ንእግዚአብሔር ንምርኣይ ካብ ምድንጋር ልብና ሓራ ክንከውን ኣሎና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣቀድም ኣቢሎም ብዛዕባ ብፅዕና ወንጌል ዝጀመርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቅጻል ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 1 ሚያዝያ 2020 ዓም በቲ ከም ልማድ ክኸውን ቀሪቡ ዘሎ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ጸገም ብመራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ ንጹሓት ልቢ ብፁዓን እዮም ከመይ ንእግዚአብሔር ክርእይዎ እዮም እቶም ብፅዕና ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

“[ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!”

“ሎሚ ነታ ገጽ እግዚአብሔር ምርኣይ እተተስፉን ከም ቅድመ ኩነት ንጽሕና ልቢ እተቅርብን ሻድሸይቲ መንገዲ ብፅዕና ብሓባር ክነንብብ ኢና። መዝሙረ ዳዊት 27.8 'ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ። ገጽካ ኣይትሕባኣለይ' ይብል። እዚ መንፈሳዊ ቋንቋ እዚ ምስ እግዚአብሔር ንክንራኸብ ዘሎና መንፈሳዊ ጽምኢ ይገልጽ። እዚ ጽምኢ እዚ ከም ሥጋዊ ጽምኢ ንኩሉ ዘዳምን ዘይኮነ ንጹር ግላዊ ሃረርታ ኮይኑ ከምቲ እዮብ ጻድቅ ኣብ ጭንቂ እንከሎ ምስ ኣምላኹ ኪዋሳእ ገጽ ኣምላኹ ክርኢ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ እዩ። መጽሓፈ እዮብ 42.5 'ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ' እናበለ ማዕረ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ይገልጽ። ኣነ ብግለይ እንከስተንትን ከኣ እቲ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዘለዎ ግላዊ ርክብ ጉዕዞ ሕይወቱ እዚ ምዃኑ ወትሩ እሓስብ። እግዚአብሔር መን ምዃኑ ከመይ ምዃኑ ክብሉ ብዝሰማዕናዮ ፈሊጥናዮ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንቅድሚት ንግስግስ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ክሳብ መወዳእቱ እሙናት እንተዀና ከኣ ብቀጥታ ክንፈልጦ ንኽእል እዚ ከኣ መንፈሳዊ ብስለት ይበሃል።”

“እንተኾነ ግን ኣብዚ ደረጃ ብስለት ኣብዚ መንፈሳውነት እዚ ንእግዚአብሔር ከም እንርእዮ! ገጹ ርኢና ክንፈልጠሉ እንኽእል ደረጃ ከመይ ቢልካ እዩ ዝብጻሕ! ኣብዚ ብዛዕባ ተመኵሮ ሓዋርያት ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ክነስተንትን ንኽእል! ዕድለኛታት ኰይኖም ጐይታ ኣብ ጐድኖም ነበረ ኰይኑ ግን `ንከይፈልጥዎ ኣዕይንቶም ተጋሪደን ነበራ' ይብለና ሉቃ 24.16. ጐይታ ነዚ ጉልባብ እዚ ኣብ መወዳእታ ጉዕዞኦም ዕራርቦ ጸሓይ ንገዛኦም ምሳኦም ኪሓድር ምስ ዓደምዎ ኣብ ግዜ ምቊራስ እንጌራ የብርሃሎም 'ኣቱም ዓያሹ ነቲ ነቢያት ብዛዕባ ወልደ እግዚአብሔር ዝበልዎ ንምርዳእ እውን ድንዙዛት ልቢ ዝኾንኩም' ሉቃ 24.23 ቢሉ ከኣ ይገንሖም። እዚ ናይ መግናሓቲ ቀዳማይ ጒዕዞ ነበረ። እነሆ እምበር ዑረት ኣበይ ከምዝጅምር ንረዳእ። ልቦም ድንዙዝን ደንጓይን ነበረ። ናይዛ መንገዲ ብፅዕና ጥበብከስ ኣብዚኣ እያ ዘላ። ገጽ እግዚአብሔር ንክተስተንትንን ንክትርእን ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝብሎ 'እግዚአብሔር ካብ ገዛእ ርእሰይ ንላዕሊ ንዓይ ቀረባይ እዩ' ዝብሎ ኣብ መጽሓፍ ኑዛዜኡ እዩ እቲ ነገሩ እሞ ምብርባርን ምስትውዓልን የድሊ። ንእግዚኣአብሔር ንምርኣይከስ ናይ ዓይኒ መነጽር ወይ ለውጢ ኣመለኻኽታ ኣይኮነን ዘድሊ ወይውን ሊቃውንቲ ንባበ መለኮት ዝበልዎ ኩሉ ገላቢጥካ ብምጽናዕ ዘይኮነስ ንልብና ካብቶም ኣብ ውሽጡ ዘለው ዘደናግሩ ነገራት ሓራ ክንገብር ኣሎና እታ እንኮ መንገዲ እዚኣ እያ። እዚኣ መንገዲ እዚኣ ናይ ሓቀኛ መንፈሳዊ ብስለት ወሳኒት እያ።”

“ጸላኢኻ ኣለሊኻ ምኽኣል ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዝዓበየ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ ልብና ተሓቢኡ ከምዘሎ ምፍላጥ ዓቢ መንፈሳዊ ብስለት እዩ። እቲ ዝዓበየ ውግእ ከኣ ምስቶም ካብ ውሽጢ ልብና ዝብገሱ መደናገርቲ ሓሳባትን ሓጢኣት ዝጭጭሑ ኩነታትን ሓራ ምግባር እዩ። ከመይ ሓጢኣት ነቲ ውሳጣዊ ጠመተናን ራእይናን ይልውጦ ናይ ነገራት ኩነታትን ግምቶምን ለዊጡ ሓቀኛ ዘይኮኑ ነገራት ወይውን ሓቂ ኰይኖም ዝረኣዩና ነገራት ከቅርበልና ይኽእል። ስለዚኸስ እታ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ዝሓታ ንጽሕና ልቢ እንታይ ምዃና ምግንዛብ ከድልየና እዩ። ነዚ ንምርዳእ ቅድሚ ዝኣገረ ቅዱስ መጽሓፍ ልቢ ክብል እንከሎ ኣብ ስምዒታት ጥራይ ደው ዝብል ከይመስለና እንታይ ደኣ ልቢ ናይ ወዲሰብ እቲ ዝዓመቆ ክፍሊ ነፍሲወከፍ ግለሰብ ገዛእ ርእሱ ዝኾነሉ ውሳጣዊ ኣቍዋም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ወንጌለ ማቴዎስ 6.23 'እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ መብራህቲ ጸልማት እንተደኣ ኰይኑ እቲ ጸልማት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ክኸውን እዩ' ክብል እንከሎ እዚ ብርሃን እዚ ጠመተ ልቢ ኣቃልቦ ኩነታት ብሓፈሻ ንኩነታትን ንነገራትን በየናይ ብርሃን ከምዘንብቦምን ዝትርጉሞምን እዩ ዘመልክት። ንምዃኑ ንጹሕ ክንብል እንከልና እንታይ ማለት ኮን ይኸውን። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ንጹሕ ልቢ ዝውንን ኣብ ህልውና እግዚእብሔር ይነብር ኣብ ልቡ ከኣ ነቲ ምስ እግዚአብሔር ዘራኽቦ ነገራት ይዓቊር ከምዚ ብምግባር ጥራሕ እዩ እቲ ምስ እግዚአብሔር ተዋሂዳ እትነብር ሕይወት መስቀል ዝመልኣ ግን ከኣ ገርሀይናን ቅሳነት ዝመልኣን ርክብ ምስ እግዚአብሔር ክትንበር ዚከኣል።”

“ንጹሕ ልቢ ክንብል እንከሎናኸስ ነዊሕ ጉዕዞ ናይ ሓራ ምዃንን ምናኔን እዩ። ንጹሕ ልቢ ከምኡ ኢልካ ዝውለት ኣይኮነን ብነዊሕ ቃልሲ ሕይወት ንሕማቅ ነገር ከመይ ገርካ ጠንጢንካ ከም እትገድፎ እናተማሃርካ ዝዕበ እዩ ነዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘዳ 10.16 ሕዝ 44.9 ኤር 4.4 ወዘተ ምግዛር ልቢ ይብልዎ። እዚ ጒዕዞ ንጽሕና ልቢ ነቲ ልብና ክሳብ ክንደይ ኣብ ጽልዋ ሕማቅ ንዘሎ ኩነታት የብርሃልና። ምናልባት ሓደ ካባኹም እወ ኣባቴ ኰይኒ ኣነ ዝስመዓኒ እዚ ዝርእዮ ከምዚ እዩ እዚ ሕማቅ እዩ ማለትድዩ ክብለኒ ይኽእል። ኰይኑ ኰይኑ ግን ነቲ ሕማቅ ነገር ክፍኣት ዘንጸላለዎ ነገራት ምልላይ የድልየካ እብሎ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ክምህረካን ክመርሓካን ንልብኻ ከፊትካ ምጽባይ ዓቢ ጥበብ እዩ። ንሕሙም ልቢ ሓጢኣት ንዝመልኦ ልቢ ንነገራት ከምዘለውዎ ክርኢ ንዘይክእል ልቢ ናብ ምሉእ ብርሃን ኣምጺኡ ዝምህርን ብርሃን ልቢ ዝዕድልን ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ።”

“እነሆ እምበኣር በዚ መንገዲ እዚ ኢና ልብና ክበርህን ንእግዚአብሔር ኣብ ምርኣይ ክንበጽሕን እንኽእለሉ ጐዳና እዚ እዩ። ኣብዚ ናይ ብፅዕና ምርኣይ እግዚአብሔር እታ መጻኢት ኣብ መወዳእታ ዓለም ምስ እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ኰና እንረኣኣየላ ኩነት እውን ትምልከት ከመይ እታ ምርኣይ እቲኣ ንክርረኽባ ንጐዓዛ ዘሎኣን ታሕጓስ መንግሥተ ሰማያት ኣሎ። ካልእ ጐድኒ እውን ኣሎ ንእግዚአብሔር ምራእይ ማለት ነቲ ንሱ ዘቅርበልና ሓልዮታዊ መደባቱ ኣብ ሕይወትና ርኢኻ ምኽኣል ንሱ ብምሥጥራቱ ብሥምረት ኣሕዋት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ድኻታትን ዝሳቀዩን ኣብ መንጎና ከምዘሎ ፈሊጥካ ርኢኻ ምኽኣሉ የጠቃልል።”

“እዛ መንገዲ ብፅዕና እዚኣ ፍረ ናይተን ኣቀዲምና ዝረኣናየን ሓሙሽተ መንገዲ ብፅዕና እውን እያ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝተመልከትናዮ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽምኢ ናይ ሠናይ ነገርስ ነገርስ ምሕረት ናይ ምግባር ሃረርታ ነታ ናብ ሰማይ ገጽና ዝጀመርናያ ጒዕዞ ሕይወት ቅድስና ክሳብ ሰማይ የሰንዩና። እዚ ዲቅ ዝበለ ሥራሕ ኰይኑ ፈጻሚኡ ከኣ እንተደኣ ንሕና ኣፍቂድናሉን ቦታ ኣብ ልብና ሂብናዮን መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ ከኣ ሥራሕ እግዚኣአብሔር ኣብ ሕይወትና ኰይኑ ኣብ ፈተናን ንሕወትና ኣብ ምጽራይን እዚ ሥራሕ እግዚአብሔር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ናብ ዓቢ ሓጐስ ናብ ሓቀኛ ሰላም ስለዘብጽሓና ኣይንፍራህ መዓጹ ልብታትና ንመንፈስ ቅዱስ ንኽፈተሉ በዚ ከኣ ልባትና ከንጽሓልና እሞ ናብ ምሉእ ሓጐስ ገጽና ናብ እንገብሮ ጉዕዞ ክነድህብ ኢና። ]”

ብድምጺ ንምክትታል!
01 April 2020, 13:17