2020.03.11 ር.ሊ.ጳ ምስ ምስሊ ቅድስት ድንግል ማርያም 2020.03.11 ር.ሊ.ጳ ምስ ምስሊ ቅድስት ድንግል ማርያም 

ስለ እታ ብለበዳ ኮቪድ 19 ተጠቂዓ ዘላ ሃገረ ብራዚል እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ

ዓለም ብዓለሙ በዚ ንሕስያ ዘይብሉ ለበዳ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ወጥሪ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ገሊኡ ሃገራት ብድኽነትን ድሕረት ምዕባሌን እቲ ለብዒ ሓንሳብ ምስ ኣተወ ዘስዕቦ ጒድኣት ፍልይ ኣቢልካ ንምርኣይ ሰልዝቅስብ ኣብዚ ቅንያት እዚ ሃገር ብራዚል ብዙሕ ጉድኣት ከምዝወረዳ ብምምልካቱ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ መላእ ዓለም እኳ ኣብ ጸሎት እንተለው ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነዛ ሰፋሕ ሃገር እዚኣ ንዘጋጠመ ቅርበቶም ንምግላጽ ተለፎን ኣልዒሎም ናብ ናይ ኣፓራሲዳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦርላንዶ ብራንደስ ብምድዋል ኣጆኹም ወትሩ ኣብ ጸሎተይ ኢኹም ኣብዚ ከቢድ ግዜ ናብ እኖና ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ክምሕጸኑ ንምእመናን ብራዚል ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ሃገረ ብራዚል ካብተን ሰፋሕቲ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ሓንቲ ኣብ ርእሲ ምዃና ብብዝሒ ካቶሊካውያን እውን ዝለዓለ ሚእታዊት ዘለዋ እያ፣ ኣብ ደቡባ ኣመሪካ ኣብ ዝግበር ብዙሕ ኣህጉራዊ ረኪበ ጳጳሳት ጉባኤታት እውን ብዙሕ ግደ ዘበርከተት እንክትከውን ብጉባኤ ኣፓረሲዳን ለበዋታት ኣፓረሲዳን ዝዝከሩ ብዙሕ ሰነዳት ኣብ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ካብ ዝጥቀሱ እዮም። እዛ ካብ 1717 ዓም ጀሚራ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ናይ ብራዚል ሃገራዊ መካነ ንግደት ዝኾነት ባዚሊካ ድንግል ማርያም ማርያም ዘኣፓረሲዳ ከም ማእከል ጸሎት ብዙሕ ተኣምራታትን ታሪኽን ኣለዋ። ቅዱስነቶም እውን ኣብዚ ሕሱም ግዜ እንትርፊ ናብኣ ምምሕጻን ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ስለ ሕዝቢ ብራዚል ናብኣ ወግሔ ጸብሔ ከምዝምሕጸኑ እግዚአብሔር መዋጽኦ ክፈጥረሎም ከምዝጽልዩን ንሊቀ ጳጳሳት ኣፓረሲዳ ብስልኪ ኣብ ርእሲ ምርግጋጾም ኩሎም ብራዚላውያን ናብዛ ገባሪት ተኣምር ዝኾነት ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ክምህለሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ሕቊፉ እኖና ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኣማሕጽነኩም!

ቅዱስነቶም ሰላምታን ሰናይ ትምኒትን ንሊቀጳጳሳትን ንሕዝብን ኣብ ዝገለጹሉ ናይ ተለፎን ዝርርብ 'ንመላእ ሕዝቢ ብራዚል ስለኦም ምጽላይ ጥራይ ዘይኮነ ብምሉእ ልበይ ኩሉ ግዜ ብጸሎት ምሳኦም ኰይነ ከምዘሰንዮም ንገሩለይ` እንክብሉ ልቦም ዘረስርስን ኣባታዊ ቅርበትን ዝገልጽ ጻውዒት ተለፎን ከምዝተቀበሉ ኣብ ድሮ በዓለ ጥቀ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ብራንደስ ብፍሉይ ስምዒት ነዚ ኣጋጣሚ 'ዓቢ ውህበት ተቀቢልና` ብማለት ቃለ መሕትት ሂቦም። ቅዱነቶም ምስ ሃገረ ብራዚል ምናዳ ምስ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ዘሎዎም ምትእስሳር ንምግላጽ `ካብ 2016 ዓም ኣትሒዙ ምስሊ ናይዛ ድንግል ማርያም ኣብ ውሽጢ ኣታኽልቲ ቫቲካን ኣሎ ቅዱስነቶም ከኣ ፍሉይ መንፈሳውነት ኣለዎም' እንክብሉ ኣብ መንጎ ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳን ቅዱስነቶምን ዘለዎ ዝምድና ምስ ገለጹ ኣብቲ ዝገበርዎ ሓጺር ዝርርብ ተለፎን ቅዱስነቶም ኣብ ታሪኽ ድሕሪት ምልስ ኢሎም `ብ2007 ዓም ኣብ ሓፈሻዊ ረኪበ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ክሳተፉ ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ ምስ ኮነ ብ2013 ዓም ኣብ ርዮ ደ ጃነሮ ዝተገብረ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ከኽብሩ ኣብ ዝመጹሉ ናብዚ መካነ ንግደት ከይዶም ዝገበርዎ እንከዘንትው 'ንምስሊ እኖና ድንግል ማርያም ከም ኣደ ኣብ ሕቁፈይ ወሲደ ዝጸለዅዎን ዝፈጸምኩዎ ዑደትን እዝክር ሎሚ እውን ንኩሉኹም ኣብ ሕቁፉ እኖና ድንግል ማርያም ዘኣፓረሲዳ ኣማዕቊበኩም` እንክብሉ ዓቢ ምጽንናዕን ተስፋን ዝህብ መልእኽቶም ለጊሶምለይ' ኢሎም።

ምትብባዕን ተስፋን!

ቅዱስነቶምን ሊቀ ጳጳሳት ኣፓረሲዳን ኣብ መወዳእታ ዝርርብ ተለፎኖም ንዝዘከርዎ እንክገልጹ ብፁዕነቶም `ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብ2014 ዓም ቅድስናኡ ዝተኣወጀ ኢየሱሳዊ ቅዱስ ጁሰፐ ኣንክየታ ዝኽሩ ከኣ ዕለት 9 ሰነ ዝግበር ዘኪሮም እውን ኣጆኹም ትብዓትን እምነትን ይሃሉኹም ወትሩ ናይ እምነት ሰባት ኩኑ ሓዋርያዊ ቡርኬ እህበኩም ስለ ኣገልግሎተይ ጸልዩ` እንክብሉ ዝርርቦም ከምፈጸሙ ገሊጾም። ከምዝዝከር ቅዱስነቶም በብዝግዜኡ ንዝተፈላለዩ ሰበኸታት ናብ ኣቡናቶም ብምድዋል ብኣካል ከምዝዋስኡን ዝሓለፈ ዕለት ዕለት 25 ሚያዝያ ንሊቀ ጳጳሳት ማናውስ ብፁዕ ኣቡነ ለዮናርዶ እሽታይነር ከምኡ እውን ዕለት 9 ግንቦት ንሊቀ ጳጳስ ሳን ፓውሎ ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሸረር ዝደወልዎ ምስ እዛ ናይ ትማሊ ሳልሰይቲ ጻውዒት ተለፎን ከም ኣቦ ከምዝሰንዩ ልባዊ ቅርበቶም ከምዝገልጽ እውን ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 June 2020, 15:16