ፍራንቸስኮ፥ ብመዓልቲ ዓመታዊ በዓል ኣዴታት ንኣኣተን ይሓስቡ ፍራንቸስኮ፥ ብመዓልቲ ዓመታዊ በዓል ኣዴታት ንኣኣተን ይሓስቡ 

ፍራንቸስኮ፥ ብመዓልቲ ዓመታዊ በዓል ኣዴታት ንኣኣተን ይሓስቡ

. ብርግጽ እቲ ዓለም ከምቲ ዝነበሮ እውን ዘይከውን ምዃን ርግጸይናታት ንኹን እግዚኣብሔር ወትሩ ዘፍቅሮ ዓለም ከምዝኾነ ተኣሚነን ብእምነትን ትብዓትን ንቕድሚት ክብላ ካብ ጐይታ ትብዓት ክጽገዋ እልምን”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጵ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 10 ግንቦት መዓልቲ ኣደታት ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፡ ብፍቕርን ብሞሳን ንኹለ ኣዴታት ዓለምን “እተን ካብ ሰማይ ቤት ኮይነን እውን ዘሰንያናን” ዘኪሮም፡ ኩለን ኣዴታት ንዑቕባ ቅድስቲ ማርያም ክምዘማሕጸኑን ብፍላይ ኣብዚ ቅልውላው ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን እንዝክሮ ብምዃኑ፡ ብቕዓት እንገዳኤንን ምዕዳነንን ብፍሉይ ንዝክርን ብሓቂ ድም ነመስግነን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቡረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መዓልቲ ኣዴታት ኣብ እነብዕለሉ ዕለት፡ ነዴታት ኢጣሊያን መላእ ዓለምን ብፍሉይ ሰላምታይ ከቕርበለን እፈትው” ንኹለን ነታ ሰማያዊት ኣዴና ኣወኪፎም` ነተን ብሕይወት ዘየለዋ እውን ኣናሕሰቡ ኩላትና ብጽሞና ንኣኣተን ንዘክር ቢሎም ናይ ጽሞና ጸሎት ተኻይዱ ምስ ኣብቅዔ፥

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 17 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንነፍሰ ጹር ኣዴታት እናሓሰቡ፥ “ኣብዚ እዋን ለብዒ ብዙሕ ይጭነቓን ብሓሳብ እውን ተዋሒጠን ንህልው ኩነታት ዓለም እናሓሰባ እቲ ኣብ ማሕጸነይ ዘሎ ዕሸል ኣብ ከመይ ዓይነት ዓለም እዩ ዝወልድን ናብ ከመይ ዓይነት ዓለም እዩ ዝመጽእ? ዝብል ሕቶ የቕርባ . . . ብርግጽ እቲ ዓለም ከምቲ ዝነበሮ እውን ዘይከውን ምዃን ርግጸይናታት ንኹን እግዚኣብሔር ወትሩ ዘፍቅሮ ዓለም ከምዝኾነ ተኣሚነን ብእምነትን ትብዓትን ንቕድሚት ክብላ ካብ ጐይታ ትብዓት ክጽገዋ እልምን” ከምዝበሉ ጂሶቲ የዘኻኽራ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣዴታት ኣብ መፋርቅ ‘800 ከምእተበገሰ

መዓልቲ ኣዴታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለየ መዓልቲ እውን ይሃልዎ ብጠቕላላ እዚ በዓል’ዚ ኣብ መፋርቕ 1800 ዓ.ም. ከምእተበገሰን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጁሊያ ዋርድ ሆወ ገጣሚትን ተሓላቒት ሰላምን ኣብ 1870 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣዴታት ንሰላም ብዝብል መጸውዕ ዓመታዊ በዓል ኣዴታት ክቐውም ሓቲተን መልሲ ከምዘይረኸባን ደሓር ኣን ሪቨስ ተሓላቒት ሰላም ኣብ 1908 ዓ.ም. መዓልቲ ኣደ ቢለን ነተን መሓዛ ሆወ ንዝነበራ ናይ ሰላም ተሓላቒት ወላዲተን ብዘወክፍ ኣገባብ ከምዘብዓለኦ ክንገር እንከሎ፡ ብስሩዕ ኣገባብ በቢ ዓመቱ ክበዓል ዝጀመረ ኣብ 1914 ዓ.ም. ከምዝኾነን እዚ ከኣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዎድሮው ዊልሶን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ግንቦት ካልአይቲ ሰንበት መዓልቲ ኣዴታት ክበዓል ሓሳብ ኣቕሪቦምን ብናይ ሃገሮም ሕዝባዊ ባይቶ ምስ ጸደቐ ምዃኑ ይንገር።

ፍራንቸስኮ፥ ብመዓልቲ ዓመታዊ በዓል ኣዴታት ንኣኣተን ይሓስቡ
10 May 2020, 21:27