ፍራንቸስኮ፥ ለብዒ ኮሮና ተህዋስ ንምብዳህ ዓለም ሓቆፋዊ ምትሕብባር የተባብዑ

ወርሒ ግንቦት ብልጫ ዘለዎ ወርሃ ማርያም እዩ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ማርያማዊ መቕደሳት ንግደት ዝፈመሉ ወርሒ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብዘሎ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ምጉዓዝ ዘይከኣል ብምዃኑ፡ ቅዱስነቶም ናብተን ቅዱሳት ስፍራ ኩሉ ብመንፈስ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጸም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለቱ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣዛዝኻኺሮም፡ ነቶም ብኮቪድ - 19 ተህዋስ ዝተጠቕዑን ንኣኣቶም ኣብ ምእላይን ሕክምና ኣብ ምቕራብ ንዝርከቡን ዘኪሮምን ዓለም ሓቆፍ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት እግዚኣብሔር ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ኮረና ተህዋስ ንኽስገር መታን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኵለን ሃይማኖታት ኣሳቲፉ ክካየድ እንክብል ዘቕረቦ ሓሳብ ደጊፎም ከምእተቐበልዎን ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ጸሎትን ብጸሎትን ነፍሲ ወከፍና ኣብ ጐደና ጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን . . .  ይጓዓዝ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዘዕረግዎ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዝበልዎ ኮይኑ “ህላዌ ክርስቲያን - ይብሉ - ኵለንተናኡን ወትሩን ኣብ ዝኾነ ይዅን ሃለዋት ንናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ መልሲ እዩ”፡ ሎሚ (ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም.) ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸዋዕታ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብ ግራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ስራሕ ስለ ዘሎ፡ እዚ ግራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝጠልቦን ዘድልዮን እግዚኣብሔር ዝዓዩ መታን ክልእኽ ጸሎት ንእግዚኣብሔር ምቕራብ ዝብል ከምዝኾነ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ጽንዓትን ትብዓትን ይጠልብ፡ ብዘይ ጸሎት ኣብዚ ጸዋዕታ’ዚ ንቕድሚት ምባል ዘይከኣል እዩ፡ ኩሉ ንጐይታ ኣብ መንግስቲ ኣምላክ ዝዓዩ ሕያዎት ብልባቶምን ኣእዳዎምን ንፍቕሩ ስንድዋት ዝኾኑ ሰራሕተይናታት ክልእኽ ንለምኖ፡

ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ክንክን ጥዕና ንዅሉን

ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ብዛዕባ ህሙማንን ድኻታትን ዝተነጸሉን ኣብ ምግልጋል ስንድዋት ንኽንከውን ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት፡ ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ 19 ነቶም በዚ ተህዋስ ንዝተለኽፉ ዝኣልዩን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዘቕርቡን እናሓሰቡ፥ “ስነ ምርምራዊ ብቕዓት ብግልጽን ብኣልቦ ውልቃዊ ረብሓን ነቲ ተኽሲቱ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ንምብዳህ ምጥርናፍን ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ምውዓል ከምዘድሊ እክሕብሩ፥

ብዝተፈላለዩ ተበግሶታት ነቲ እንነብሮ ዘሎና ጽንኩር ቅልውላው ንምድራት ብቑዕ መልሲ ኣብ ምሃብ ዝፍጸም ዘሎ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ክድግፍን ከተባብዕን እደልይ፡ ስለዚ ስነ ምርምራዊ ብቕዓት ብግልጽን ብዘይ ውልቃዊ ረብሓ ክትባት ንምዳልይን ብቑዕ ዝኾነ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ንምፍዋስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምውሃድ ከምዘድልን ናይቲ ዝርከብ ብቑዕ ኣገባብ ክንክን ጥዕና ዕደ ጥበብ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም በቲ ለብዒ ዝጥቓዕ ኵሉ ብቑዕ ክንክን ጥዕና ክረክብ መታን ኵላዊ ተበጻሒ ክኸውን እምነይ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓለም ለኻዊ ሕውነታዊ ሽማግለ ዘቕረቦ ጻውዕቲ ይድግፉ

“ጸሎት ኵላዊ ዕሴት እዩ” ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ላዕለዋይ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕውነት ሽማግለ ዕለት 14 ግንቦት ናይ ኩለን ሃይማኖታት ምእመናንን ሰዓብትን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሰብኣዊ ፍጥረት ንኽሰግሮ መታን ብጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ብሓባር ንእግዚኣብሔር ክምህለል ዘቕረቦ ጻውዒት ከምዝድግፉ ብወግዒ ከምዝገለጹ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ንሕጻናት ኣባላት ማሕበር መተር ፍራንቸስኮ ምስጋናኦም የቕርቡ

እቲ ዓለም ሓቆፍ መተር እተሰምየ ማሕበር ዘነቓቕሖ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዓመጽን ምዝመዛን ዘይተገዳስነትን ኣደዳ ዝኾኑ ሕጻናት ዝዝከርሉ ዕለት ምኽንያት ቅዱስነቶም ነቲ ብኣባ ዲ ኖቶ ዝተመሰረተ ማሕበር መተር ኣባላት ሕጻናት ምስጋናኦም ከቕርቡ እንከለዉ፥

ሓለፍትን ኩሎም ኣብቲ ሕጻናት ኣብ ምክልኻል ዝዓዩን፡ ኵሉ ቀዲምካ ኣብ ምክልኻል ጻዕሪ ኣብ ጐድኒ ምስ ዝተፈላለያ ናይ ሕንጸት ማሕበራት ብምትሕብባር ዘሳልጥዎ ዕዮን ዝፍጽምዎ ሕልና ናይ ምንቕቓሕ ተግባር አበራትዕ፡ ስለ እቲ ዝለኣኹለይ ብኢዶም ዝሰኣልዎ ብብዙሕ ሕብሪ ዝተቐለሙ ዕምባባታት አመስግን፡

መንፈሳዊ ጉዕዞ

ወርሒ ግንቦት ብልጫ ዘለዎ ወርሃ ማርያም እዩ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ማርያማዊ መቕደሳት ንግደት ዝፈመሉ ወርሒ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብዘሎ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ምጉዓዝ ዘይከኣል ብምዃኑ፡ ቅዱስነቶም ናብተን ቅዱሳት ስፍራ ኩሉ ብመንፈስ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጸም ክምዕዱ እንከለዉ፥

ለምዘበን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጉዳይ ክንክን ጥዕና ምኽንያት ብመንፈስ ናብቲ ናይ እምነትን ኣምልኾን ዝኾኑ ስፍራ ስክፍታትናን ትጽቢታትናን ናይ መጻኢ መደባትናን ኣብ ልቢ ማርያም ንኸነንብር ብመንፈስ ንንገድ፡

ቢሎም ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ናብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ናብ ዝርከብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቤት ዕዮ ብምኻድ ብመስኮት ተቐልቒሎም ንሮማን መላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ካምፓኒለ ሓቢረን።

 

 

 

03 May 2020, 22:09