ር.ሊ.ጳ.፥ ቃል ኣምላኽ እዩ ሓራ ዘውጽእ

ብጸጋ እምላኽ እቲ ልሙዕን ጽቡቕን መሬት ክንከውን እንደልይ እንተድኣ ኮይንና እቲ ቃል ከፍርይ እዩ፡ . . .

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእ ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል፥ ካብ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 1-23 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኩይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ “ንኣናን ነሕዋትናን ሰናይ ፍረ ዘቕርቡ ንኽንከውን ናይ ጐይታ ቃል ኣብ ምእንጋድ ካብ እሾኽን ዓረን ናጻ ምዃን የድሊ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስው ኣስተንትኖ ኣስዒቦም

ቃል ኣምላኽ ብዘርኢ ይምሰል፡ ርቒቕን ዘይረአይን ኣይኮነ፡ ባዕሉ ክርስቶስ ቃል ኣብ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ዝተጸንሰ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ቃል ኣምላኽ ምእንጋድ ማለት ኢየሱስ ምእንጋድ ማለት እዩ!

ኣቃልቦ ምዝንባል እምነት ይሃስይ

እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ቃል ኣምላኽ ንምእንጋድ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዘለዉ ከመላኽቱ እንከለዉ፥

ልክዕ ከምቲ ወሰናስን መገዲ ምዃንን ኣብኡ ዝወድቕ ዘርኢ በዕዋፍ ዝብላዕን፡ እዚ ኸኣ ኣቃልቦ ምዝንባል ማለት እዩ፡ ናይ እዋንና ዓቢይ ሓደጋ ኣልቦ ኣቃልቦ ምዃን እዩ፡ ብዝተፈላለዩ ብበለካን ለኸዓካን ማእለያ ብዘይብሎም ህልዮታትን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣባይትና ዝተኸበብናን በዚ ምኽንያት እውን ምስ ጐይታ እንራኸብሉ ጽሞናን ኣስተንትኖን ካብኡ ሓሊፉ እውን እምነት ክሳብ ምስኣንን ቃል ኣምላኽ ንዘይምእንጋድን ኩነት ተቓሊዕና ንርከብ፡ ኩላትና ብዓውሎማውነት ኣቃልቦና ዘዘንበልና ኮይንና ኣሎና፡

ገሊኡ ዘርኢ ብዙሕ ሐመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒወደቐ

ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ከውሒ ብዝወድቕ ዓይነት ኣገባብ ክነአንግድ ንኽእል፥

ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሐመድ ኣብ ዜይብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቝ ሐመድ ስለ ዜይብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። ጸሐይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ። እዚ ነቶም ቃል ኣምላኽ ብውዕዉዕ ስምዒት ንግዚኡ ዝቕበሉን እሞ ኣብ ላዕሊ ላዕሊ ዝተርፍ እዚ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዘይኾምስዕን ዘየውስጥን ብምዃኑ ድማ ብቕጽበት ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ንኣብነት ስቓይን ናይ ሕይወት ነውጽን ምስ ዘጋጥም ልክዕ ከምቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነት ዝርከብ እምነት ይቕህም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከውሒ ዝወድቕ ዘርኢ!

ቃል ኣምላኽ ኣብ ምእንጋድ ከምቲ ኣሿኽ መሬት ናይ ምዃን ስግኣት

ኣስዒቦም ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣሿክ መሬት ምእንጋድ እንታይ ማለት ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፥

እቲ እሿኽ ልክዕ ከምቲ ዘታልል ሃብትን ዲልን ናይዚ ዓለምን ዓለማዊ ተርባጽን እዩ . . . ኣብ ከምዚ ዓይነት መሬት ዝወድቕ ዘርኢ ቀልጢፉ ይበቁል እሞ ደሓር ግና በቲ እሾኽ ስለ ዝሕነቕ ዘየፍርይ ኮይኑ ይተርፍ፡

ልሙዕን ጽቡቕን ምድሪ

ቢሎም ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ቃል ኣምላኽ ከምቲ ልሙዕን ጽቡቕን መሬት ከነእንግድ ዝከኣል ከምዝኾነ እንከመላኽቱ፥

ኣብቲ ጽቡቕ መሬት ዝወድቕ ዘርኢ ፍረ ዘፍርይ እዩ፡ እዚ ምስላ እዚ ከኣ እቶም ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዘአንግዱን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ኣብ ግብሪ ዘውዕሉን ዘመላኽት እዩ፡

እንታይ ዓይነት መሬት እየ?

ዝተፈላለየ ዓይነት ደረጃ ምእንጋድ ቃል ኣምላክ ከምዘሎ ምስ ኣብርሁ፥

ብጸጋ እምላኽ እቲ ልሙዕን ጽቡቕን መሬት ክንከውን እንደልይ እንተድኣ ኮይንና እቲ ቃል ከፍርይ እዩ፡ . . . ብዙሕ እዋን ብዝተፈላለዩ ሃላኽ ናይዚ ዓለም ዝተኸበብና ምስ እንኸው ኣቃልቦና ነጥፍእን እቲ እንኮ ናጻ ዘውጽእ ቃል ኣምላኽ ምስ ካልኦት ዝበጽሑና ቃላት ነደናግሮ፡ እንታይ ዓይነት መሬት ኢና ክንከውን እንደልይ?

ከምቲ ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ሓደራ ዝብልዎ፡ ንእሽተይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጅባና ክህለወና ተላብዮም፥

ቃል ኣምላኽ ምንባብ መታን ክንለማመድ ኣብ ጅባ ክንሕዞ እንእኽል ንእሽተይ ወንጌል ወትሩ ሓደራ ይሃልወና፥ ዘርኢ ኣምላኽ ከነለልይ መታን! ብኸመይ ዝበለ ዓይነት መሬት ቃል ኣምላኽ እነአንግድ ምዃንና ንኸስተውዕል መታን፡

ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብሓባር መሪሖም ከምዝድገሙ ሎሞናኮ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ቃል ኣምላኽ እዩ ሓራ ዘውጽእ
13 July 2020, 16:23