መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ዓውሎማዊ ወግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ክሕድሱ ከምዝኾኑን፥ “ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ጸላኢናን ንናይ መላእ ዓለም ጸሕንነት ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ኾሮና ተህዋስ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን፡ ዕለት 22 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናብቲ ውድብ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ከምዝኾኑን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ሓቢሮም እቲ ኵነት እውን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓደ ፍልዩ ናይቲ ውድብ ዘካይዶ ክፍለ ጉባኤ ህሞት ክኸውን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዕለት 22 መስከረም ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም መደረ ከስምዑ እዮም”  ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ክኸውን እንከሎ፡

ጉተረዝ፥ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክትግበር ደጊመ ሕቶይ እሕድስ

ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና መንበሩ ኣብ ዘካይዶ መበል 75 ጠቕላላኢ ጉባኤ ቅዱስነቶም ብዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም ምስ ተጋባእያን ክራኸቡ ከምዝኾኑን፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እውን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንመላ ሃገራት ዓለም መራሕቲ ኣብ ውሽጢ 2020 ዓ.ም. ዓውሎማዊ ወግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ክሕድሱ ከምዝኾኑን፥ “ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ጸላኢናን ንናይ መላእ ዓለም ጸሕንነት ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ኾሮና ተህዋስ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዓውሎማዊ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረግገጽ ጻውዒት ዘቕረብና” እንክብሉ ምስ ጋዜጠይናትት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ “ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሱዳንን - ይብሉ - ናይ ሰላም ጩራ ክንርእይ ጀሚርና ዘሎና ንመስል፥ ኣብ ሶሪያን ሊቢያን ኡክራይንን ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽ ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት ንቕድሚት ክስጉም ተስፋ ንገብር”። ኣስዒቦም እውን የመን ዘኪሮም፡ “ፖለቲካዊ ኪደት ክብገስ መታን ቶኽሲ ደው ክብል ዝድርኹ ጻዖርታት ዝነቓቕሑ ዘለዉ እዩ ስመስ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ጉዳይን ኮቪድ - 19ን ዝምልከት ሕቶ

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፥ እቲ ዝካየድ መበል 75 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ናይ ከባቢ ኣየርን ማሓድሮን ክብታ ዋዒ መሬትን ነዚ ስዒቡ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ገረብን ጫካን ሓምላይ ሃብትን ምስፋሕ ምድረ በዳን ዝምልከት ኣርእስቲ እውን ክመያየጥ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “እዚ እዋን’ዚ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕይወት ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ኾሮና ተህዋስ ንዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ ብግቡእ ንምግጣምን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንምሕያልን ዘላቒ መደብ ልምዓት ምኽዋንን ማዕረኣዊ ምብጻሕ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባትን ንኹሉን ናይ ኩሉ ክኸውንን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክኽወን ዝብል መደብ ልምዓትን ዛዕባ ናይ ከባቢ ኣየር ውዕሊ ፓሪስን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝብሉ ነጥብታት ኣማእኪሉ ዝመክር እውን ምዃኑ ጉተረዝ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሳ ማሶቲ ይሕብራ።

ዕለት 22 መስከረም ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ዋዕላ

ናይቲ ሓድሽ ጠቕላሊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቱርኪ ልኡከ መንግስቲ ቮልካን ቦዝኪር ከምዝኾኑ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ እቲ ብመረብታዊ መራኽቦ ዝካየድ ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘሎ ኮይኑ ብኣካል ኣብ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ተረኺቦም መደረ ከስምዑ ከምዝኾኑ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኒው ዮርክ ዝርከብ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ኣብ ዝሕሰበሉ ዘሎ እዋን ቅዱስነቶም ኣብቲ መበል 75 ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም መደረ ከስምዑ ከምዝኾኑን ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ንድኻታት ቖላሕታ ክግበርን ነቲ ዝረኣይ ዘሎ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየር ህጹጽ መፍትሒ ክረክብ ከምዘለዎን ህልው ኩነታት ዓለም መሰረት ገይሮም ጻውዒት ከምዘቕረቡን ዓለም ሕጹጽን ስሉጥን መልሲ ይጽውዕ ከምዝበሉ የዘኻኽራ።

 

18 September 2020, 15:12