ኢየሱስ ካባና ዝሓቶ እምነት ሕይወት ዝልውጥ እምበር ንምስትምሳል ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 27 መስከረም 2020 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምሳሌ ክልተ ውሉድ እቲ ሓደ ሕራይ ቢሉ ዘይገበረ እቲ ሓደ ግን እምቢ ኢሉ ተጣዒሱ ዝተላእከ ዘዘንቱ ክፍሊ ብምንባሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ሕይወት ክርስትና ብምስትምሳል ዘይኮነ ብሓቂ ፍቃድ እግዚአብሔር ዝኽተሉሉን ንብጾቶም ብዘረባ ዘይኮነ ብግብሪ ዘፍቅሩሉን ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብ ትውልዲ ዓደይ ‘ኣብ ሕሱም ግዜ ፍሕሽው ገጽ ይሃሉኻ’ ይበሃል እሞ ሽሕ’ኳ ድብንብን ኢሉ ዝናም እውን እንተሎ ብፍሕሽው ገጽ ሠናይ መዓልቲ እምነየልኩም ቦንጆርኖ እብለኩም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር እንክሰብኽ ንምስትምሳል ዝግለጽ እምነት ኣብ ሕይወትን ናብራን ደቂ ሰባት ተግባር ንዘይብሉ ኣብቲ ዕለት ዕለት ዘጓንፎ ሠናይ ነገርን ክፍኣተ ግብርን ብሕልናን ብሓላፍነትን ዘይዋሳእ ኣይኮነን እንክብል ንምስትምሳል እትገብሮ እምነት ይቋወም። ነዚ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 21.28 ብምሳሌ ክልተ ውሉድ ይገልጾ። ኣብቲ ምሳሌ ኣቦ እዞም ውሉድ እዚኦም ነቲ ቀዳማይ ወዱ ንዓ ዝወደይ ናብ ኣታኽልቲ ወይንና ከድካ ሥራሕ ምስ በሎ ‘እምበለይ ኣይከይድን’ ይብል ዳርጋ ግርጭ ኢሉ እንተኾነ ብኡ ንብኡ ይጠዓስ እሞ ይኸይድ። እቲ ኣቦ ናብቲ ካልእ ውሉዱ ይኸይድ እሞ ሓውኻስ ዝኸይድ ኣይመስልን ንዓ ግዳ ንስኻ ተመረቅ ምስ በሎ ተቀላጢፉ ‘እሺ ሕራይ ኣቦዋየ’ ይብል እንተኾነ ተንከስ ኣይበለን ኣይከደን። ተኣዝዞኸስ ሕራይ ወይውን እምቢ ኣብ ምባል ዘይኮነ ወትሩ ብተግባር እዩ ዝግለጽ ናብቲ ዝተባሃልካዮ ሥራሕ ኣታኽልቲ ወይኒ ብግብሪ ብምኻድ እዚ ከኣ ብሠናይ ተግባር ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ክውን እንተዘይገበርካ እኣምን እየ ሓራይ እሺ ብምባል ብዘረባን ሠናይ ድላይን ዝፍጸም የለን። በዛ ገርሀይና ምሳሌ እዚኣ ገቢሩኸስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ንረኣዩለይ ስምዑለይ እትንበር ኣብ ሕይወትን ጠባይን ኣማኒ ሳዕቤን ዘይብሉ እምነት ኣምሰሉነት ማለት ብደገ ደገ ጥራይ ዝግለጽ ኣፍኣዊ ንሥርዓት ኢልካ ጥራይ ዝግበር ክንሰግሮ ይምሕጸን።

እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነቅፎ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዝግበር እምነት ሰብ ቤት ናይቲ ግዜ እቲ ‘ሊቃነ ካህናትን ዓበይቲ ሕዝብን’ ነበሩ፣ እዞም ሰባት እዚኦም ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሎ ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ብመጸባሓውያንን ዘመውትን ክቅደሙ እዮም። ስለዝኾነ ከኣ ‘ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝቅድሙኹምሲ መጽባሓውያን ማለት ሓጥኣንን ዘመውትን እዮም’ (ማቴ 21.31) እንክብል ብግልጺ ይነግሮም። እዚ መግለጺ እዚ ምናልባት ነቶም ትእዛዛት እግዚአብሔር ዘፍርሱ ብልቦም ከኣ ‘እቶም ንቤተክርስትያን ዝኸዱ እውን ካብና ዝሓስሙ እዮም’ ብማለት ነታ መንገዲ ሞራል እኳ ዘይክተሉ  ጽቡቅ ዝገብሩ ከይመስሎም ምጥንቃቅ የድሊ። ትምህርቲ ኢየሱስ ፈጺሙ ከምዙ ኣይኮነን። ኢየሱስ ንሓጢኣተኛታትን ዘመውትን ከም ኣብነት ሕይወት ኣይኮነን ዘቅርብ ዘሎ እንታይ ደኣ ካብቶም ደሓን ኣሎና ዝብሉ ንሶም ቀልጢፎም ብምጥዓሶምን ብምእማኖምን ብጸጋ እግዚአብሔር ክብሪ ክረኽቡ ዝኽእሉ እዮም ይብል። ነዛ ጸጋ ትብል ቃል ከስምረላ ምደለኹ ከመይ ለውጢ ልቢ ንስሓ ወትሩ ጸጋ ኣምላኽ እዩ። እግዚአብሔር ነዚ ጸጋ እዚ ንዝኾነ ልቡ ዝኸፍትን ናብኡ ብጥዑስ ልቢ ተንሲሑ ዝምለስን ምስ ለገሰ እይይ። ንኣብነት ንማቴዎስ ወንጌላዊ ንሕሰብ ንሱ በቶም ናይ ዘመኑ ምስ መጸባሓውያን ከሓድቲ ሃገር ከመይ ቀረጽ ንጸላኢ ብምእካቡ ሓጢኣተኛታት ዝቁጸር ነበረ ጐይታ ሰዓበኒ ምስ በሎ ግን ንኹሉ ገዲፉ ሰዓቦ መኣዲ ኣቅሪቡ እውን ካልኦት ከምኡ ዚኣመሰሉ መጸባሓውያንን ሓጥኣንን ናብ ኢየሱስ ንክምለሱ ምኽንያት ኮነ።

ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኣብነት ዝኸውን እቲ እምቢ ዝበለ ውሉድ እዩ ነዚ ከኣ ንኣቦኡ እምቢ ብምባሉ ዘይኮነ ተጣዒሱ ተናሲሑ ሕራይ እሺ ብምባሉ እዩ። እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍና ብትዕግሥቲ እዩ ዝጽበየና ኣይስልችዎን ኣይደክምን እምቢ ኢልና ካብኡ ክንርሕቅ ሓጢኣት ክንገብር ክሳብ ንምለሶ ብትዕግሥቲ ይጽበየና። ብዛዕባ ትዕግሥቲ እግዚአብሔር ምሕሳብ ብሓቂ ዘደንቅ እዩ! ሕስብ እሞ ኣብልዎ ወትሩ ብትዕግሥቲ ምስ ተጸበየና እዩ ንክሕግዘና ወትሩ ኣብ ጐድንና ምስ ኮነ እዩ እንተኾነ ሓራ ገሩ ስለዝፈጠረና ንናጽነትና ብምሕላው ክሳብ ረዲና ፈቲና ብፍቃድና ናብኡ እንምለስ ብትዕግሥቲ ይጽበየና። ከም ብሓዲስ ኣእዳው ዘርጊሑ ኣብ ሕቊፉ ንኽቅበለናን በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ንክመልኣናን ነታ ናትና እሺ ሕራይ ምባል ብሃንቀውታ ይጽበ። ኣብ እግዚአብሔር ዘሎና እምነት ወትሩ ካብ ክፍኣተ ግብሪ ንሠናይ ነገር ካብ ሓሶት ንሓቂ ካብ ንኣይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ፍቅሪ ብጻይ ምርጫና ክኸውን ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ክነሐድሶ ትዕድመና። ኣብዛ ምርጫ እዚኣ ዝጠብቅ ብሓለንጊ ሓጢኣት ሓንሳእ ምስ ተገርፈ እሞ ብጣዕሳ ምስ ተመልሰ ኣብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ቀድማይ ቦታ ክረክብ እዩ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦና ካብቶም ንጹሓት ዝኾኑ ተስዓን ትሽዓተን ናይ ሓደ ሓጢኣተኛ ንስሓ ዝዓበየ ሓጐስ ስለዝፈጥረሉ እዩ (ሉቃ 15,7)።

እንተኾነ እዚ ንልቢ ዝልውጥ ንስሓ እዚ ሓደ ጒዕዞ ካብ ሞራላዊ ውድቀታት ዘንጽሕ ጒዕዞ ሕይወት ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ሓንሳእ ሓንሳእ ሥቃይ ዝመልኦ ጒዕዞ እዩ ከመይ መንግዲ ቅድስና ገለ ከይመነንካን ብዘይ መንፈሳዊ ውግእን ኣይትርከብን እያ። ንሠናይ ነገር ምቅላስ ናብ ፈተና ከይትኣቱ ምግዳል ናብታ ብሰላምን ብታሕጓስን እትነብረላ ሕይወት ብፅዕና ንክትበጽሕ ክግበር ዘለዎ ቃልሲ እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌልከስ ንሕይወት ክርስትናና ከምዝግባእ ክነብሮ ብሕልምታትን ሠናይ ሃረርታን ዝተሠነየት ዘይኮነ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንፍቃድ እግዚአብሔርን ንፍቅሪ ኣሕዋትን ልብና ክንከፍት ይዕድመና። እዚ ይትረፍ እዚ ዓቢ ነገር ንእሽቶ ነገር እውን ትኹን ብዘይ ጸጋ እግዚአብሔር ክንገብር ኣይንኽእልን። ለውጢ ልቢ ንስሓ ጣዕሳ ወትሩ ካብ እግዚአብሔር ክንልምኖ ዘሎና ጸጋ እዩ። ጐይታየ ንክመሓየሽ ጸጋኻ ሃበኒ ሕያዋይ ክርስትያን ንክኸውን ሓግዘኒ ጸጋኻ ሃበኒ ቢልና ንለምኖ።

ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ተኣዘዝቲ ክንከውን ትሓግዘና። ነታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘተስፈወና ሕይወትና ድሕነትን ንክንረክብ ንትሪ ልባትና ዘረስርስ ናብ ንስሓን ጣዕሳን ዘሰናዱ መንፈስ ቅዱስ እዩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
28 September 2020, 10:46