ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መማክርት ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መማክርት ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት  

በገባብ ማሕበራዊ መረብት ዝካየድ ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት

ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት ጉባኤ መማክርት ር.ሊ.ጳ. በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ዕለት 17 ለካቲት ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዘካየዶ መበል 33 ዓውደ ኣኼባ ናይ መወዳእታ ኮይኑ ከምዝጸነሔን፡ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣኼባታቱ ንኸካይድ ከምዘይከኣለን፡ እነሆ ሕጂ በገባብ ማሕበራዊ መረብት ንኸካይድ ከምእተጸውዔ

ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉጅለ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ በገባብ ማሕበራዊ መረብት ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉጅለ ስድስቱ ብጹዓን ካርዲናላት መማክርት ር.ሊ.ጳ. ዕለት 13 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ በገባብ ማሕበራዊ መረብት ነቲ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ብመደብ ዘካይዶ ስሩዕ ዓውደ ኣኼባኡ ከካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዝቕጽሉ ዓውደ ኣኼባታት እቲ ጉጅለ መማክርት ብኸመይ ኣገባብ ከካይድ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ካብቲ ዝመያየጠሎም ዝክረ ነገር ሓደ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

እቲ ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት ጉባኤ መማክርት ር.ሊ.ጳ. በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ዕለት 17 ለካቲት ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዘካየዶ መበል 33 ዓውደ ኣኼባ ናይ መወዳእታ ኮይኑ ከምዝጸነሔን፡ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ ኣኼባታቱ ንኸካይድ ከምዘይከኣለን፡ እነሆ ሕጂ በገባብ ማሕበራዊ መረብት ንኸካይድ ከምእተጸውዔ ብሩኒ ሓቢሮም ኣተሓሒዞም ኣብቲ መበል 33 ዓውደ ኣኼባ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮኒንን ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስን ብጹዕ ካርዲናል ፓትሪክ ኦመለይን ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስ ብጠቕላላ ኣባላት ጉጅለ ስድስቱ ካርዲናላት ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሖም ከምእተሳተፉን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼብ እውን ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባባርቲ ሓዋርያዊ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት - ኩሪያ ሮማና ዝመሓደረሉ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተደንጉጉ ኣብ ኣገልግልቶ ዘሎ ሕያዋይ ጓሳ እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ሃገረ ቫቲካን ዝትክእ ተባሂሉ ናይቲ ዝንገረሉ ሓርፋፍ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣማኣኪሉ ብጥልቂ ኣንቢቡን ከምእተመያየጠሉን ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የዘኻኽሩ።

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉጅለ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ
12 October 2020, 23:50