ፍራንቸስኮ፥ ሓደ`ኳ ድሕሪት ከይሓደግና ብሓባር ዓለም ንሕነጽ

ሕጂ ካብቲ ለብዒ ዘገምታውን ኣድካምን ብዝኾነ ኣገባብ ናብቲ ንቡር ሕይወት ንኽንምለስ ኣብ እንሓስበሉ ዘሎና እዋን፡ ድሕሪት ዝተረፈ ምርሳዕ ዝብል ሰላሕታዊ ሓደጋ ይወጣወጥ ኣሎ፡ እቲ ስጋኣት ካብቲ ለብዒ ዝኸፍኤ ጐዳኢ ዝኾነ ኢጐነትን ዘይምግዳስን ዝብል ዝኸፍአ ተህዋስ እዩ

ዕለት 19 ሚያዝያ ሰንበት መሎኮታዊ ምሕረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እትርከብ ኣብታ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመሎኮታዊ ምሕረት ኣምልኾን መንፈሳውነትን ኣብ ዘወክፍዋ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ካብቲ ዝተኸስተ ለብዒ ተላቒቕካ ዘድክምን ቀስ ብቐስ ናብቲ ንቡር ሕይወት ንምምላስ ኣብ ዝሕሰበሉ ዘሎ እዋን፡ “ካልእ ዝኸፍኤ ለብዒ ኢጐነትን ዘይተገዳስነትን ከየጥቅዓና የስግእ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፈተና፥ ናይ ኩሉ ዝኾነ ጽባሕ እንሓንጸሉ ዕድል ክኸውን ዝኽእል እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጎም፡ “እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ በገባብ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ንበድሃዮ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ምእመናን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብኣካል ዘይተሳተፍሉ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተመሓላለፈ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ር,ሊ,ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመለኮታዊ ምሕረት መንፈሳውነት ኣብ ዘወከፍዋ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ስለገስዎ ስብከት፡ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ሰንበት በዓለ ፋሲካ፡ ኢየሱስ ኣብ መንጐ ደቀ መዛሙር ኰይኑ ነቲ ኣብቲ ቦታ ዘይነበረ ቶማስ “ብእሙን መሓርነቱን ትዕግስቱን” ይጽበይ ከምዝነበረን፡ ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ንቶማስ ምጽባይ ናይ ነፍሲ ወከፍና ምጽባይ ብኢየኡስ ኣሎ፡ “ጐይታ ምሕረቱ መታን ክንረክብ ሓሳርነትና ሒዝና ናብኡ ንኽንመጽእ ይጽበየና” ቢሎም፡

ኵላትና ትኣፋፍያንን ፍቱዋትን ክቡራትን ኢና

ምሕረት እግዚኣብሔር ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ “እቲ ካብ ምውዳቕና ዘተንስኣና እዩ” እግዚኣብሔር “ካብ ዝወደቕናሉ ንኸተንስኣና ኣእዳዉ ኣብ ምዝርጋሕ ኣይደክምን። ኣብ ናይ ምውዳቕና ሓሳብ ተዋሒጥና ክንተርፍ ዘይኮነ ንኣኡ ምርኣይ እዩ፡ ንሱ ካብ ምውዳቖም ክትንስኡ ዝደልዩም ደቁ እዩ ዝርእይ፡ ኣብቲ ሓሳር ብምሕረቱ ክፍቐሩ ዘለዎም ደቁ እዩ ዝርእይ። ኣብቲ እንርከበሉ ዘሎና ጽንኩር ኩነት ልክዕ ከም ቶማስ፡ ምስ ምጥርጣርናን ፍርሕናን ድኻምነትናን ተኣፋፍያን ምዃንና ኣስተውዒልና” ከምዝበሉ ዝሓብሩ ሎሞናኮ ኣስዒቦም፥ ጐይታ የድልየና እዩ፡ ምስኡ ኣብቲ ተኣፋፍነትና ፍቑራትን ክቡራትን ምዃንና ከነስተውዕል ኢና፥ ጐይታ ዝደልዮ ንኽንርእዮ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኣንጸባጸቦ ሓደ ገዛኢ ከምዝዀነ ጐይታ ዘይኮነስ ልክዕ ከምቲ ካብ ዝወደቕናሉ ዘተንስኣና ኣቦ እዩ ዝጽበየና። ድሕሪት ኣብ ምትራፍና ዘይጥንጥነና መሓሪ ኣቦ”።

ሕጂ ካብቲ ለብዒ ዘገምታውን ኣድካምን ብዝኾነ ኣገባብ ናብቲ ንቡር ሕይወት ንኽንምለስ ኣብ እንሓስበሉ ዘሎና እዋን፡ ድሕሪት ዝተረፈ ምርሳዕ ዝብል ሰላሕታዊ ሓደጋ ይወጣወጥ ኣሎ፡ እቲ ስጋኣት ካብቲ ለብዒ ዝኸፍኤ ጐዳኢ ዝኾነ ኢጐነትን ዘይምግዳስን ዝብል ዝኸፍአ ተህዋስ እዩ፡ ካብቲ ዝበለጸ ሕይወት ንዓይ ሰናይ ስለ ዝኾነን ኩሉ ሰናይ ዝኸውን ንኣይ ሰናይ ምስ ዝኸውን እዩ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝብገስ እዩ፡ ካብዚ ትብገስ ደሓር ሰባት ኣብ ምሕራይን ምንልላጽን ትበጽሕ ክሳብ ድኻታት ንምንጻልን ድሕሪት ዝተረፈ ኣብቲ ናይ ምዕባለ መንበረ ታቦት ንምስዋእ ትበጽሕ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መንጐ እቶም ዝሳቐዩ ፍልልይን ዶባትን ከምዘየለ እዩ ዘዘኻኽረና፡ ኩላትና ተኣፋፍያን ኢና፡ ኩላትና ማዕረን ክቡራትን ኢና። እቲ ዝኽሰት ዘሎ ካብ ውሽጥና ዘበራብረና እዩ፡ ኢማዕርነት ንኽንኣልይን ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥዕና ካብ መሰረቱ ንሓደጋ ዘቓልዕ ኢፍትሓውነት እንፍውሰሉ እዋን እዩ!

ድሕሪት ዝተረፉ ብዙሓን እያቶም

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም እታ ሓዋርያ ናይ መሎኮታዊ ምሕረት ተባሂላ እትጽዋዕ ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ዝበለቶ ጠቒሶም ኣስተንትኖን ለበዋን ክቕርቡ እንከለዉ፥ ድሕሪ ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ ካልኦት ኵሎም ክጽበይዎ ሓደ ጥራሕ እዩ ድሕሪት ተሪፉ ዝነበረ፡ ንኣእዩ ይጽበይ፥

ሎሚ ግና ከምኡ ኣይኮነን፡ ውሑዳት ንቕድሚት ከብሉ እንከለዉ፡ እቲ ኣብላጺ ዝኾነ ኣካል ሰብኣዊ ፍጥረት ድሕሪት እዩ ተሪፉ ዘሎ፡ ንድኻታት ምሕሳብ ንዓይ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ፡ ንካልእ ዝምልከት እዩ ዝብል ይህሉ፡ ቅድስቲ ፋውስቲና ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸበትን ምስ ተገልጸላን፥ ‘ንዝሳቐይ መንፈስ፡ ከም ስቑል ኢየሱስ እምበር ሓደ መጻዪ (ጽግዕተይና)ን ከበድን ገርና ኣይኮነን ክንርእዮ ዝግብኣና . . . [ጐይታ] ናይ ግብረ ምሕረት ንኽፍጽም ዕድል ይሃበና . . . (መዝገበ ዕለት፥ ዕለት 6 መስከረም 1937 ዓ.ም.)።”

ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ከም ዕድል ንቀበሎ

ኣብ ሓደ እዋን ቅድስቲ ፋውስቲና መሓሪ ምዃን ከም ዓሻ የቑጽር ዝብል ሓሳብ ናብ ኢየሱስ ተቕርበሉ፥

“ጐይታ ሕያወይቲ ምዃነይ ብዙሕ እዋን ይዕመጽ ቢላ ንኢየሱስ ጓሂኣ ተቕርበሉ፡ ኢየሱስ ከኣ፥ ኣይትገደስሉ ንስኺ ወትሩ መሓሪት ኵኒ (ዕለት 24 ታሕሳስ 1937 ዓ.ም.)፡ ኩሉ ንረብሓታትና ጥራሕ ወይ ከኣ ንናይ ሓደ ወገን ረብሓ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ንዅሉ! እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፈተና ናይ ኩሉ ዝኾነ ሓደ’ኳ ዘይጥንጥን ጽባሕ ንኽንሓንጽ ከም ዘብቅዕ ዕድል ገርና ንቀበሎ፡ ስለምንታይ ብዘይ ናይ ሓባራዊ ራእይ ንሓደ’ኳ መጻኢ ስለ ዘይህሉ፡ ሎሚ እቲ ኣልቦ ኣጽዋር ዝኾነን ንኻልእ ኣጽዋሩ ከራግፍ ዝገብር ፍቕሪ ኢየሱስ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ልቢ የተንስእ፡ ንሕና እውን ከም ሓዋርያ ቶማስ እቲ ምሕረትን ድሕነት ዓለም ዝኾነ ነአንግድ፡ ኣዚዩ ድኹም ንዝኾነ ምሕረት ንጠቀም፡ ከምዚ ምስ እንገብር ጥራሕ እዩ ሓድሽ ዓለም እንሓንጽ።

እንክብሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 20 ካብ ፍቕዲ 19 ክሳብ 31 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞምን ምስቲ ህልው ኵነታት ኣጣሚርኖም ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዛዘሙ ኣፍሊጦም።

20 April 2020, 14:43