ናይ ር.ሊ.ጳ. ደስ ዘብል ኣመት ኣብ ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ ስሞም ናይ ር.ሊ.ጳ. ደስ ዘብል ኣመት ኣብ ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ ስሞም 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ደስ ዘብል ኣመት ኣብ ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ ስሞም

“ሓሴት ክርስቲያን ካብ ምቕባል ኣብ ምሃብ እዩ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሚያዝያ) ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስሞም ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ጸገ በረኸት ካብ ምቕባል ንሶም ንኻልኦት ይልግሱ” ነዚ ዝበሉ ሓዋርያዊ ቤተ መጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣስዒቦም ቅርበትን ፍቕርን ቅዱስ ኣቦና ዝምስክር እዩ

ዕለት 23 ሚያዝያ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ኣብ ዝበዓለትሉ ዕለት፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዓል ቅዱስ ስሞም ዘኪራ ከምዘወዓለት ክሕበር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ንሮማንያን ስፓይናን ኢጣሊያን ነቶም ብለብዒ ኮቪድ ተህዋስ ንዝጥቕዑ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ንዘድልዮም ዘገልግል ነተን ኣዚየን በዚ ኮቪድ - 19 ንዘተጠቕዓ ሃገራት ናይ መሳርዕ መስተንፈሲ ከምዝለገሱን፥ ቅድም ክብል ዕለት 27 መጋቢት ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ሕክምና እቲ ኣዚዩ ኣድላዪ ዝኾነ መሳርዕ ሕክምና ከወፍዩ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡ ብምኽንያ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስሞም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልኽቲ ከምዝበጸሖም ልእኽቲ ጋዜጠያን ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ምቕባል ምሃብ (ምልጋስ) እዚ ወንጌላዊ ቅዶት እዩ፡ ቅዱስ ጊዮርኪስ ሰማእት ኣብ 303 ዓ.ም. ናይ ሮማ ንጉስ ዲዮክለዚያኖ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ኣሳዶ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ እምነት ኣይክሕድን ብምባሉ ዝተቐትለ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 23 ሚያዝያ ብመስቐል ተኸዊሉ ገበል ክቐትል እንክሎ ዘረእይ ትእምርቲ ዓወት እምነት ኣብ ልዕሊ መንፈስ ክፍኣት ዝምስክሮ ብፍሉይ እነስተንትነሉን እነቃልሓሉን ዕለት እዩ፡ እምነት ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ሰዓርነቱ ዝተመስከረሉ ዕለት።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ ስሞም በዓል

ቤተ ክርስቲያን ምስ እዚ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣተሓሒዛ ናይ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስሞም ተብዕል። ቅዱስነቶም ቅዱስ ስሞም ኣብ ዘብዓልሉ ዕለት፡ መሳርዕ መስተንፈስን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ፍሉይ መረጼን ነቶም ኮቪድ 19 ንምዳህ ብግንባር ቀደም ንዘገልግሉ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓገዝ ክምዘቕረቡን፡ እዚ ኹሉ ኣብቲ ነቶም ብኮቭድ - 19 ኣዚዮም ዝተጥቕዑ ኣብ ከቢድ ፍወሳ ንዝርከቡ ዘገልግል ናይ ሕክምና መሳርዕ ናብ ሮማኒያ እታ ናይቲ ለብዒ ማእከል ኮይና ንዘላ ንኸተማ ሱቸኣቫን ኣብ ኢጣሊያ ንከተማ ለቸን ኣብ ስፐይን ንከተማ ማድሪድን ከምዝለገሱ ካፐሊ ሓቢረን።

ፍቕሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

“ሓሴት ክርስቲያን ካብ ምቕባል ኣብ ምሃብ እዩ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሚያዝያ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስሞም ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ጸገ በረኸት ካብ ምቕባል ንሶም ንኻልኦት የቕርቡ” ነዚ ዝበሉ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ መጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ፥  ኣስዒቦም ቅርበትን ፍቕርን ቅዱስ ኣቦና ዝምስክር እዩ፡ ሮማኒያ ነዚ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ብዓቢይ ጸገም ተሕልፎ ኣላ፡ ኣብታ ሃገር እታ ብኮቪድ 19 ኣዚያ ዝተጠቕዔትን ናይቲ ለብዒ ኣብ ሮማንያ መበገሲት ተባሂላ ናብ ዝንገረላ ንእሽተይ ከተማ ኣሱቸኣቫ ናብ ዝርክከብ መእለዪ ህሙማን ኮቪድ 19 ቅዱስነቶም ብቁሳውን መንፈሳውን ድጋፍ ቅርበቶም የረጋግጹ። ኣብ ሮማኒያ ኮቪድ -19 ካብ ዝተራእየሉ ክሳብ ሎሚ 515 ዜግታት ከምዝዓረፉን 10 ሺሕ ዝግመቱ በቲ ተህዋስ ከምእተለኽፉን እቲ ናብ ሮማኒያ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ዘድልይ ናይ ሕክምና መሳርዕ እቶም ንኢጣሊያ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሓገዞም ንምቕራብ ካብ ሮማኒያ ተላኢኾም ኣብ ከተማ ለቸ ከገልግሉ ዝጸንሑ 10 ሓኻይም 7 ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሮማንያውያን ነቲ መሳርዕ ከብጽሑ ምዃኖም ካርዲናል ክራየውስኪ ኣፍሊጦም።

ሓገዝ ንስፐይንን ኢጣሊያን

እቲ ንሰፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ቅዱስ ኣቦና ዝለኣኽዎ ሓገዝ ኣብ ስፐይን ብዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ብናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ካርሎስ ኦሶሮ ሲየራ ዝበጽሕ ክኸውን እንከሎ፡ ስፐይን ክሳብ ዕለት 9 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ ዕጽውቲ ኮይና ኵሉ ተወሺቡ ክጸንሕ መንግስቲ ከምዝወሰነን፡ ክሳብ ሕጂ 208 ሺሕ ብኮቪድ - 19 ከምእተለኽፉን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጓነፎም 21 ሺሕ ከምዝበጽሑን 86 ሺሕ ከምዝሓወዩን ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥ ቅዱስነቶም ንከተማ ለቸ ዝለገስዎ ሓገዝ ዕለት 23 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ባዕሎም ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ከምዘብጽሕዎን ብጹዕነቶም ካብ ለቸ ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ኣብ ከተማ ናፖሊ ምብጻሕ ከካይዱን ሮማ ንዝርከቡ ድኻታት ዝበጽሕ ካብ ሰበኻ ናፖሊ ዝተለገሰ ናይ ኣፋውስ ሓገዝ ተረኪቦም ንሮማ ክምለሱ እዮም።  እዚ ሓገዝ ኣፋውስ`ዚ ካብ ናፖሊ ዝተለኣኽ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሕጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ንዘካይድዎ ዘለዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ግብረ ሰናይ ንምምስጋንን ቅርበት ንቕዱስነቶም ንምምስካርን ዝኣመተ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን። ቅድም ክብል ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ በዓለ ፋሲና ናብ ናፖሊ ቤት ሕክምና ኮቱኞ ናይ መስተንፈሲ መሳርዕ ከምዝለገሱ ካፐሊ ኣዘኻኺረን፡ ኣብ ፓናማ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተሰርሐ መቑጸርያ ንናይ ሰበኻ ሚላኖ መንእሰያት ከምዝለገሱን ናይ በዓል ፋሲካ መግለጺ ህያብ እውን ኣብ ሮማ  ክፍለ ከተማ ተርሚኒ ናብ ዝርከብ ናይ ቤተ ክርስቲያ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ጨንፈር ኢጣሊያ ኣብ ዘመሓድሮ ማእከል ንዝእለዩ ድኻታት ከምዝለገሱ ካርዲናል ክራየውስኪ ከምዘዘኻኸሩ ሓቢረን።

ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ስሞም ዝተመሓላለፉ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሚያዝያ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስሞም ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከምዝበጸሖምን ከም እንዝክሮ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን  ንኢጣሊያን ንመላእ ዓለምን ንዘመሓላልፍዎ ዘለዎ ውዕዉዕ ናይ ሕይወትን ተስፋን መልእኽቲ ጠቒሶም ንቕዱስነቶም ከምዘመስገኑ ካፐሊ የዘኻኽራ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ደስ ዘብል ኣመት ኣብ ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ ስሞም
23 April 2020, 21:22