ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ከባቢ ካውካሶ ይጽልዩ፥ ናይ ዘተ መንገዲ ይመረጽ

ሓሳቦምን ጸሎቶምን ምእንቲ ኣርመንያን ኣዘርበጃንን ኣቕኒዖም፡ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ምስ ናይ መላእ ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብን ዕለት 27 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕትን ምዃኑን ከምዝዘከሩ

ዕለት 27 መስከረም 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ መኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፥ ሓሳቦምን ጸሎቶምን ምእንቲ ኣርመንያን ኣዘርበጃንን ኣቕኒዖም፡ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ምስ ናይ መላእ ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ካረኪን ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብን ዕለት 27 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ በጻሕትን ምዃኑን ከምዝዘከሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዞባ ካውካሶ ዝተለዓዓለ ውጥረት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም፡ ምእንቲ ናይቲ ከባቢ ሰላም ከምዝጸለዩን፥

ምእንቲ ሰላም ኣብ ዞባ ካውካሶ እጽልይ! እቶም ናይቲ ውጥረት ቀንደይና ተዋሳእቲ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ብሓይልን በጽዋር ውግእን ዘይኮነ ብዘተን ምይይጥን መፍትሒ ከናይድዩሉ ጭቡጥ ናይ ሰናይ ፍቓድን ናይ ሕውነትን ወስታ ከርእዩን እላበው፥ ብሓባር ብጽሞና ምእንቲ ሰላም ኣብ ካውካሶ ንጸልይ!

ከምዝበሉ ራጎስታ ኣፍሊጠን።

ውጥረት ኣብ መንጐ ኣርመኒያን ኣዘርበጃንን

ኣብ መንጐ እተን ክልተ ነበር ክፍሊ ሶቪየት ሕብረት ዝነበራ ኣርመኒያን ኣዘርበጃንን ኣብ ተስዓታት ናይ ልዕሊ 30 ሺሕ ዜጋታት ሕይወት ዘኽፈለን ዋላ’ኳ እቲ ብጉጅለ ሚንስክ ዝፍለጥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፈረንሳን ሩሲያን መንጐይናነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ክብጻሕ ክኡል ኣይኹን ካብ 1994 ዓ.ም. ውግእ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተገይሩን ክሳብ ሎሚ ክኽበር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ዕለት 27 መስከረም 2020 ዓ.ም. ወጋሕታ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ውግእ ከምእተባርዔ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ይሕብራ።

ሰላምታ ር.ሊ.ጳ. ንስደተይናታትን ተመዛበልትን

ዕለት 27 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ቅዱስነቶም ዘኪሮም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብጠቕላላ ንመላእ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ስደተይናታትን ተመዛበልትን ልክዕ ከምቲ ንኢየሱስን ንስድራ ቤቱን ዘጋጠመ፥ “ከም ኢየሱስ ንኽስደዱ ዝተገዱ” ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡ ንኣኣቶምን ነቶም ዝኣልይዎምን ኵሎም እጽልይ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ራጎስታ ኣስዒበን፥

ንናይ መስሕብ ሰራሕተይናታት አበራትዕ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስሕብ፥ ምኽንያት ቅዱስነቶም ነዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ክፍሊ ዕዮ ከምዝኾነን፡ መስሕብ ንብዙሓ ሃገራት ናይ እቶት ማእከል ከምዝኾነ እውን እናሓሰቡ፥

ነቶም ኣብ መስሕብ ጉዳይ ዝዓዩ ኵሎም አበራትዕ፡ ብፍላይ ነተን ናይ መስሕብ ነኣሽቱ ትካላትን ኣብዚ መዳይ ንዝዓዩ መንእሰያትን ኣብዚ ህልው ጽንኵር ኩነት ቅልውላው ኤኮኖሚ ብፍሉዩ እዝክሮም ጸገሞም ብቑልጥፍ ክፍታሕ እምሕጸን!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብጹዕቲ ማሪያ ሉዊጃ ኣብነት ኣስተንትኖን ፍቕርን

ቅዱስነቶም ዕለት 26 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ናፖሊ ናይ ማሕበር ደናግል ኣስተንተንቲ ቅዱስ መስቀል መስራቲት እናቴ ማሪያ ቨሎቲ ደሓር ማሪያ ልዊጃ ዘቅዱስ ቁርባን ዝብል መጸውዕ ዝተውሃበን ብጽዕና ዝተኣወጀለን ዘኪሮም፥

ምእንቲ እታ ናይ ኣስተንትኖ ምስጢረ ቀራንዮን ናይ ዘይሕለል ፍቅሪ መስካሪትን ሓዳስ ብጽዕቲ ምኽንያት ንእግዚኣብሔር ምስጋና ነቕርብ!

ቢሎም ንዅሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ብፍላይ ንዅለን ደቀንስትዮን ነተን ጸረ ሕማም መንሽሮ ጡብ ዝቃለሳን ዝዓያን ሰላምታይ አቕርብ እግዚኣብሔር ንጻዕርታትን ኩሉ ይባርኽ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ራጐስታ ሓቢረን።

27 September 2020, 23:15