ፍራንቸስኮ፥ መጋበርያ ሰላም ሎሚ፥ ክውንነትን ሰብኣውነትን ፍራንቸስኮ፥ መጋበርያ ሰላም ሎሚ፥ ክውንነትን ሰብኣውነትን 

ፍራንቸስኮ፥ መጋበርያ ሰላም ሎሚ፥ ክውንነትን ሰብኣውነትን

ቅዱስነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ሰላም ዘጽንዕ ፍሉይ ጨንፈር ክህሉ ከምዝገበሩ ጠቒሶም፡ ኣብቲ መጋበርያ ሰላም ኣብ ዝኾነ ተክለ ሰብነት ብፍሉይ የተኵሩ

ኣብታ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ተሓቲማ ንንባብ ዝበቕዔት ንሓደ ናይ ሰላም ፍልጠን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ ብፍላይ ናብ መንእሰያት ኣቕኒዖም፡ ኣብ ናይ ሰላም ስነ ምርምር ሊቓውንቲ ክኾኑን ኣብ ወንጌል ኣስተንፍሶ ብዝገበረ ልቢ ናይ መጽናዕቲ ድልየት ክህልዎምን ናይ ሰብኣዊ ፍጥርት ተስፋታትን ጭንቀትን ኵሉ ናይ ምክፋል ብቕዓት ዘለዎም ክኾኑ ይምዕዱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንእሰይ ወለዶ ናይቲ እዋናዊ ህብረተሰብ መግለጺኡ ኮይኑ ዘሎ ናይ ሕድ ሕዳዊ ውግእን ዓመጽን ሃዋሁ ክገጥሞ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ምውፋር ኣገዳሲ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ኣብታ ንሓደ ናይ ሰላም ፍልጠት ዘርእስታ ኣብ ጳጳሳዊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተቕዋም ናይ ስነ ተክሊልን ስነ ስድራ ቤትን ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ሰብእ መምህርን ናይቲ ተቕዋም ምኽትል ኣቦ መንበርን ጂልፍረዶ ማረንጎ ዝሰናደውዋ መጽሓፍ ኣስፊሮም፥ ንመጻኢ ዝጥምት ኣስተንትኖ ዘቕርብ ብርኩት መጽሓፍ ምዃኑ እውን ይንገር።

ቅዱስነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ሰላም ዘጽንዕ ፍሉይ ጨንፈር ክህሉ ከምዝገበሩ ጠቒሶም፡ ኣብቲ መጋበርያ ሰላም ኣብ ዝኾነ ተክለ ሰብነት ብፍሉይ የተኵሩ፡ መጋበርያ ስላም ሚዛኑ ዝሓለወ ቅኑዕ ኣስተንትኖ ኣብ ታሪኽን ኣብ ኪደት ሰብኣውነትን ዘተኩር እምበር ክንየው ስነ ማሕበረሰብኣውነት ዝብል ብዘይ ምውጋን ኩሉ ዝሓቑፍ ወንጌላዊ ልልያ መታን ንኽገብር ንናይ ግዜ ምልክታ ጥንቁቕ ኣቃልቦ ዘድልይ ምዃኑ ብሰፊሕ የብርሁ።

ኣብታ መጽሓፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገርን ጳጳሳዊ ናይ ሰላምን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ነበር ኣቦ መንበረን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ስደተይናታት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ነበር ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ረናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ ዘቕረብዎ ጽሕፉ እተጠቓልል መጽሓፍ እያ።

ፍራንቸስኮ፥ መጋበርያ ሰላም ሎሚ፥ ክውንነትን ሰብኣውነትን
16 September 2020, 11:37