ር.ሊ.ጳ ሓገዝ ይልእኹ! ር.ሊ.ጳ ሓገዝ ይልእኹ! 

ሓገዝ ር.ሊ.ጳ ነታ ብለበዳ ኮቪድ ብዙሕ ዝተጠቅዔት ሃገረ ብራዚል!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሃገረ ብራዚል ንምሕጋዝ ኣብዘን ዕለታት እዚኣን 18 ንምስትንፋስ ዝሕግዛ ከምኡ እውን ተንቀሳቃሲ ናይ ልቢ ኩነታት ዝስእል ኤኮግራፊ ዝገብራ 6 ተንቀሳቀስቲ መጋበሪታት ክልእኹ እዮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ር.ሊ.ጳ ክፍሊ መባእን ረድኤትን ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራጀውስኪ ከም ዘመልከትዎ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ደጋጊሞም ዝምሕጸንዎ ንጽጉማት ናይ ምርዳእ ጻውዒትን ብግብሪ ዝልእዅዎ ሓገዛት ንጽጉማት ወገናትን ብምቅጻል ነታ ኣብዚ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ብመልከፍትን ሞትን ዳርጋ ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ንዘላ ሃገረ ብራዚል ንምሕጋዝ ኣብዘን ዕለታት እዚኣን 18 ንምስትንፋስ ዝሕግዛ ከምኡ እውን ተንቀሳቃሲ ናይ ልቢ ኩነታት ዝስእል ኤኮግራፊ ዝገብራ 6 ተንቀሳቀስቲ መጋበሪታት ምስ ሆፕ ኦንሉስ ወይውን ተስፋ ገባሬ ሠናይ ማሕበር ተደጋጊፎም ነቲ ዝተለገሠ ናውቲ ሕክምና ኣብቲ ቦታ ክገጥምዎ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ነዚ ረድኤት እዚ ኣብቲ ቦታ ኰይኖም ዘተሓባብሩ ሓዋርያዊ እንደራሴ ቅዱስነቶም እንክኾኑ ኣብቲ ዝደኸየ ክፍልታት ከምዝፍጸም እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

18 August 2020, 11:12