ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብጸሎት ንከሰንዩና መሪጾም ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብጸሎት ንከሰንዩና መሪጾም   ርእሰ ዓንቀጽ

እናኣሰነዩና ን7ዓመት ናይ ዝመርሑና ር.ሊ.ጳ ዝኽሪ ዓመት!

ምዝዛም ሻብዓይ ዓመትን ምጅማር ሻምናይ ዓመትን ተልእኮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣጋጣሚ ኰይኑ ምስዚ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ይዝከር ኣሎ። ከምቲ ዝብልዎ ከኣ እዚ ዘመልክተልና ‘ሓሙዂሽቲ ምዃና ኰይኑ እንተኾነ ብእግዚኣአብሔር ዝተፈቀርና ክቡር ሓሙዂሽቲ ምዃና እውን የረጋግጸልና`።

ኣንድረያ ቶርንየሊ

ኮቪድ 19 ዝብል ስያሜ ዝተዋህቦ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ኣሻቂሉ ዘሎ ሕማም ለበዳ ኮረና ቫይሩስ ኣብዚ ምጅማር ሻሙናይ ዓመት ተልእኮ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዘቅርበልና ጻውዒት እንተልዩ ኣተኲሮና ኣብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ነገራት ክንገብርን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝገበርናዮ ዝኽርታት ፍልይ ዝበለ ምዃኑ የገንዝበና። ኣብዚ ዕለታት እዚ ዘሎ ሸበድበድን ጸገማት ናብራን ነፍሲወከፍና ነናትና ግምትን ትርጉምን ክንህብ ኣብ እንቃለሰሉ ዘሎና ግዜ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ግን ብጸሎት ንከሰንዩና መሪጾም ንኩሉ ኣብ ኣማልድነት እግዚእትነ ማርያም ብምምሕጻን ዕለት ዕለት ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ብዘዕርግዎ ኩነታት ብዝፈጠሮ ጸገም ከኣ ብቀጥታ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ይመሓላለፍ ኣሎ።

ከም ማንም ቆሞስ ንግሆ ንግሆ ብቀጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ንዝብሎን ኣብ ልቦም መንፈስ ቅዱስ ንዘስተፈሰሎምን ብቀጥታ ምስ ምእመናኖም ክሳተፉ ከለው ፍሉይ ትርጉም ተልእኮ ርእሰ ሊቀ ጵጵስና የመልክተልና። እዚ ከኣ ዕለት ዕለት ከመይ ገርካ ምእመናንካ ከም እተሰኒ ብተግባር ዘመልክት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነቲ ስብከቶም ኣብ ፈቀዶ ጋዜጣታትን መረብ ሓብሬታን እሞ ከኣ ብዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ዝዳሎ ዝነበረ ሎሚ ብቀጥታ ካብ ኣፎም ክሰምዕዎ ምኽኣሎም ምሳኡ ከኣ ነቲ ቅዳሴ ኣብ መባእታ ከምዝገልጽዎ ምእንቲ ሕሙማትን ሥድራቤታቶምን እሱራትን ዝተፈላለየ ሓሳባትን ከምዘቅርብዎ ክገልጹ እንከለው ብሓቂ ዘጸናንዕ እዩ።

ኣብ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ጾመኣርባዓ ኣብ ዝጅምረሉ ንጾመ ነነዊ እተዘከር ሮቡዕ ናይ ሓሙዂሽቲ ገና እዚ ሎሚ ዘንጸላሉ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ከይጀመረ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ነዚ ጾመኣርባዓ እዚ ሓሙዂሽቲ ኣብ ርእስና እናነስነስና ሓመድ ምዃካ ዘክር ኣብ ሓመድ ከኣ ክትምለስ ኢኻ እናበልና ንጅምሮ ኣሎና። እዚ ከኣ ናብ መሬት ክንምለስ ምዃና የዘኻኽረና። ድኹማት ኢና ተኣፈፍቲ ኢና መወቲ ኢና። ኣብ ጉዕዞ ኣዝማንን ሕይወትን ንዕዘቦ ነገር እንተሃልዩ ምስ ዓቢ ሃዋኍን ፍጥረቱን እንክንነጻጸር ዳርጋ ኣብ ኍዋ ንእሽቶ ደሮና ኢና። ኰይኑ ብእግዚኣአብሔር ዝተፈቅረ ድሮና ኢና። ጐይታ ነዛ ደሮና ዝኾነ ህላዌና ኣብ ኢዱ ክሕዛ እማ ሕይወት ዝህብ መንፈሱ ኡፍ ክብለላ ፈተወ። በዚ ከኣ ንዘለዓለም ክነብር ዝተወሰና ክቡር ደሮና ክቡር መሬት ክቡር ሓመዂሽቲ ኰና። መሬት ኢና ኰይኑ እግዚአብሔር ሰማዩ ዝዘርገሓሉን ሕልምታቱ እንውንንን መሬት ኢና። ተስፋ እግዚኣአብሔር ኢና ክቡር መዝገቡ ኢና ክብሩ ኢና ከመይ ንክብሩ ፈጢሩና’ ምስ በሉ ‘ከም ፍቊራት ደቂ እግዚአብሔር ኰና ምእንቲ ክንነብር ምሳኡ ክንዕረቅ ነፍቅድ ከም ዝተማሕሩ ሓጢኣተኛታትን ከም ዝተፈወሱ ሕሙማትን መሰነይታ ዘለዎም ተጐዓዝትን ንክንከውን ነፍቀደሉ። ንከነፍቅር ክንፍቀር ነፍቅድ። ክሳብ እታ ናይ ጒዕዞና ዕላማ ዝኾነት ፋሲካ ዳግም ተንሲእና ንክንጐዓዝ ነፍቅደሉ። በዚ ከኣ እግዚአብሔር ካብቲ ሓመድና ከምዝተንሰኣና ምስ ፈለጥና ክንሕጐስ ኢና።’ ኢሎም ነበሩ።

ነዚ ጠመተ እዚ ንምስካር ከኣ እዮም ዝሓለፈ ዕለት 10 መጋቢት ኣብ ምጅማር ቅዳሴ ስለ ካህናት ንጸሊ ኢሎም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ስለካህናት ጸልዮም `ካብ ዘሎኹምዎ ውጽእ ኢልኩም ንሕሙማትን ንዘሰንይዎምን ንወለኝተናታትን ሓይሊ ቃል እግዚኣአብሔርን ቅዱስ ቊርባንን ንክተስንቅዎም  ትብዓት ይሃሉኹም’ ኢሎም ነሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

13 March 2020, 18:31