ናይ መሬት - መጻኢ፡ ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ፐትሪኒ ኣብ ጉዳይ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ናይ መሬት - መጻኢ፡ ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ፐትሪኒ ኣብ ጉዳይ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ 

ናይ መሬት - መጻኢ፡ ዘተ ር.ሊ.ጳ. ምስ ፐትሪኒ ኣብ ጉዳይ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ማሓድሮ ዘለዎም ርእይቶ ነቶም ነገራት ክህወሱ ድኣ’እምበር ብምሉእ ክፍለጡ ኣይክእሉን ዝብል ፍልስፍና ሰዓቢ ፐትሪኒ ብዙሕ ከምዝተንከፎምን፡ ካብቲ ኣብ ላምፐዱዛ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምልክት ኮይኖም ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሕይወተይ ይብሉ ፐትሪኒ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ማሓድሮ - ምልዋጥ ብኸመይ ኣብ ሕይወቶም ከምዘጋጠሞምን እዚ ምልዋጥ’ዚ ኣብ ሕይወቶም መዓስን ከመይን ኣበይን ከምዝኾነን፡ ካብ ዘይምርድዳእን ክሳብ እቲ ናይ 2007 ዓ.ም. ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓምሻይ ጠቕላሊ ጉባኤን ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣቃልቦ ዝጠልብ ሕቶን ዝትንክፍት ክሳብ ይሰባሕ ዓዋዲት መልእኽቶምን ዘሎ ኩነታት ብሰፊሕ ዝድህስስ ምስ ናይ ስነ መግቢ ሊቅን - ደራስን ኢጣሊያዊ ፐትሪኒ ኣብ ኣካይዶም ናይ ሓባር ዘተ ኣብሪሆም፡ መጻኢ እንደልይ እንተድኣ ኮይንና ረባሕታና እንቕይረሉ ሕጹጽ እዋን ሕጂ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘቕረብሉ መጽሓፍ ኮይኑ ሎሚ ዕለት 9 መስከረም 2020 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ከምዘፍልጡን ናይታ መጽሓፍ ጽማሬ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኵም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሃገረ ኣርጀንቲና ጳጳስ እንከለዉ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ብጹዓን ጳጳሳት ብፍላይ ከኣ ብራዚላውያን ኣብቲ ኣብ ኣፓረሲዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሓምሻይ ጠቕላሊ ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ክትግምቶ ዘይትኽእል ከቢድ ዝብልዎም ጸገማት ከባቢ ኣማዞን ክዛረቡ እንከለዉ ብዙሕ ይርድኦም ከምዘይነበረ ዘዘንትውሉ ምስ ነበር ናይ ዴስነት ህልዮ ሰዓቢ ናይ ስነ መግቢ ሊቅን ደራስን ናይ “ዝሑል መግቢ” መስራቲ ካርሎ ፐትሪን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ከምዘስመሩሉን፥ ክልቲኦም ር.ሊ.ጳ.ን ፐትሪኒን ናይ ኢጣሊይ ክፍለ ሃገር ፒዮሞንተ ተወለድቲ ከምዝኾኑን ናይ ሓባር መበቆል ዘለዎም እውን እያቶም፡ እቲ ናይ ሓባር ርክቦም ካብቲ ናይ መሬት - መጻኢ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ኮይኑ እቲ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ዘተ ፐትሪኒ ብሓባር ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ማሓድሮ “ኣዴና መሬት” መረብታዊ ርክብ ማሕበር መጽሓፍ ክኸውን ከምዘብቀዕዎን፡ ሎሚ ዕለት 9 መስከረም 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ፐትሪኒ 71 ዓመት ዝዕድመኦም ናይ ስነ መግቢ ሊቅን ደራስን ናይ ሪየቲ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ፖምፒሊ ናይ ዓርክን ብሓባር ማሕበረሰብ - ይሴባሕ ዝመስረቱን፡ ምስ ብጹዕ ኣቡነ ፖምፒሊ ሓቢሮም ምስ ቅዱስ ኣቦና እውን ቅድም ክብል ተራኺቦም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ር.ሊ.ጳ. እቲ ቀዳማይ ኣብ ላምፐዱዛ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ማሓድሮ ዘለዎም ርእይቶ ነቶም ነገራት ክህወሱ ድኣ’እምበር ብምሉእ ክፍለጡ ኣይክእሉን ዝብል ፍልስፍና ሰዓቢ ፐትሪኒ ብዙሕ ከምዝተንከፎምን፡ ካብቲ ኣብ ላምፐዱዛ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምልክት ኮይኖም ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሕይወተይ ይብሉ ፐትሪኒ ዓቢይ እወታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረሎም ኣብታ መጽሓፍ ከምዝሓበሩ የመላኽቱ።

ናይ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘፍጥረት

ኣብቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ፐትሪኒ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዕለት 30 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንንባብ ምስ በቕዔት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ እታ መጽሓፍ ናይ ብዙሓት ናይ ስነ ምርምርን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ሊቃውንቲ ሓሳብ ጻማ እያ፥ ማለት እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናብ ፍጻሜ ንኽትበቅዕ ዓቢይ ኣበርቶ ከምዘለዎም ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ዘተ ከምዝሓበሩዎም ፐትሪኒ ኣብታ መጽሓፍ የዘንትዉ።

ናይ ሚኒስትር ሰጐለነ ትጽቢት

ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብቐረባ ዓቢይ ኣቃልቦ ዝሃባሉን ዝተረደአን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስትራበርግ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ናይ ፈረንሳ ናይ ማሓድሮ ጉዳይ ሚኒ. ሰጎለነ ሮያል ምዃነን ቅዱስነቶ ከምዝሓበርዎምን እተን ፈረንሳዊት ሚኒ. እታ ዓዋዲት መልእኽትኹም ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዋ እያ፡ ኣብ ዓለም ዓቢይ ጽልዋ ክህልዋ ከምዝኽእል ባዕለን ከምዝሓበረኦም ቅዱስነቶም ኣብቲ ምስ ፐትሪኒ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ከምዝሓበሩ ኣብታ ዝተሓትመት መጽሓፍ ይንበብ።

ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ማሕታ

ቅዱስነቶም ንፐትሪኒ ይብሉ፥ እታ ዓዋዲት መልእኽቶም ክሳብ ክንድዚ ጫው ጫው ከተብል ብዙሕ ከምዘይተጸበዪን፥

እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዝሕ ትጽቢት ክግበረላን እዚ ትጽቢት እዚ እውን እናዓበየ ክኸይድን ዝጽበዮ ዝነበርኩ እዩ፡ ተሓቲማ ንንባብ ምስ በቐዔት ድማ እቶም ንናይ ሓባር ቤትና ሰናይ ኣብ ልቦም ዘንብሩ ኣንቢቦማን ኣድኒቖማን ኣብ ግብሪ ንኸውዕልዋ እውን ይጽዕሩን ይትንትንዋን ክውከሱዋን እርእይ ስለዚህ ኵላውነት ተቐባልነት ረኺባ ክብል እኽእል፡

ከምዝበሉ ፐትሪኒ ኣብታ ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ዘተ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝደረስዋ መጽሓፍ ይሕብሩ።

ናይ ኾርገ ማርዮ በርጎሊያ ማሓድሮኣዊ ምልዋጥ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ምስ ካርሎ ፐትሪኒ ዘካየድዎ ዘተ፥ ብዛዕባ ቀስ እናበለ ዝሰረጾም ምልዋጥ ማሓደሮ ክሕብሩ እንከለዉ፥ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣፓረሲዳ ሰበኻ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ ከም ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ ከምእተሳተፉን እቲ ሓምሻይ ጉባኤ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከም ሓደ ምኽንያት ጠቒሶም፡ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ብራዚል ብጹዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ኣማዞን ጸገማት ክዛረቡ እንከለዉ ብዙሕ ባህ ይብለኒ ኣይነበረን ብዛዕባ ማሓድሮን ማሕበራዊ ጉዳያት ዝዛረብዎ ዝነበረን እቲ ህጹጽ ጉዳይ ቢሎም ዘቕርብዎ ዝነበረ ይርድኣኒ ኣይነበረን፡ እቲ ለበዋ`ቲ ካብ ኮሎምቢያ ኤኳዶርን እውን ክቐርብ ይጅምረ፡ እዚ ኹሉ ድርኾት ከኣ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምስዃዕ ናይ ሃገራት ከባቢ ኣማዞም ጳጳሳት ብዙሕ ይደፍኡሉ ነይሮም፡ እቲ ጉባኤ እውን ተቐበሎ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዙሕ ዓመት ሓሊፉ እዩ፡ እቲ ማሓድሮኣዊ ምልዋጥ ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ቀስ እናበለ ኣብዚ ናይ ሎሚ ደረጃ ከምዘብጸሖን እንክሕብሩ፥

ኣብ መጀመሪያ ይርድኦ ኣይነበርኩን ብሓቂ እቲ ዘቕርብዎ ዝነበረ ርእሰ ጉዳይ፡ ደሓር ከንብቦን ከጽንዖን ምስ ጀመርኩ፡ ክስቆረንን ኣፍልጦ ክህልወንን ገይሩ እዩ፡ ንኸተስተውዕሎ ግዜ የድልየካ፡ ይኹን ደኣ እምበር ህልው ኵነታት ማሓድሮ ግዜ ኣብ ዘይህበሉ ደረጃ በጽሑ ኣሎ፡ ስለዚህ መጻኢንደልይ እንተድኣ ኮይንና ረባሕታና ክንልውጥ ግድን ይኸውን።

ንዅሉን ናይ ኵሉን ዓዋዲት መልእኽቲ

ፐትሪኒ ኣስዕቦም ኣብታ መጽሓፎ ከምዝሕብርዎ፡ ብዛዕባ ማሓድሮኣዊ ዝምልከት ኣብ መንጐ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ዘተ ክህልው መታን ድልድል ምሕናጽ የድሊ ዝበሉ ፐትሪኒ ኣተሓሒዞም፥ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኣማንያንን ኢኣማንያንን ናይ ሓባር ባይታ ምዃና ቅዱስነቶም ከምዝሓበርዎምን፡ ግብረ ገባዊ ኣማራጺ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሱ እውነተይና ሜላ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. የብርሁ፡ ቅድም ቀዳድም ሰብኣዊ ሜላ እዩ፡ ፍልልያትን ውጥረትን ዘይምስሕሓብን ናይ ሓባር ረብሓ ብምቕዳም ምስጋር ዝብል ሓሳብ እተቕርብ ዓዋዲት መልእኽቲ ምዃና ቅዱስነቶም ዝገለጹሎም ኣብታ መጽሓፍ የመላኽቱ።

ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእስና ምልዋጥ

ዞባናን ሃገራትናን ዓለምናን ንምልዋጥ ሓፍ ቅድሚ ምባል፡ ካብ ቤትካ ምጅማር የድሊ፡ ንኣብነት ምልስ ቢሎም ቅዱስነቶም መብራህቲ ኣብ ዘይድልየሉ እዋን ምጥፋእ ማይ ዘይምብኻን ዝኣመሰሉ ልድምታት ምምዕባል የድሊ ኩሉ ካብዚ እዩ ዝብገስ እዚ ልምዲ’ዚ ብመደብ ሕንጸት ክመሓላለፍ እውን ዘለዎ እዩ፡ ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእስኽ ምልዋጥ ዝበልዎ ቃል ኣብታ መጽሓፍ ነንብብ።

ኤጐነት መሰረት ገርካ ንመሬት ብዙሕ ዘይምሕታት

መሬት እቲ ክትህቦ እትኽእል ብኣነነትን ንኣይነትን መንፈስ ተለዓዒልና ክሳብ እትደምይ ዘይምሕታት

ኢጐነት ክንዋግኦ ይግብኣና፡ እቲ ኣዴና መሬት ንኽንምዝምዝ ዝድርኸና ኤጉነት ምውጋድ የድሊ፡ ኤጐነት ብሓቂ ዝሓመመ ኣመለኻኽታ እዩ!

እታ ዓዋዲት መልእኽቶም ማሕበራዊ እምበር ንምቅስቓስ ከባቢያውነት እተለዓዕል ኣይኮነትን

ዓዋዲት መልእኽቲ ይሴባሕ ናይ ከባቢያውነት ምንቅስቓስ ወይ ናይ ምንስቓስ ሓምላይ ሰነድ ዘይኮነት ማሕበረሰብኣዊ ዓዋዲት መልእኽቲ እያ፡ ከም ሰብ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ማሓድሮኣዊ እዩ፡ ሰብን ከባብን ዘይነጻጸሉ ከምዝኾኑ እተብርህ እያ።

ብዝሑነት - ሕይወት ኩሉ ከከም ባህሉ ጸሎት ንእግዚኣብሔር እዩ

እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዓቢይ ክብሪ እትህበሉ ብዝሓነት - ሕይወት “ኣብ ዓለም ንኽንነብር ዘኽእለና - ውሕስነት እዩ” ስለዚህ ንዓኣ ምጉዳእን ህላዌናን ህላዌ ኩሉ ፍጥረት ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ ዝኸውን፥

ኩለ ፍጥረት ብሓደ ዓይነት ኣገባብ ኣይኮነን ዝጽልይ፥ ኩሉ ከም ምዃን ኣፈጣጥራኡ እዩ ንእግዚኣብሔር ጸሎት ዘቕርብ፡ ከከም ባህሉን ምዃኑን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕስራን ሓሙሽተ ንላዕሊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣሎ ኣብ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝተወልዱ፡ ኩሉ ድማ ጸሎት ንእግዚኣብሔር እዩ!

ወንጌልን ናብ ዓለም ምብጻሕ ማለት ወንጌል ምብህላው ማለት እዩ

ባህልታት ብወንጌል ምስባኽ ንገዛእ ርእሱ ወንጌል ምብህላው ማለት እዩ፡ ኣማዞናዊት ቤተ ክርስቲያን ተድልየና፡ ከምቲ ኢየሱሳዊ ልኡካነ ወንጌል ማተዮ ሪቺ ዝፈጸሞ፡ ንብዙሓት ቲዮሎጊያውያን ዕንቅፋት እዩ ዝነበረ፡ ወንጌል ኣብ ቻይና ከብህልወቶ ዝፈተነ እዩ፡ ኣብቲ እዋን ቤተ ክርስቲያን ኣይተረደኣቶን በዚ ኣቢላ ከኣ ንቻይና ማዕጸዋ ዓጸወት።

በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢይ ሶውራዊ

ቅዱስነቶም ትብዓት ልኡካነ ወንጌል ዘኪሮም ኣስዒቦም በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣፓረሲዳ ተረኺቦም፥ “ቤተ ክርስቲያን እትዓብይ ብምስዳዕ ዘይኮነ ብማራኽነት እዩ - ብቓልን ተግባራን ማራኺት . . .

ምእንቲ’ዚ በነዲክቶስ መበል 16 ዓቃባዊ እዮም ዝብል ዘረባ ክሰምዕ እንከሎኹ እቑጣዕ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ዓቃባዊ ዘይኮኑ ዓቢይ ሶውራዊ እዮም!

ናብ መላእ ኣማዞናውያን ሃገራት ሲኖዶስ

ሲኖዶስ ኣማዞናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ እትርከበሉ ከባቢ ዝጠልቦ ሕቶ ክትምርምርን ግቡእ መልሲ ክትህበሉን ዝኣመተ እዩ፡ ንናይ ኣማዞን ሕቶ ኣነኣኢስካን ቅልል ኣቢልካን ኣማዞናውያን ካህናት ይመርዓዉዶ ኣይመርዓዉ ብዝብል ኣመለኻኽታ ክተቐምጦ ጌጋ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሓት ካህናት ጳጳሳትን ናይ ኣማዞን ሕቶ ብቐረባ ንኽፈልጡ ኣብ ኣማዞን ክበጽሑ ዝበጸለ ምኾነ፡ ሕቶ ኣማዞን ባህላውን ማሓድራኣውን ማሕበራውን ሰብኣውን እዩ፡ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝትንክፍ። ምንቅስቓስ ከባብያውነት ንበይኑ እዅል ኣይኮነን ማሕበራዊ ፍትሒ መሰረት እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብታ ብዘተ መልክዕ ኣብ ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቶም ማሓድሮ ምክንኻን ከምዘድሊ ጻውዒት ዘቕርቡ ውልቀ ሰባትን ማሕበራትን ዘኪሮም ንኣብነት እታ ሽወደናዊት መንእሰይ ግረታ ቱምበርግን ካልኦት መንእሰያትን “መጻኢ ናትና እምበር ናታትኵም ኣይኮነን” ዝብል ብርቱዕ ጭርሖ ዘቃልሑ እውን እናሓሰቡ ግረታ ንመንእሰያት ኣነቓቒሓን ካብ ቦታ ናብ ቦታን ካብ ሃገር ናብ ሃገርን እናተንቀሳቐሰት ማሓድሮኣዊ ሕሊና ኣነቓቒሓ እያ። መንእሰያት ኣክንዲ ንመጻኢ ንህልው ኩነት ከቃልቡ ይግባእ። ህልው ኩነት ናይ መጻኢ መስቲያት ስለ ስኾነ ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ የብርሁ።

ባህረት ናይ ብዙሓት ጸገም ዝጥቀም ህዝብነት ኣይፋል ምባል

ብዙሕ እዋን ብዙሓት ንቕዱስነቶም በቲ ዝገብርዎን ዝብልዎን ኩሉ ኣቕሊሎም ደንጋጺ ዝብል መጸውዕ ክዋሃብዎም ይስማዕ እዚ ግን ዓቢይ ጌጋ እዩ። ድንጋጸ ዘይኮነ ፍትሒ ዝጭርሕ እዩ፡

ኣብዚ እዋን እዚ ህዝብነት ዘነቓቕሑ ብዙሓት እያቶም ዝዕወቱ ዘለዉ፡ ዝድግፎም ባይታ እውን ዝተፈጠረሎም ባይታ ሰፊሕ እዩ ዝመስል፡ ናይ ሕዝቢ ቅኑዕ ጸገም ከም መጠቐሚ ዝገብር፡ . . . ህዝብነት ብዘይ ሕዝቢ ዝዓዪ እዩ፡ ባህረት ናይ ብዙሓት ጸገም መጠቐሚ እናገበረ፡ ጸገም ንምውጋድ ዘይኮነ ነቲ ጸገም መዳይቦ ናብ ስልጣን ንምጥቓም እዩ፥ ናይ ሕዝቢ ጸገም ንናይ ገዛእ ርእስኻ መሳልል ናብ ስልጣን ምጥቃም፡ ህዝብነት እዚ እዩ፡

እቲ ጸረ ስደተይናታት ዝኾነ ኢጐነት ብፍቕርን ብጨዋነት ምብዳህ

እቲ ኣብ ዓለም ዳግም ዝቐላቐል ዘሎ ናዚያውነት ካበይ እዩ፡ ስለምንታይ እዩኸ ዝምለስ ዘሎ ንዝብል ፐትሪኒ ንዘቕረቡሎም ሕቶ ቅዱስነቶም እንክምልሱ፥

ቡቕባቔን ንኻልእ ምሕሳብን ዝሰኣነና ኮይንና ኣሎና፥ ኢጐነት ዘሕምም እዩ፡ ስለዚህ ብፍቕርን ብጨዋነትን ክብዳህ ኣለዎ፡ . . . ሎሚ እቲ ቀዳምነት ዝወህቦ ተቐይሩ እዩ . . . ክንገይሽን . . .የድልየካ ኣየድልየካ ኵሉ ምእካብ፡ ሕይወት ናብ ዕዳጋነት ዝተቐየረ እዩ ዝመስል መጻኢ ብዘይ ዝውለዱ ሕጻናትን ብዘይ ስደተይናታትን እንታይ እዩ ዝጽበየና ዘሎ?

ሰናይ ዓውሎማነት ህብረ ጐድናውን መንነት ዘድሕንን እዩ

ኣብ ኢጣሊያ ብዙሓት ስደተይናታት ፊሊፒናውያን ኣለይቲ ሕጻናትን ኣብ ኣባይቲ ዝዓያን ዝዓይኑን ስደተይናታት እያቶም እምነት ዘመሓላልፉ ዘለዉ፡ እምነት ዘመሓላልፉ እምነት ስለ ዝነብሩ እያቶም፡ ብቓልን ሕይወትን፡ ምስ እዚ ኣትሓሒዞም ብዛዕባ ዓውሎማነት እክዛረቡ፡

ሰናይ ዓውሎማነት ህብረ ጎድናውነትን መንነት ዘድሕንን ዘኽብርን እምበር ፍሉይነትን መንነትን ዝዕፍን እቲ ካባይ ዝተፈልየ ክፋእ እዩ ዝብል ኣይኮነን` እተዘይኮይኑ ረብሓ ዘይብሉ ጥፍኣት እዩ ዝኸውን!

ናይ መኣድን ምሕዝነትን ድልድል ሓነጽቲ

መግቢ ሓደ ካብቶም ዘራኽቡ ድልድል እዩ፡ መሓዙት ምዃን ኣብ መኣዲ ብሓባር ምርኻብ የስምዕ፡ እዚ ሓቀይና ምሕዝነት እዩ፡ ምሕዝነት ዘማእከለ መኣዲ፡

ቤተ ክርስቲያንን ፍታውን ካብ እግዚኣብሔር ዝዕደል ሰናይ እዩ

ኣብ ገለ ገለ እዋን ቤተ ክርስቲያን ፈታው ምዃን ዳርጋ ዓፊናቶ እያ፡ ፍታውነት ኢሰብኣውን ጠገለ ዘይብሉ ጸያፍ ገይራ እትሓስበሉ ዝነበረ ግዜ ነይሩ እዩ፡ ፍታውን - ሓጉስ ሰብኣዊ እዩ፡ ቁጥብነት ክህልው ግድን እዩ፥

ፍታው ብቐጥታ ካብ እግዚኣብሔር እዩ ካቶሊካዊ ኣይኮነ ክርስቲያናዊ ኣይኮነ ወይ ካልእ፡ መለኮታዊ እዩ፡ ፍታው ምምጋብን . . . ምስ እትምገብ ጥዕና ይህልወካ . . . ከምኡ እውን ፍቕራዊ ፍታው ንፍቕሪ ዘጸብቕ ወለዶ ዝውሕስ፡ ዘርኢ ሰብ ዘቐጽል እዩ!

ኣስተንትኖ ዛዕባ ለብዒ

ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ካርሎ ፐርትሪኒ ዕለት 9 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ተራኺቦም ከምዝነበሩን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ዛዕባ ሲኖዶስ ኣማዞንን ለብዒ ኮቪድ - 19ን ኣማእኪሎም እውን ከምእተመያየጡን ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ፐትሪኒ ከም ተዓዛቢ ከምእተሳተፉን ኣብቲ ሲኖዶስ በእጋራ ኣብ ባይታ ደው ምስ ዝበለት ህያው ቤተ ክርስቲያን ከምዝተራኸቡን ኣዘኻኺሮም፥ ብዛዕባ ለብዒ ኣማእኪሎም ንዘቕረቡሎም ሕቶ ቅዱስነቶም እክምልሱ፥ እቲ ለብዒ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣንበርኪኽዎ እዩ፡ ባዕልና እንፈጥሮም ተህዋስ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳቕይ፥ ተህዋስ ኢፍትሓውነትን ኣራዊት ዝኾነ ናይ ዕዳጋ ኤኮኖሚን ሕሱም ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ዝብሉ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

ህዝቢ ዘዋስእ ሓድሽ ኤኮኖሚ

ተስፋ ንኽንረክብን ካብቲ ቅልውላው ብሉጻት ኮይንና ንኽንወጽእ ደጋዊ ክፍሊ ከተማን ህልውናን ምጥማት የድሊ . . .

ንሕሱም ኤኮኖሚ ኣይፋል ዝብል ኤኮኖሚ፥ ኣይፋል ንኣምልኾ ቁጠባን ገንዘብን ሓድሽ ትርጉምን መደብን ሕዝቢ ዘዋስእ ኤኮኖሚ የድሊ፡ ሓቛፊ እምበር ዘይንጽል!

ግንዛበ ኣብ ልዕሊ ይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ

እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ይሴባህ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝወሃባ ግንዛበ ክብ እናበለን ካብቲ ዝተደረሰትሉ እዋን ሕጂ ዝወሃቦ ግንዛበ ዝበረኸ እዩ እንክብሉ ፐትሪኒ ንዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ቅዱስነቶም ሓቂ እዩ እንክብሉ ኣረጋጊጾም፡ ብሓንቲ መርከብ ጥራሕ ኣብ ባሕሪ ዝተደርበየ ልዕሊ 6 ቶን ናይ ፕላስቲክ ጓሓፍ ከምዝኣከቡ ዝነገርዎም ታሪኽ ዘኪሮም፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ንዘዛራረብዎም ሰብ ትካላት ነዳዲ፥ ነዳዲ ምጥቓም እንተድኣ ተወጊዱ ኣብ ሰላሳታት ተራእዩ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ ዝኸፍኤ ቅልውላው ኤኮኖሚ ከጋጥም እዩ ዝበልዎም ዘኪሮም፡ ጥበብ እዩ ዘድሊ ነዳዲ ምጥቃም ቐስ ብቐስ ብዙሓት ንስእነት ስራሕ መታን ከይቃልዑ ዝትክኦ ሓድሽ ኤኮኖሚ ምቛም የድሊ፡ ምኽንያቱ ስራሕ ክብሪ ስለ ዝኾነ፡ ስለዚ ምስ ማሓድሮ ዝሰማማዕ ሓድሽ ኤኮኖሚ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ የብርሁ።

እንልወጠሉ እንልውጠሉን ግዜ

ፐትሪኒ ይብሉ፥ ኵላትና ለውጢ ንምዕድን ኣድላይነቱ እውን ነተሓሳስብ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዘሕዝን ቅድሚ እቲ ለብዒ ናብ ዝነበረን ናብ እንሓስቦ ክብሪ ንምለስ ዘሎና ንመስል፥

ቅዱስነቶም ነዚ ግምት ብምሃብ፥

ሓቂ እዩ ገሊኣቶም ናብቲ ቅድሚ ለብዒ ናብ ዝነበረ ኩነት ክምለሱ ዝደልዩ ይመስሉ፥ ንሕና ከምኡ ከይኸውን ካልእ ኣማራጺ ናይ ምቕራብ ኣኽእሎቱ ክህልወና ይግባእ፡ ኣማራጺ ምቕራብ! ብእነቕርቦ ኣማራጺ ምስዓር ( . . .) ብዙሓት ጭርሖ ብዝመስል ‘ኵሉ ተቐይሩ እዩ ከም ቀዳም ኣይክኸውንን እዩ’ ዝብል ጽሑፍ የጒልሑ፡ እቲ ሓቂ ግና ዝተለወጠ ነገር የሎን ስለዚህ ምጥንቃቕ የድሊ . . .

ከምዝበሉ ብታ መጽሓፍ ነንብብ።

ክንቕብሎ ዝግብኣና ጉባኤን ናይ ብጽግልና ቲዮሎግያን

ናይ ዝሓለፈ ዘመን ኢጣሊያውያን ነቢያት ምጥማት፡ ንኣብነት ኣባ ሚላኒን ኣባ ማዞላሪን ኣባ ቶኒኖ በሎን ኣርቱሮ ፓውሊን፥ ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም እዞም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ ነቢያት ተባሂሎም ዝግለጹ ዳግም ይዝከሩን ትምህርቶምን ሓሳቦምን ተግባራቶም ዳርጋ ይምለስን ይንገርን ዘሎ ይመስል፡ እዚ እውን በቲ ሓደ ወገን ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምምስጋን የድሊ፡ ብዙሓት ንድሕሪት ዝኸዱ ይህልዉ፡ እቲ ጉባኤ ዳርጋ ሓምሳ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ገና ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኣይመስልን፡ ካብቲ ናጻዊ ናይ ኤኮኖሚያ ህልዮን ካብቲ ናይ ሃብቲ ቲዮሎጊያ ዝብልን ኣመለኻኽታ ምልቓቕ የድሊ፡ እቲ ዘድሊ ናይ ድኽነት ቲዮሎጊያ እዩ። (ግብረ ሓዋርያት)።

ኣረጋውያንን ምስ መንእሰያትን ናይ እዋንና ወለድን

ኣብ መንጐ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘተ ክህሉን በቲ ዘሎ ናይ ጣዕሚ ባህሊ ምኽንያት ወለዲ ስንኩፋት ዝኾኑ ይመስሉ፡ ብጣዕምን ብኣህላኽነትን ዝደኸሙ ይመስሉ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ሓንጐልን ልብን ኣእዳውን ዝብል ሰለስተ ሰብኣዊ ቋንቋ ናብ ምጥቃም ከብላ ይግባእ፥ እንተዘይኮይነ ሓንጐልን ልብን ኢድን ብዕደ ጥበባዊ መጋበርያ ክትካእ ይኸውን፡ እዚ ኸኣ ሰብኣውነት ንሓደጋ የቃልዕ፡ እተን ሰለስተ ሰብኣዊ ቋንቋ ምንባር የድሊ ይብሉ።

ብሱል ኣቦ (ብሱላት ወለዲ) ምስ ደቁ ዝጻወት እዩ

እቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፐትሪኒን ዝተኻየደ ዘተ፥ ቅዱስነቶም ተማሃራይ እንከለዉ ዓቢይ ናይ ፍልስፍና መምህሮም ዝነበሩ፡ ብዙሕ ግዜ ሓደ ኣቦ ምስ ደቁ ዘይጻወት እንተድኣ ኮይኑ ብሱል ኣይኮነን ዝብልዎ ዝነበሩ ይዝክሩ፡ ኣናዛዚ እውን ስለ ዝነበሩ ነቶም ንኽናዘዙ ናብኦ ዝኸዱ ንዝነበሩ ወለዲ፥ ምስ ደቃትኵም ትጻወቱ ዶ? እንክብሉ ይሓትዎም ከምዝነበሩን እውን ዝኪሮም፥

እዚ እዩ እቲ ሓቀይና ግጥሚ፡ ሓደ ኣቦ ገጣሚ እንተድኣ ዘይኮነ ንደቁ ብጽቡቕ ክሓንጽ የጸግሞ፡ እዚ ግጥሚ እዚ ናይ ሞሳ ግጥሚ እዩ!

እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብታ መጽሓፍ ነንብብ።

09 September 2020, 16:26