2019.10.22 42 ዓመት ይገብር ብዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ  2019.10.22 42 ዓመት ይገብር ብዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ  

‘ኣይትፍርሁ’ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ዘድልየና ምጽንናዕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ!

42 ዓመት ይገብር ብዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ በዛ ዘይትርሳዕ ሓያል ቃል ምልክት እምነትን ትብዓትን ዝኾነት ‘ኣይትፍርሁ’ እትብል ተልእኮኦም ጀመሩ። ብፁዕ ኣቡነ ኦደር ‘እዘን ቃላት እዚኣን ኣብዚ ዘሎና ዘመን ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ሓዲስ ሓይልን ትብዓትን ለቢሰን ዳግም የጋውሓ’ እንክብሉ ኣብ ዝኽሪ በዓሎም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ዓለም ብዓለማ ብወራር ለበዳ ኮቪድ 19 ቆሲላ መብዛሕትኡ ውሕስነታታ ኣብ ዝሰኣነትሉ እቲ ፈተነ ከኣ ኣብ ዝሓየለሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፋሕፋሕ ክብል ከምዘይብሉ ኩልና ብሓንሳብ እንተዘይኮይኑ በበይንኻ ድሕነት ከምዘየሎ ንምምልካት ዚኣክል ‘በይንኻ ኣይደሓንን ብሓንሳብ እዩ ዝደሓን’ እንክብሉ ደጋጊሞም ኣዘኻኺሮም። ነዛ ሓረግ እዚኣ ብሓንቲ ቃል ንዓለም ምሉእ ዘንቀጥቀጡ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ቅድሚ 42 ዓመት ዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓም ‘ኣይፍርሁ! መዓጹ ልብኹም ክፈቱ እኳ ደኣ ንክርስቶስ ጋህ ኣቢልኩም መዓጹኹም ክፈቱ’ እንክብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ነጐድጓዳዊ ድምጾም መጒልሒ ድምጺ ምስ ኣቃልሖ ዓለም ምሉእ ሓዲስ ተስፋ ሓዲስ ሓይሊ ለቢሱ። ኣብ ዘመኖም ንዝነበረ መናድቅ ጽልኢ መናድቅ ጸጥታ መናድቅ ርእዮተ ዓለማት በብሓደ ሃደሽደሽ ክብል ተራእዩ። ሎሚ እውን እንተኾነ ዝተፈላለየ መናድቅን ናይ ጸጥታ ሓለዋን ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ዝለዓለ መድሓኒ ሥልጣን ሃሰው ኣብ እንብለሉ እዛ ቃል እዚኣ ሓይሊ እትኾነና እንኮ መጻናንዒት ከምዝኾነት ኣብ ዝኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓሎም ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ጉዳይ ብፅዕናኦምን ቅድስናኦምን ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተሉ ብፁዕ ኣቡነ ስላዎሚር ኦደር መግለጺ ሂቦም። ብመጀመርያ ዝቀረበቶም ሕቶ ኣብ ዘመነ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝረኤ መናድቅ ነበረ እንተሎሚ ብዓይኒ ዘይረአ ብኢድ ዘይተሓዝ ታህዋስ ማለት ቫይረስ ነቅ ዘይብል መንደቅ ኰይኑና ዓለም ብዓለማ ኣብ ዝተንበርከትሉ ኣይትፍርሁ ዝብል ጻውዒት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዝሕግዝዶ ይመስለኩም ትብል ነበረት።

ብፁዕነቶም እንክምልሹ ‘መልሰይ ብርግጽ እወ እዩ። ጽሑፋቱ እንከገላብጥ ኣብ ምጅማር ተልእኮኦም ንኩሉ ታሪኽ ይትንትኑ እሞ ደቢቶር ፋክቱስ ሱም ማለት በዓል ዕዳ ኰይነ እትብል ሓረግ ቅጅል ትብለኒ። እዚኣ ሓረግ እዚኣ ድሕሮም ንዝፍጽምዎ ኩሉ መፍትሕ እያ። ነዚ ዕዳ እዚ ብፍቅሪ ይኸፍሎ ልዕሊ ኩሉ እታ ኣብ መኽፈቲ ተልእኮኦም ዝበልዋ ሓረግ ቀዳማይ በዓል ዕዳኦም ክርስቶስ ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ብኣኡን ንኣኡን ናብኡን ምዃኑ ንክገልጹ ‘ንክርስቶስ መዓጹ ልብኻትኩም ክፈቱ እኳ ደኣ ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ’  እትብል ሓረግ ሓደ መደብ ሓንጺጾም ከምዝተበገሱ ተመላኽት። እዚ ከኣ ሎሚ ንኣና እውን እኹል መጋበሪ እዩ። ከመይ ከምቲ ኣብ ዘመነ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዕዳ ፍቅሪ እግዚአብሔር ክትከፍል ግድነት ዝነበረ ንሕና እውን ነዛ እንነብረላ ዘሎና ታሪኻዊት ሁመት ዕዳ ፍቅርና ክንከፍል ትሑዛት ኢና። ሎሚ ከም ሎሚ ሽሕ’ኳ ለበዳ ኮቪድ 19 እንተኣጥቅዓና ናብ ክርስቶስ ኢና ክንጐዪ ዘሎና መዓጹ ልብታትናን ኣእምሮና ሕልናን ንኣኡ ክንከፍት እዚ ጥራይ ዘይኮነ መዓጹ ፖሎቲካዊ ምምሕዳራትናስ ይኹን ቁጠባውን መንግስታውን ባህላውን ብጠቅላሊ ወዲሰብ ኣብ ዝሰርሖ ሰፊሕ ግራት ኩሎም ንመልእኽቲ ክርስትና ክፉታት ክኾኑ ኣለዎም’።

ስዒባ ዝቀረበት ሕቶ ብዛዕባ ሕማምን ምጽዋሩን ኰይኑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንባዕሎም ክሳብ እታ መወዳእታ ሕይወቶም ብዙሕ ሕማማት ዘጥቅዖም ብምንባሮም ቁሩብ ነዚ ዘሎና ኩነት ለበዳ ዝኸውን ከመይ ገርና ክንሰግሮ ከምእንኽእል ዝሕብር ኣብነት ዝኾነና ነገርዶ ካብ ምስክርነቶም ክንረክብ ንኽእል ትብል ነበረት።

ብፁዕነቶም ኣብዚኣ ሕቶ እዚኣውን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ከም ዓርቢ ስቅለት ዝገልጽዎ ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ሕይወቶም ዘሕለፍወን ናይ ስቃይ ዕለታት ይዝክሩ እሞ ‘ንሶም ንባዕሎም ኣብ ፍኖተ መስቀል ሕይወት እንከለው ኣብ መወዳእታ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ናይቲ ዓመት ኣብ ኮሎሰዩም ዝግበር ዝነበረ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ንክሳተፉ ዳርጋ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፈልጡሉ ኩነት ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ብዘይምርካቦም ንዝተሰምዖም መስቀል ጸሮም ኣብ ቤትጸሎቶም ንመስቀል ክርስቶስ ደጋጊሞም እናሓቈፉ ዝተመሓላለፈ ምስሊ ተለቪዥን ብጣዕሚ ልቢ ዝትንክፍ ነበረ። ንኣኡ መስቀል መፍትሕ ንባብ ስቃይ ደቂሰባት ነበረ በዚ መፍትህ እዚ ገርካ ከኣ ማዓጹ ተስፋ ከምእትኸፍት ምሂሮምና’ እንክብሉ ነቲ ካብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብጥይት ተበሳሲዖም ኣይምውት ኣይስሩር ኰይኖም ከምቲ ዝብሎ ብተኣምራዊ መንገዲ ድሒኖም ክቀትሎም ንዘንቀደ ምሒሮም ኣብ መወዳእታ ከኣ ተደኒሶም ክንቀሳቀሱ ኣብ ዘይክእሉሉ ምስ ብርቱዕ ቃንዛ ንመስቀሎም ከመይ ከምእተሸከሙን መስቀል ናይ መፍትሕ ምዃኑ ብምግላጽ ዘይድምሰስ ምስክርነት ከምዝሓደጉልና ገሊጾም።

 ኣብ መወዳእታ ኣበርክቶ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ብዝምልከት ዝቀረበት ሕቶ ‘ኣብ ታሪኽ ነፍሲወከፍ ኣበርክቶኡ ኣለዎ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ሕንጣጥ ገለ ኸኣ ምሉእ ምዕራፍ የበርክት’ ናይ ቅዱስነቶም ሓደ መጽሓፍዶ ክንብሎ ንኽእል ትብል ነብረ።

ኣብዚ እውን ብፁዕነቶም ‘እወ ብዘይጥርጥር’ ይብሉ እሞ ነዚ መሰኻክር ምዃኖም ዓለም ምሉእ ዝተዓዘቦ ቅድሚኦም ዘይኮነ ዘደንቅ ለውጥታት ርኢና እዚ ከኣ ካብቲ ምርጫኦም ንመጀመርያ ግዜ ካብ ርሑቅ ሃገር ሃገረ ፖላንድ ር.ሊ.ጳ ምሻም ጀሚርካ በቲ ብዓቢ ትሕትና ዝተሰነየ ቃላቶም ተግባራቶም ዓቢ ኣበርክቶ ገሮም። ንመናድቅ ኮሙኒዝም ዘዕኖኹም ንስኹም ኢኹም ክብልዎም እንከለው ፈጺሞም ይነጽግዎ ነበሩ እኳ ደኣ ነዚ ዝገበረ መለኮታዊ ሓልዮት ንኣኦም ብምጥቃም ከምዝፈጸሞ ይገልጹ ነበሩ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ቅድሚ ዝኣገረ ንኩሉ ብጸሎት ይሓልፍዎ ቀጺሎም ብትሕትና ብቃሎም ብትምህርቶም በቲ ተባዕ ምስክርነቶም ከምኡ እውን ትንቢታዊ ክትብሎም ዘድፍር ተግባራቶም ይዝከሩ። ዝለዓለት ትምህርቶም ከኣ ሕይወትና ኣብ ዘይረብሕ ነገራት ከይነውድቅ እኳ አኣ ብምልኣት ክነብራ እሞ ሓቀኛ ትርጉም ክንህባ ምሂሮምና ሓሊፎም እንክብሉ ቃለ ምልልሶም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 October 2020, 13:21