ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኩልና ለመንቲ ስለዝኾና ክንጽሊ ግድን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅዱስነቶም ዕብየትን ኣድላይነትን ጸሎት ንክገልጹ 'ጸሎት እስትንፋስ እምነት እዩ መግለጺ እምነት ከኣ እዚኣ ጥራይ እያ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ባርጢመዎስ ኰይኑ ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ ብምልማኑ ነቲ ዝደልዮ ረኺቡ'

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ዕለት 6 ግንቦት 2020 ዓም ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክስርቶስ ብዛዕባ ጸሎት ሓዲስ ዙርያ ብምጅማር ንጽንዓት ናይቲ ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ዝልምን ዝነበረ ዕውር ባርጢመዎስ ብምጥቃስ ካብዚ ጸቂጡ ሒዙና ዘሎና ጸገም ንክንገላገል ከምቲ ባርጢመዎስ ዳግም ብርሃን ዓይኑ ንምርካም ብተስፋ ዝገዓሮ ንግዓር ንጸሊ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዜና ቫቲካን

ለበዳ ኮቪድ 19 ገና ንመላእ ዓለም ኣብ ፍርህን ሽቊረራን ሸሚሙሉ ኣብ ዘሎ ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ምስ ቁሩባት ሰባት ኰይኖም ካብ ቤተመጻሕፍቲ ከተማ ቫቲካን ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከም መኽፈቲ 'ብ ያሪኮ ድማ ኣተወ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕዉር ወዲ ጢሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። ኢየሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኡሉ፡ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ምሐረኒ፡ ኪብል ጀመረ። ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና ፥ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ ፥ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖም ፥ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ አሎ፡ በልዎ። ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ ኢየሱስ መጸ። ኢየሱስ ድማ ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ ፥ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ፥ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዓቦ' ዝብል ካብ ማር 10.46 ብዝተፈላለዩ ቋንቋንታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ሎሚ ብዛዕባ ኣድላይነት ጸሎት ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝጅምሩ ብምግላጽ ንሕና እውን ካብዚ ዕውር ጽንዓት ተማሂርና ከይተሓለልና ክንጽሊ ክንልምን ከመይ ወዲሰብ ብተፈጥሮኡ ለማኒ ናይ እግዚአብሔር እዩ። ስለዚ ጸሎት እስትንፋእ እምነት እዩ ኢሎም።

ጸሎት እስትንፋእ እምነት እዩ

ቅዱስነቶም ዕብየትን ኣድላይነትን ጸሎት ንክገልጹ 'ጸሎት እስትንፋስ እምነት እዩ መግለጺ እምነት ከኣ እዚኣ ጥራይ እያ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ባርጢመዎስ ኰይኑ ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ ብምልማኑ ነቲ ዝደልዮ ረኺቡ' እንክብሉ ኩነታቱ በብሓደ ተንቲኖም። ባርጢመዎስ ኢየሱስ ይሓልፍ ከምዘሎ ምስ ሰምዔ ከምቲ ብዙሓት ንኢየሱስ ክርእዩ ዝህንጠዩ ዝነበሩ ንሱ እውን ይህንጠ ነይሩ ግን ማንም ዘቅርቦ ኣይነበረን። እታ እንኮ ፍታሕ ኢሉ ዝኣመነላ ከኣ ክሳብ ንሱ ዝሰምዖ ምጸዋዕ ዳርጋ ምግዓር ክትብሎ ዘድፍር ልመና እዩ። ወዲ ዳዊ መሓረኒ እናበለ ይጭርሕ። ሽሕ'ኳ ሱቊ ከብልዎ እንተጸዓሩ ኣብ መወዳእታስ ኣውያቱ ኣብ እዝኒ እቲ ጸሎት ኩሎም ምናዳ ኸኣ ናይ ጽጉማት ዝሰምዕ ኢየሱስ በጺሑ። ናይ ሓደ ጸጋ ዝደሊ ዳርጋ ድርቅና ክትብሎ ዝከኣል ጽንዓትከስ እነሆ። እዚ ነቲ ጐይታ ከየባተኽና ክንጽሊ ማዕጾ ክንኩሕኩሕ ዝዕድመና ሕያው ኣብነት እዩ። እቲ ዝዓበየ ነገር ናይ ባርጢመዎስ ኢየሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ የለልዮ ወዲ ዳዊት እናበለ ይጭርሕ። እዚ ምስክርነት እዚ ካብ ሓደ ብኩሎም ዝተናዕቀ ኣብ ዘፈር መንገዲ ኰይኑ ዝልምን ዝነበረ ዕውር ክትሰምዖ ብሓቂ ዘደንቅ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ይሰምዖ። ብካልእ ኣዘራርባ ጸሎት ባርጢመዎስ ልቢ እግዚአብሔር ይትንክፍ በዚ ከኣ መዓጹ ድሕነት ይኽፈተሉ። ኢየሱስ ከኣ ጸውዕዎ ይብል። ሓይሊ እምነትከስ ንምሕረት እግዚአብሔር ወጢጡ ስዒቡ ናብኻ ከምዝወርድ ይገብሮ።

ሓይሊ እምነት ንምሕረት እግዚአብሔር ናባና ይስሕቦ!

ቅዱስነቶም ናብ ርክብ ባርጢመዎስን ኢየሱስን ምልስ ይብሉ እሞ ኢየሱስ ንባርጢሜዎስ ድልየቱ ሃረርታኡ እቲ ክሳብ ክንዲዚ ከምጭርሕ ዝገበሮ ጸገሙ እንታይ ምዃኑ ይሓቶ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣድላዩ እዩ ከመይ ከምቲ ኣብ ብሂል ሃገርና ጉይይ ካብ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ እዩ ጉዳዩ። ባርጢመዎስ ከኣ `ዳግም ክርኢ' ኢሉ ቶግ የብላ ኢየሱስ ከኣ `ኪድ እምነትካ ኣሕውያትካ` ይብሎ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ናይዚ ብኩሎም ዝተናዕቀ ድኻን ማንም ኣብ ቁጽሪ ዘየእትዎን ሰብ እምነትን ክእለት እታ እምነትን ይግንዘብ እዚ ከኣ እዛ እምነት እዚኣ ንምሕረት እግዚአብሔር ናባኣ ክትስሕብ ክንደየናይ ሓይሊ ከምዘለዎ የገንዝብ። እምነትከስ ክልቲኤን ኣእዳውካ ንሰማይ ሓፍ ኣቢልካ ጸጋ ድሕነት ንምልማን ናብ እግዚአብሔር ዚዓርግ ድምጺ ገዓር ጸሎት እዩ። ከምዚ ዓይነት እምነት ከኣ ምሕረት እግዚአብሔር ትስሕብ ኢሎም። እምነት ተጻይ ዘይንርድኦ ቅጽዓት ናብ እግዚአብሔር ነቅርቦ ተቃውሞ እዩ። ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.2559 ንጸሎት ዘድሊ ቀንዲ ጉዳይ እንክገልጽ `ትሕትና መሠረት ጸሎት እያ` ይብል። ጸሎትከስ ካብ ባይታ ካብቲ ብዙሓት ትሑታት ሰባት ዝለዓሉሉ ካብቲ ቀንዲ ጸገማትና ይለዓል እዚ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽምኢ እግዚአብሔር እዩ። እምነትከስ ገዓር እዩ እምነት ምጉዳል ነዚ ገዓር እዚ ክትዓብጦ ምፍታን እዩ። ብዙሕ ግዜ እምነት ነቲ ዘጋጥመና ስቃይ ምኽንያቱ እኳ እንተዘይፈለጥና ተጻዩ እነስምዖ ልኡም ተቋውሞ እዩ። እምነት ናይ ድሕነት ተስፋ እዩ። ዘይምእማን ግን ኣብ ትሕቲ እቲ ደኒሱ ሒዙካ ዘሎ ጸገም ምርማስ ምልማዱ ኣብ ቃንዛኻ ምቅጻል እዩ። ጸኒዕካ ናይ ምልማን ኣብነት ባርቲመዎስ ይኾነና።

ባርጢመዎስ ኣብነት ጽንዓት! ቅዱስነቶም ነዚ ሎሚ ዝጀመርዎ ሓዲሽ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ጸሎት ከም መኽፈቲ ንባርጢመዎስ ዝመረጹሉ ምኽንያት እንክገልጹ `ብዛዕባ ጸሎት እንክትዛረብ ክንዮ ገዓር ባርጢመዎስ ዘሎ ኣይመስለንን ከመይ ኣብ ታሪኹ ኩሉ ንጸሎት ዘድሊ ነገራት ዝተመዝገበ ይመስል። ልዕሊ ኩሉ ግን ባርጢመዎስ ጽኑዕ ሰብኣይ ነበረ። ሱቊ በል ጸሎትካ ኣይስመዓን ገዓርካ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ዘይጠቅም ልመና ኣይተቅርብ እንክብልዎ ጸኒዑ ልመናኡ ቀጸለ! ጸውዔ ጨርሔ ኣእወየ ገዓረ እግዚአብሔር ሰምዖ ዝደልዮ ከኣ ረኸበ' ኢሎም። ልዕሊ ዝኾነ ሓተታን ኣስተንትኖን ኣብ ልቢ እዚ ሰብ እዚ ዝጽሊ ዝልምን ዝምህለል ድምጺ ኣሎ። ንሕና ኩልና ነዚ ድምጺ እዚ ኣብ ልብና ሒዝናዮ ንርከብ። እዚ ድምጺ እዚ ብገርህነት ዝወጽእ ማንም ከይኣዘዞ ዝወጽእ ብዛዕባ ኩነታትናን ናብራና ኣብዚ ዓለም ዝሓትት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምኽንያቱ ክንርድኦ ዘይንእል ስቃይን ቃንዛን እንከጋጥመና ኣብ ጸልማት እንክርከብ ከይተረዳና እንቁዝሞ 'ዎ ኢየሱስ መሓረኒ ራሕራሓለይ ይቅረ በለለይ ቁሊሕ በለኒ' ዝብል እህህታ እዩ። እዚኣ ብሓቂ ዓባይ ጸሎት እያ። ወዲሰብ ብባህርዩ ኣብ ልቡ ዝስምዖ መስኪንነት ኣሎ ለማኒ ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጸሉ ናይ ሱቊታ ገዓር ኣብ ልቡ ኣሎ። እዚ ቁዘማ እዚ እዚ ምስቊርቋር እዚ ኣብ ልቢ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ፍጥረት ምዃኑ ንፈልጥዶ ዝብሉ ክመስሉ ነዚ ምሕረት እግዚእብሔር ኣባኻ ክፍጸም ሃረር ምባል ምጽባይ ካብ ክርስትያንን ሰብ ካልእ እምነትን ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኩሉ ፍጥረት ከምዘሎ ንክገልጹ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ይጠቅሱ። ቅዱስ ጳውሎስ 'እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡' (ሮሜ 8.21) እንክብል እዚ ገዓር እዚ ድምጹ ዘይስማዕ ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍ ፍጡር ዘሎ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ለባዊ ፍጡር ሰብ ዘሎ ኸኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ለማኒ ምዃኑ መስኪን ለማኒ እግዚአብሔር ምዃኑ ስለዝስቈሮ ክጽሊ ይግደድ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

06 May 2020, 21:00