በዓለ ስፖርት ኣብ ሮማ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ በዓለ ስፖርት ኣብ ሮማ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ 

በዓለ ስፖርት ኣብ ሮማ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ

ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ መልኮር ሳንቸዝ ዳ ቶካ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ኣትለታውያን ናይ ስፖርት ማሕበራትን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ዝለገስዎ

“ገዛእ ርእስኻ ምስታፍ፡ ፍካሬ ዛዕባ ስፖርት” ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስፖርትን ስፖርተይናታትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮን ምዕዳንን ብሓፈሻኡ ናይ ቅዱስነቶም ፍካሬ ዛዕባ ስፖርት ብሓባር ዝጠርነፈት ሉቾ ኮኮ ምስ ናይ ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስፖርት ብምትሕብባርን ነበር ፍሉጥ ተጻዋታይ ናይ ሮማ ጋንታ እግሪ ኩዑሶን ነበር ናይ መኪና ውድድር ስፖርተይና ኣለክስ ዛናርዲን ማራቶናዊት ተግላ ሎሮፑአን ኣስተዋጽኦ ዝገበሩሉ ዝደረስዋ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቐዔት ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ መጽሓፍ ኣብቲ ታሪኻዊ ናይ ጥንታዊ ክፍለ ከተማ ሮማ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ፍሉጥ ናይ ስፖርት ስፍራን ተባሂሉ ኣብ ዝንገረሉ ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻን መግብን ሓልዮ ውድብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፊት ኣብ ዝርከብ ኣብ ተርመ ዲ ካራካላት ጥንትዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ዕለት 7 መስከረም 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔት ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፥

ዳግም ንምብጋስ

ነታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ መልኮር ሳንቸዝ ዳ ቶካ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ኣትለታውያን ናይ ስፖርት ማሕበራትን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ዝለገስዎ ቃልን ዝሃብዎ ምዕዳንን ኣስተምህሮን ዝጠርነፈ መጽሓፍ ከምዝኾነን፡ ንናይ ስፖርት ዓለም መረሓ ጐደናን እቲ ናይ ስፖርቲ ጥልቅን መሰረታዊ ክብርታቱን እንታይ ምዃኑን ዘመላኸትዎ ሓሳብን ዘቕርብን ዝትንትንን መጽሓፍ እዩ። ብፍላይ ንመንእሰያትን ንሕብረተሰብን ኣብ ኵለንተናዊ ማሕበረሰብነትን ሓቋፍነትን ዝሓንጽን ስፖርት ንናይ ኵለንተናዊ ዕብየትን ደገፍን ንኹሉ ዝሓቁፍን ክኸውን ከምዘለዎ ዝሕብርን ዘብርህን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ግደ ውሩያት ነበር ስፖርተይናታት

እታ ብሉቾ ኮኮ ዝተሰናደወት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ስፖርት ኣምር እተመላኽትን እተብርህን መጽሓፍ ውሩይ ኢጣሊያዊ ናይ ሮማ እግሪ ኵዑሶ ጋንታን ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ናይ እግሪ ኵዑሶ ጋንታ ነበር ተጻዋቲ ፍራንቸስኮ ቶቲን ማራቶናዊት ተግላ ሎሩፐን ዛዕባ ስፖርት ብዘቕረብዎ ሓሳብን ናይ መኪና ቅድድም ነበር ስፖርተይና ኣለክስ ዛናርዲን ቅድሚ ቁርቡ መዓልታት ብሓደጋ ማኪና ክቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ኣብ ሆስፖታል ቅድሚ ምእታዎም ዘቕረብዎ ጽሑፍን እተጠቓልል መጽሓፍ ከምዝኾነት ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም በዓልቲ ቤት ዛናርዲ ዳኒኤላ እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ተሳቲፈን በዓል ቤተን ብዘጋጠሞ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ ህክምና እውን ይሃለው “ዛናርዲ ብምሉእ ልቡ እዩ ዝተሳተፈ” ከምዝበላ ኣፍሊጦም።

ስፖርት ናይ ሰብኣዊ ርእሰ ማል እዩ ዘማዕብል

ናይ ኢጣሊያ ናይ ግዱዓት ኦሎምፒክ ስፖርተይናታት ድርገት ኣቦ መንበር ሉካ ፓንካሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ክብሪ ስፖርት ዝገልጽዎ ሓሳብ ኣብ ጽንኩር እዋን ሕይወቶም ዝነበርዎን ዝተሞከርዎን ከምዝኾነን ሓቢሮም ስፖርት ዓመታዊ እቶት ክብ ዘብል ጥራሕ ዘይኮነ ካብኡ ንላልዕሊ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ርእሰ ማል ዘማዕብል እዩ ቢሎም፥ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስፖርት ዝብልዎ ጥራሕ ዘይኮነ ዝበልዎን ዝምዕድዎን ነቶም ብትሕትና ዝዓዩ ዝባርኽ እውን እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ብሔራዊ ናይ ኢጣሊያ ኦሎምፒክ ድርገት ኣቦ መንበር፥ ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ቀረባና

ቤተ ክርስቲያን ስፖርት የድልያ ስፖርት ከኣ ቤተ ክርስቲያን ተድልዮ፥ ነዚ ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ሳንቸዝ ዳ ቶካ ኣስዒቦም፥ እዚ  እውን ናብ ናይ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ ከምዝበሉን ብሔራዊ ናይ ኢጣሊያ ኦሎምፒክ ስፖርት ድርገት ኣቦ መንበር ጆቫኒ ማላጎ እውን ብወገኖም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ንስፖርተይናታትን ንስፖርት ዓለም ቀረባ እዮም። ቅርበቶም ይስምዓናን ስፖርት ናይ እምነትን ሃይማኖትን ክብርታት የድልዮ ከምዝበሉ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስፖርት ኣገባብ ሓቋፍነት እዩ

እታ ገዛእ ርእስኻ ኣሳትፍ ዘራስታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቫቲካን ዝተመስረተ ናይ ቫቲካን ኦሎምፒካዊ ስፖርት ኣባላት ከምእተረኽቡን ብጹዕ ኣቡነ ሳንቸስ ዳ ቶካ ምስ ዜን ኣቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ቫቲካን ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ዝቆመ ንኽጐዪ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ስፖርት ኣገባብ ሓቛፍነት ዝብል ምዃኑ ንምምስካርን ንምንባርን እዩ፥ ኣብዚ ናይ ቫቲካን ኦሎምፒክ ስፖርት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝሃብዎ መርሕ ሓሳብ መሰረት ግዱዓትን ዘይግዱዓትን ስደተይናታትን ዝሓቁፍ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም ስፖርት ሓቛፊ እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ራቪያርት ይሕብሩ።

ስፖርት ኣገባብ ሓቋፍነት እዩ
08 September 2020, 15:39