱማት እውን ይዕድሞም እዩ። ኣጆኻ ንዓ ቅረብ እናበለ ይጽውዕ። ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ምስቶም ብሕዝቢ ሓጢኣተኛታት ተባሂሎም ተፈሪጆም ዝነበሩ ሕሱማት ኢና ዝብሉ ዝነበረ ኣብ መአዲ ይቅመጥ ነበረ። እግዚአብሔር ካብታ ብብዙሕ ሕሰም ዝቈሰለት ነፍስና ኣይፈርህን እዩ ምኽንያቱ ከኣ ስለዘፍቅረና ይዕድመና ከኣ። ቤተክርስትያንከስ ከምቲ ወንጌል ዝእዝዞ ኣብ ኲርናዕ ጐደናታት ኣብ ቀራናታት ከይዳ ነቶም ካብ ናብራን ሰባትን ተጐስዮም ኣብ ናይ ዘመንና ሻውላት ነፍስን ሥጋን ንዝርከቡ ተስፋ ዘይብሉ ሕሱም ናብራ ዘሕልፉ ንዘለው ክትጽውዕ ትለኣኽ ኣላ። እዚ ዘዘኻኽረና ነገር እንተሃልዩ ኣብቲ በዘልማድ እንገብሮ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ጠቢቅና ምስክርነት ግብረሠናይ ከይተጸበና መዓጹ ልብታትናን ማሕበረሰባትናን ንኩሉ ክንከፍት ኣሎና ከመይ ወንጌል ንቁሩባት ዝተመርጹ ዝተወሰነ ኣይኮነን።   እቶም ብማሕበረሰብና ዝተገለሉን ከምዘይጠቅሙ ዝተፈረጁን ዝተናዕቁን እውን ከይተረፉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝግብኦም እዮም። ነዚኦም ኩሎም እዩ ንሱ መአዲ ዘሰናዱ ቅኑዓቶምስ ይኹኑ ሓጢኣተኛታቶም ሕያዎትስ ይኹን ሕሱማቶም ምሁራትስ ይኹኑ ደናቊር ወይውን ዘይተማህሩ ብማዕረ እዩ ዝጽበዮም። ትማሊ ምሸት ንሓደ ኣብ ሃገረ ብራዚል ኣብ ሻውላት ምስ መንእሰያት ሕይወቱ ምሉእ ዘገልገለ ሽማግለ ልኡኽ ወንጌል ኢጣልያዊ ካህን ብስልኪ ረኺበ ከዘራርቦ ዕድል ረኺበ። ንእስነቱ ንድኻታት ከገልግል ኣብልይዎ። ሎሚ ሕጉስ ናይ ሽምግልና ሕይወት የሕልፍ ኣሎ። ኣደና ቤተክርስትያን እዚኣ እያ። ኣብ ቀራንታት መንገዲ ሰባት ንምጽዋዕ ዝኸይድ ናይ እግዚአብሔር መልእኽተኛ ከኣ እዚ እዩ።

እንተ እቲ ኰይኑ እዚ እግዚአብሔር ካባና ዝጽበያ ሓንጢ ነገር ጥራይ እያ ክዳን መርዓ ተኸዲንካ ምጽናሕ እያ። ናብታ ምሳሌ ምስ እንምለስ እቲ ዳስ መርዓ ምስ መልአ እቲ ንጉሥ መጸ እሞ ንክሎም እቶም ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዝተዓደሙ በብሓደ ሰላም ይብሎም እንተኾነ ኣብ ማእከሎም ሓደ ልብሲ መርዓ ዘይተኸድነ ይረክብ።  እዚ ልብሲ መርዓ እዚ ዕዱም ዘበለ ኩሉ ናብ ዳስ ቅድሚ ምእታው ብነጻ ዝዕደል መንጠሊና ነበረ። እቲ ዕዱም ኩሉ ከም ዘለዎ እዩ ዝኸይድ ዝነበረ ክጸባበቅ ኣይብልን ነበረ እንተኾነ ኣብ መእተዊ እቲ ዳስ መንጠሊና ዝመስል ዲኖ ብላዕሊ እትኽደኖ ክዳን ብነጻ ይዕደል ነበረ። እዚ ከኣ ህያብ ነበረ። እቲ ብዘይ ልብሲ መርዓ ዝተረኽበ ሰብ ግን ምስ ዓደልዎ ነቲ ነጻ ህያብ ኣበየ ባዕሉ ብፍቃድይ ንገዛእ ርእሱ ኣግለለ። እቲ ንጉሥ ከኣ ንደገ ኣውጽእዎ ምባል እንተዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። እዚ ሰብዚ መጀመርያ ነቲ ዕድመ ተቀቢሉ እንተኾነ ጽንሕ ኢሉ ትርጉም ኣይሃቦን ብብደዐ ርእሰይ ክኢለ እየ ዝብል ሰብ ነበረ ንክልውጥ ምንም ድላይ ኣይነበሮን። ወይውን ጐይታ ክልውጦ ኣየፍቀደን። እዚ መንጠሊና መሰል ዝበልና ልብሲ መርዓኸስ ነቲ እግዚአብሔር ብነጻ ዝዕድለና ምሕረት ማለት ጸጋ የመልክት። ኣብ ሕይወት ክርስትና ብዘይ ጸጋ እግዚአብሔር ፈልከት የለን። ወላ ሓንቲ ስጉምቲ ንቅድሚት ክትገብር ኣይከኣልን። ኩሉ ብጸጋ እዩ። ንጐይታ ንክትስዕብ ነቲ ዕድመ ምቅባል ጥራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን ንጉዕዞ ለውጢ ክትሰናዶ የድሊ ልብና ንክልወጥ ክተፍቅድ የድሊ። ነቲ ወትሩ እግዚአብሔር ዘወፍየልና ልብሲ መርዓኸስ ናይ ፍቅሩ ነጻ ውህበት ስለዝኽዕነ ጸጋ እዩ። ነዚ ጸጋ እዚ ከኣ ብኣድናቆትን ብታሕጓስን ምቅባሉ የሊ። ተመስገን ኦ ጐይታ ነዚ ጸጋ እዢ ስለዝሃብካኒ አመስግነካ ኣሎኹ ክንብሎ ኣሎና።

ካብቲ ኣሳሲሩና ዘሎ መደባትናን ጸቢብ ኣተሓሳስባብናን ወጺእና ነቲ ዘድሕን ጸጋ ዝኾነ ውህበቱ ክዕድለና ናብ መኣዲ ዳስ መርዓ ከምዝዓደመና  ኣብነት እቶም  ትጉሃት ኣገልገልቲ ተኸቲልና ንኩሎም ክነበስር እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሓግዘና። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 October 2020, 20:11