ሳልሳይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ሳልሳይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 

ሳልሳይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም

“ቋንቋ መንፈስ ቅዱስ፥ ቀዳምነት ንኻልኦት፡ ንድኹማትን ንዝተናዕቁን ትሑታንን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ንጸጋ ምቅዋም ዝብል ከኣ ነቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ቋንቋ ኣይፋል ዝብል እዩ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ዝርከብዎም ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ምኽንያት  ክሳብ ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም ዝቕጽል ብቕዱስነቶም ብዝተሓርዩ ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ብዝቐርብዎ ቃለ ኣስተንትኖን ስብከትን ተመሪሑ ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ዞባ ላዚዮ ከባቢ ከተማ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ከምእተጀመረን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሱባኤ ካብ ሃገረ ቫቲካን ኰይኖም ይከታተሉ ከምዘለዉ ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ዝዝከር ኰይኑ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ቦቫቲ ዕለት 3 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ፥ ብዛዕባ እቲ ሰለይ እናበለ ዝሰፍሕ ዘሎ ብገዛእ ርእሰይን ንገዛእ ርእሰይን ዝብል ይግብኣኒ በሃላይ እግዚኣብሔር ዝነጽግ ባህሊ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ባህሊ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሳ ሓላፍነት እንተለዋ ገዛእ ርእሳ ትመርምር ቢሎም፡

ምስ ሙሴ፡ ነቲ ሰናይ ዝብል ዘቖሞ ክልሰ ሓሳብ፡ ንናይ ምስሪ ረብሓ ዝምልከት፡ ካልኦት እውን ነዚ ናይ ምስራውያን ረብሓ መጋበርያ ንኽዀኑ ዝድርኽ ኣገባባትን፡ ብቐዳምነትን እንኰን ንናይ ምስሪ ጥራሕ ዝብል ፈሮዖናዊ ኣገባባት ኵሉ ኣይፋል ንበል፡ እግዚኣብሔር ርእየታት ኵሉ ዝቕይር ምዃኑ እውን፡ ናይቶም ኣብ ምስሪ ዝነበሩ መጻእተይናታትን ውጹዓትን ዝምዝመዙን ዝሓስብ፡ እቶም ፈረዖናዊ ስርዓት ዘቃልሖ ክብርታት ዝበሃሉ ክብርታት ዘይምዃኖም ዘቓልዕን ካልእ ልዑላን ክብርታት የስተርእይ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ንመንፈስ ቅዱስ ምቅዋምን ዝብል ክልተ ቃላት ብምቕራብ፡

“ቋንቋ መንፈስ ቅዱስ፥ ቀዳምነት ንኻልኦት፡ ንድኹማትን ንዝተናዕቁን ትሑታንን ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ንጸጋ ምቅዋም ዝብል ከኣ ነቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ቋንቋ ኣይፋል ዝብል እዩ” ሙሴ፡ ውጹዓት ካብ መግዛእቲ ናጻ ከውጽእ ዝተላእከ፡ ፈረዖን፥ ብትዕቢት ተዋሒጡ “መን እዩኸ እቲ ጐይታ ቢሉ ዝሓትት፥ እቲ ዝነበረ መን ከማይ ዝብል ስርዓት ሎሚ እውን ዘርአይ ኵነት እዩ፡ ነቶም ናይ ምልካውያን ስርዓት ኣይፋል ዝብሉ ይሳደዱን ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት እውን ይቃልዑ።

ፈረዖን ዝጥቀመሉ መጋበርያ ዘይምጥቃም፡ …. ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣገባብ ትዕቢት ኵሉ ኣብ መነባብሮና ብለውሃትን ብሰማእትነትን ብዝብሉ ክብርታት ብምትካእ ክእገድ ኣለዎ፡ …. ቢሎም ነዚ ኣብ ተቕዋማትናን ኣባይትናን መጻወዲያኡ ዝዝርግሕ ሓጢኣት፡ ንኣብነት ውዲት ምእላምን፡ ገንዘብን ናይ ካልእ ቦታ ምግባትን ወረራን ተንበርካኽነትን ግዙዝነትን ዝኣመሰሉ፡ እዚ ናይ ዓለም መንፈስ እምበር ናይ ጐይታ መንፈስ ኣይኰነን፡ … ኣብ እዋናዊ ዓለም ንእግዚኣብሔር ምንጻግ ዝብል ዕቡይነትን ትምክሕተይናነትን፡ ንእግዚኣብሔር ምእዛዝ ዝነጽግ፡ … ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ወሳንነትን ብዝብል ምስምስ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትን፡ ገባርን ሓዳግን ኣነን ባዕለይን ዝብል ባህሊ፡ …. ንክርስቲያን ነዚ ባህሊ’ዚ ብምንጻጉ ምኽንያት ሎሚ ንተነጺልካን ተገሊልካን ምንባር ዘቃልዕ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብዚ እዉን እዋን፥ ፈሪሃ-እግዚኣብሔርን ተኣዝዞ ንእግዚኣብሔርን ዝጻረር ወይ ዝነጽግ ዝሰፍሕ ዘሎ ህልዩ (ዘይቤ) ካብ ምዕራብ ዓለም ዝመንጨወ እዩ፡ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ እምነት ክርስትናን ምርሓቕ፡ … ንናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ምንጻግ፡ … እዚ ዓይነት ንእግዚኣብሔ ኣይፋል ምባል ካበይ እዩ ዝነቅል? ስለምንታይ እዩኸ ንብዙሓት ዝማርኽ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣብዚ ክደት’ዚ ናትና ሓላፍነት እውን ከይህሉ ገዛእ ርእስካ ምሕታትን ምምርማርን የድሊ፡ … ንጸጋ እግዚኣብሔር ዕርዲ ምቛም፡ ብኻልእ መዳይ እውን ፈረዖናውነት፡ ገዛእ ርእሱን ስርዓታቱን ኵሉ ጥራሕ ዝብል፡ ናይ ነቢያት ድምጺ ዘናሽውን ኣይፋል ዝብል፡ ምልዋጥን  ምዕዳውነትካ ቀይር ዝብል … ምልዋጥ ዝብሉ ኵሎም ነቢያት ዕቡዳት ሚሳላውያን ዝብል …. እዚ ናብ ናይ ገዛእ ርእስናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ኣምጺእና ንመልከቶ፡ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ሊጡግሪያን ኣብ ኣገባብ ትምህርተ ክርስቶን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ … ለውጢ ዘይምድላይ።

ፈረዖን ሙሴ ዘቕረቦ ሕቶ ኣብ ምንጻግ ጥራሕ ኣይዓገበን፡ ከብዚ ሓሊፉ እውን ናይቶም ኣብ ምስሪ ተገዚኦም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ናይ ዕዮ ኵነት እዚዩ ከቢድ ክኸውን ይገብር፡ ነቲ ሙሴ ዘቕረቦ ሕቶ ናጽነት ፈርዖን ከም ትህኪት ይርድኦ፡ ዘተ ይነጽግ። … ሕገይን ስርዓተይን ፍጹምን እቲ ዘገድስ ፍርያም ምዃን፡ መኽሰብ … ጥራሕ ዝብል፡ እቶም ናይ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቅ ኣባ ቦቫቲ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ፥ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 78 ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ሱባኤ ንዝሓበሩ፡ ንጸሎትን ኣስተንትኖን ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ምንጻግን ወይ ምቕባልን ጸጋ፡ ንለውጢ ምቕባል ወይ ኣይፋል ምባል፡ ገዛእ ርእስኻ ኣዕቢኻ ምርኣይ፡ ዝበለጽኵ እየ ምባል፡ ወይ ከኣ ትሕትና ምንባር እዩ … እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ሳልሳይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም
04 March 2020, 17:09