ር.ሊ.ጳ. ንናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ምእንቲ ናይ ተስፋ ታሪኾም ነመስግን ር.ሊ.ጳ. ንናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ምእንቲ ናይ ተስፋ ታሪኾም ነመስግን 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ምእንቲ ናይ ተስፋ ታሪኾም ነመስግን

ቅዱስነቶ ነዚኣቶም ኣሕዋት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጐደና ጋዜጣ ዝዝርግሑ መብዛሕቲኦም ቤት ኣልቦ ከምዝኾኑን ብዝኸፍኤ ደረጃ ዝተነጸሉን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ከምዝኾኑ እውን ጠቒሶም ነዚኣቶም ስራሕ ንዝህቡ ዕለታዊ ጋዜጣታት ምምስጋና ነቕርብ

ዘጓንፈና ዘሎ ዅነታት ንምስትውዓልና ንድኻታት ነመስግን፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ጐደና ጋዜጣ ንዘብጽሑ ወለንተይናታትን ስደተይናታትን ቤት ኣልቦን ዝኾኑ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንከቢድ ፈተና ንዝተቓልዑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚኣቶም ወትሩ ኣብ ልብን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ህልዋት ምዃኖም ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ እቶም ድኻታት ኣብ ፈቖዶ ጐደናታት ከተማ ዝዝርግሕዎ ጋዜጣ ወረቐት ዘይኮነ ናይቲ ዝተረኽበ ክብሪ ብሕቡእ ዝገልጽ ዘይኮነ ኩሉ ብጋህዲ ዝርእዮ ነቲ ኢፍትሓዊ ኵነት ብዓውታ ዘቃልሕ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልው ኩነታትካ ዘስተርእይ ሓይሊ እዩ፡ ኣብ ጐደና ዝዝርግሑ ልዕሊ 100 ዝግመቱ ጋዜጣ ከምዘለዉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፡ ነቶም ኣብቲ ናይ ጐደና ጋዜጣ ዝርጋሔ ዝሰርሑ ኩሎም ዕዮኦም ኣጽንዖም ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ብኮረና ተህዋስ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽንኩር እዋን ክቕጽሉ ተላብዮም ስለ እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ነመስግኖም ከምዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን።

ከቢድ ጸብጻብ

ቅዱስነቶም ኣብዚ እንነብረሉ ዓለም ብዙሓት ሕይወቶም ማእለያ ምዝ ዘይብሉ ከቢድ ብድሆታት ፊት ንፊት ዝጋጠም ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተጸቒጡን ናብ ዝኸፍኤ ከቢድ ፈተና ተዳሪጉ ይርከብ፡ እዚ ኸኣ እቶም ቤት ኣልቦ ዝኾኑ ዜጋታት ዘለውዎ ህልው ኩነታት ካሳብ ክደይ ክትጻወሮ ኣብ ዘይከኣል ኣርካን በዚሑ ከምዘሎ የመላኽት፥

ተኣፋፍያንን ዘይሩኡያት ዝተነጸሉ ቤት ኣልቦ ዜጋታት ተዓደይቲ ንዝገብር ዓቢይ ስግኣት ተቓሊዖም ይርከቡ፡

ቅዱስነቶ ነዚኣቶም ኣሕዋት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጐደና ጋዜጣ ዝዝርግሑ መብዛሕቲኦም ቤት ኣልቦ ከምዝኾኑን ብዝኸፍኤ ደረጃ ዝተነጸሉን ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑን ከምዝኾኑ እውን ጠቒሶም ነዚኣቶም ስራሕ ንዝህቡ ዕለታዊ ጋዜጣታት ምምስጋና ነቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ናይ ጐደና ጋዜጣታት ተመክሮ

ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ሚእቲ ዝግመቱ ኣብ 35 ሃገራት ብዝተፈላለየ 25 ብቋንቋታት ዝሕተም ኣብ ጐደና ዝዝርሕ - ዝሽየጡ ንልዕሊ 20.500 ኣልቦ ቤት ንዝኾኑ ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥሩ ዕለታውያን ጋዜጣ ምህላዉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፡ እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ - ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ናይ ጫማ ተኒስ ብዝብል መደብ ን 130 ኣብ ከቢድ ድኽነት ንዝርከቡ ደሞዝ ክህልውም ዝገብር ናይ ዜጋ መሰልን ክብርን ውሑስ መታን ክኸውን ዘሳልጦ ግብረ ሰናይ ዘኪሮም፡ ናይ ዜጋ ክብርን መሰልን ንዅሉን ናይ ኵሉን እዩ ከምዘበሉ ኣፍሊጠን።

ካብ ዝሓለፈ ኣዚና ዝበርታዕና

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ማእለያ ዘይብሉ ጭቡጥ ኩነት ኣንበርኪኹ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ኹሉ ተስፋ ከየቑርጽን እምነት ኣብ መጻእን ናይ ምሕዝነት መንፈስ ክህሉን እዚ ኸኣ ናይ ብዙሓት ናይ ተስፋ ታሪኽ ኮይኑ ንኽዝተው፥

ኣብዘን መዓልታት ንድኻታት ምምልካት ኵላትና እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ብሓቂ ንኸንርድኦን ናይ ኵላትና እውነተይና ጭቡጥ ኵነት ንኸነስተውዕል ይሕግዘና፥

ከም ዝበሉ ካፐሊ ሓቢረን።

ናይ ድኽነት ምስክርነት

ፍራንቸስኮ ክሉ ሳዕ ብዛዕባ እቶም ናይ ጐደና ጋዜጠይናታት ከምዝግደሱ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ንናይ ሆላንድ traatbueus - ናይ ጐደና ዜና ምስ እተሰምየ ናይ ጐደና ጋዜጣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሰለስተ ሳዕ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝምስክሮ እዩ፡ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ምስቲ ናይ ሆላንድ ናይ ጐደና ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ሕጻናት ኣርጀንቲናውያ ዘኪሮምን ከም ር.ሊ.ጳ. ሕይወቶምን ብሓፈሻዉ ሕይወቶ ኣብ ቫቲካንን ዝምልከት ጉዳያት ከምዝተንከፉን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣልቦ ቤትን ድኻታት ዓለም ክርእዮም ከምዝምነዩን፡ ምእንቲ እዚ ምስ እዚ ዓይነት ዓለም ንምርኻብ ስራሕን ቤትን መሬትን ዝብሉ ሰለስተ ረቛሕታት መሰረታዊ ምዃኑ የረድኡ፥

ቤተ ክርስቲያን ብሓቅን ኣብ ሓቅን ብምስክርነት ድኽነትን እያ ክትዛረብ ዘለዋ፡ ናይ ድኽነት ምስክርነት፡ ሓደ ኣማኒ (ምእመን) ብዛዕባ ድኽነትን ወይ ውን ብዛዕባ ኣልቦ ቤትን ክዛረብ ከም ፈረዖን እናነበረ ክኸውን የብሉን፡ እዚ ክፍጸም ዘይብምሉ ጉዳይ እዩ!

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ኣብ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብታ ከተማ ምስቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝተበገስ Scarpe dè tenis – ናይ ተኒስ ሳእኒ ምስ እተሰምየ ናይ ጐደና ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መንጐ ድኻታት ምትሕብባር ኣሎ፡ ምኽንያቱ ንሓድ ሕዶም ዝደላለዩ ስለ ዝኾኑን፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከምዘድልዮ ስለ ዝፈልጡን እዩ፡ ብኻልእ መዳይ ከኣ እቲ ዝምጽውት ዓለም ኣሎ፡ ኣብ ናይ ካልእ ሳእኒ ኣእጋርካ ምእታው ክንደይ ከክቢ እዩ፥ ዝኽድዎን ዝኾንዎን ሕይወቶምን ንኽተስተውዕልን ንኽተፈልጦን ኣሳእኖም ኣጥሊቕካ ኣብ ጉዕዞም ምጉዓዝ የድሊ፡ እዚ ናይ ምስትውዓል ብቕዓት ይበሃል፥ እቲ ጽንኵር ኩነቶምን ህሞቶምን ንኽትርዳእ መታን።

ብዙሕ እዋን ነቲ ዓቢይን ሃብታምን ሰብኣውነትን ብቓላትን ብዘረባን ንትክኦ፡ ብዙሕ ይዝረብ ዓውደ ምኽሪ ተራቢሑ ይካየድ፡ ግና ኩሉ ቃላት ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍን ወይ ከኣ ፍድፋድ ቃላት ጥራሕ ምስ ዝኸውን እዚ ኸኣ ነቲ ካልእ ንክትርድኦ ኣእጋርካ ኣብ ሳእኑ ምጥላቕ ዝብል ዕብየት ኣየህልውን፡

ርእስን ልብን ኣእዳውን

ኣብ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ La Còrcova - ሑጻ (መንጉድ) ምስ እተሰምየ ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ብናይ ድኽታት ዞባ ተቐማጦ ወለንተይናታት ዝዝርጋሕ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ምኽንያት ናይ ብዙሓት ስቓይን ሞትን ዝኾኑ ዕጸ ፋርስን ድኽነትን ካልኦት ጸገማትን ዘርዚሮምን ከምኡ እውን ፖለቲካ ዝብል ጉዳይ ኣልዒሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ኩሉ ኦርማይ ኣብቂዑ እዩ ቢልካ ካብ ትሓስቦ እውን ናይ ምልዋጥን ምምላስን ኣኽእሎት ኣሎ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ምስ እትውከፍን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምስ እትሓትትን፡ ኣስዒቦም ናይ ሓደ ኣፍቅሮተ ዘቤት ናይ ዝኾነ ኣካል ምዃን ወለዲ ንደቃቶም እምነት ኣብ ምሕላፍ ዘለዎም ዓቢይ ግደ እዩ ዘመላኽት፡ እምነት እቲ ዝበለጸ ክተወፍዮ እትኽእል ጸጋ እዩ ቢሎም መንእሰያት ካብ ቤተ መዘክር ናብ ህያውነት ክልወጡ የተሓሳስቡ፥

ሰለስተ ቃላት ክገልጽ እፈቱ፥ ናይ ርእሲ ቋንቋን ናይ ልብን ናይ ኣእዳውን ቋንቋ፥ ኣብ መንጐ እዞም ልሳናት እዚኣቶም ጥምረት ክህሉ ኣለዎ፡ እቲ እትገብሮ እትሓስቦ እትሰምዖን፡ እቲ እትሰምዖ እትሓስቦን እትገብሮን፡ እዚ እዩ ጭቡጥነት፡ ኣብ ምናባውነት ምንባር ኣብ ሓደ ርእሲ ዘይብሉ ኣካል ምንባር ማለት እዩ፡

ከምዝበሉ ካፐሊ የዘኻኽራ።

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ምእንቲ ናይ ተስፋ ታሪኾም ነመስግን

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ምእንቲ ናይ ተስፋ ታሪኾም ነመስግን
28 April 2020, 15:50