ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብቲ ንኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዝቦኽረሉ ንመንእሰያት መጻኢ ኣይህሉን ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብቲ ንኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዝቦኽረሉ ንመንእሰያት መጻኢ ኣይህሉን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብቲ ንኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዝቦኽረሉ ንመንእሰያት መጻኢ ኣይህሉን

ምዕድን፥ “ኣረጋውያን ዋላ’ኳ ናይ ዕድመ ምድፋእን ከበድን ዘለዎም ይኹን ንሓደ ኣብ ዕሴት ሃብታም ዝኾነ ሕብረተሰብን ንናይ ሕይወት ባህሊ ምጽናዕን ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም እያቶም፥ ከምቲ ብቐጻሊ ፍሬኡ ዝህብ ኦም”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሰነ 2020 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝፍጸም ዓመጽ ተወጊዱ ክብሮምን ተኣፋፍነቶም ዝግብኦ ክብሪ ክወሃቦ ንቑሕ ግንዛቤ ክህሉ ኣሚቱ በቢ ዓመቱ ዝዝከር መዓልቲ ጸረ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ግምት ብምሃብ ኣብቲ ንኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዝቦኽርሉ ንመንእሰያት መጻኢ ኣይህሉን ዝብል መልእኽቲ ከምዝፍፈነዉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ኮቪድ-19 ሕብረተሰብና ንኣረጋውያን ክብሮምን ተኣፋፍነቶምን ዝኽበረሉ ብቑዕን ግቡእን ቦታ ንምሃብ ዘይተሰናደወ ከምዝኾነ ኣቃሊዑ እዩ፡ ኣብቲ ንኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዘይብሉ ንመንእሰስያት መጻኢ ኣይህልውን” ዝብል መልእኽቲ ቅዱስነቶም ከምዘመሓላለፉን፡ ምክንኻን ንኣረጋውያንን ናይ መንእሰያትን መጻኢ ዘለዎ ጥልቂ ምትእስሳር የዘኻኽሩ፡ ኵሉ ከምዝዝክሮ ቅዱስነቶም ወትሩ ንኣረጋውያን ዘለዎም ሓልዮትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣብ ዓለም ሃብቲ እምበር ክሕረጉ ዝግብኦም ንማሕበራዊ ሕይወትን ንኤኮኖምን ከበድ ከምዘይኮኑ የዘኻኽሩን የተሓሳስቡን።

ቅዱስነቶም ንናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ኣረጋውያን ጡረተይናታት ማሕበር ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕድን፥ “ኣረጋውያን ዋላ’ኳ ናይ ዕድመ ምድፋእን ከበድን ዘለዎም ይኹን ንሓደ ኣብ ዕሴት ሃብታም ዝኾነ ሕብረተሰብን ንናይ ሕይወት ባህሊ ምጽናዕን ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎም እያቶም፥ ከምቲ ብቐጻሊ ፍሬኡ ዝህብ ኦም” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ይዝከር።

ዘተ ኣብ መንጐ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ምስ ደቂ ደቃቶም

ኣብ መንጐ ትውልዲ ርክብን ኣብ መንጐ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ምስ ደቂ ደቃቶምን ዘተን ክህሉ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ለበዋ እዩ፡ ንናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበር ጡረተይናታት ኣብ 2019 ዓ.ም. ተቀቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን “መጻኢ ኣብ ዘተ ኣብ መንጐ መንእሰያትን ኣረጋውያንን እዩ” ከምዝበሉን ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ 2019 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመኸረ ቀዳማይ ዓውደ ጉባኤ፡  ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዕሸላትን መንእሰያትን ኣብ ሕንጸት እምነት መራኽቦ እያቶም። ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምዕዳወ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተስብ ክሕቖፉን ግምት ክወሃቦም ይግብኦም እምበር ፍጻሜን ዘጓንፉን ኣጋጣምታት ኣይኮኑን ናይቲ እሙን ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ሓለፋ ዝኾኑ መሰኻኽር ብምዃኖም ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋስእያን ክኾኑ ይኽእሉ ከምዝበሉ ዘጋቢት ዜና ቫቲካን ማሪና ታማሮ የዘኻኽራ።

ኣረጋውያን ኣብ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ብዙሕ ግዜ ንዝተፈላለየ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ኤኮኖሚያውን ዓመጽ ዝቃልዑ 703 ሚሊዮን ኣረጋውያን ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚዮም ዝተጠቕዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን እያቶም፡ ኣብ ኢጣሊያ ካብ ጠቕላላ ብኾሮና ተህዋስ ናይ ሞት ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም እቶም 85 ሚእታዊ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ከምዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘዕረገዎ ስብከት ንኣረጋውያንን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ከምዝጸለዩን . . . ጥበብን ሕይወትን ታሪኽን ዓደሉና ንሕና እውን ብጸሎትና ቀረባኦም ንኹን . . . ከምዝበሉ ታማሮ የዘኻኽራ።

ኣገዳሲ ህላዌ ወለንተይናታት

ብዙሕ እዋን ናይቶም ኣረጋውያንን ብሕትውናን ተነጽሎን ተዓጽዮም ኣብ ገዛ ንኽነብሩ ንዝተገዱን ዝኣልዩን ቀረባኦም ዝኾኑ ወለንተይናታት ዘቕርብዎ ድጋፍ ዝነኣድ ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሓት ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕብራት ንሓልዮ ኣረጋውያን ዝነብርኦ ተመክሮ እዩ፡ ዜጋታት ኣብ እርጋኖም ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ምሕዳጎም መፍትሒ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ርእሰ ብቕዓት ዘለዎም ገና ዘይደኸሙ ኣቡኡ ምጥንጣኖም ዘተሓሳስብ እዩ፡ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ዘይተገዳስነት ባህሊ ጭካኔ እዩ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብቲ ንኣረጋውያን ክንክን ኣብ ዝቦኽረሉ ንመንእሰያት መጻኢ ኣይህሉን

 

16 June 2020, 16:04