Papa: critichiamo giovani ma togliamo loro il futuro Papa: critichiamo giovani ma togliamo loro il futuro 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ ንኻልእ ቀረባ ምዃን ሓሴት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ሰበኻታት - ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሕሪ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝደረስዎ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣማእኪሎም

“ንኣኻ መንእሰይ … ተንስእ ኣብለካ ኣለዀ”፥ ዝብል ኣርእስቲ መርሕ ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. በቢ ዓመቱ ምስ በዓለ ሆሳዕና ተተሓሒዙ ብሰበኻ ደረጃ ንዝበዓል ዓለም ሓቆፍ ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት መልኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብዚ ለምዘበን ዝበዓል መበል 35 ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መንእሰይ ወለዶ ንሕይወት መጻእተይና ኰይኑ ካብ ምንባር ተቖጢቡ ናይ ሰናይን ጽቡቕን ኵሉ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውንን፡ ንዓለምን ንቤተ ክርስቲያንን ግብሩምን ጽቡቕን ዝዀነ ተግባር ክፍጽምን የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነገራት ኵሉ ብርሑቕ ዝምልከተካ ገርካ ንኽትነብር ዝድርኽን ፍጻሜታት ኵሉ ርሕቕ ቢልካ ብናይ ኢድ ተለፎን እናሰኣልካ እትርእዮን ኣባኻ ቡቕባቔን ሓልዮትን ንኸይበራበር ዝገብር ኣገባብ፡ ብሓባር ግና ኣብ ብሕትውና ዝዀነ ዓይነት ኣብ ማሕበራዊ መረብት ኣብ ዝንበር ምናባዊ ማሕበረሰብ ምዃን ኣወግዱ፡ ብዘይ ምጥማት እትርእዮ፡ ብዘይ ምስትውዓል እትምልከቱ፡ ኢየሱስ ነቲ ሕዝቢ ረኣዮን ራሕራሓሉን ደንገጸሉን … ካብዚ ዓይነት ምንባር ዘርሕቕ መገዲ ንመእሰይ ወለዶ  ናይ ሓሴት መገዲ ተመሲሉ ይቐርበሉ፡ ስለዚህ ካብዚ ተምሳል ሓሴት ግና በይናውነትን ጭንቀት ካብ ዝፈጥር መገዲ ኵሉ ንኽእለዩ ይምዕዱ።

ትኵር ጠመተ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ሰበኻታት - ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሕሪ እቲ ዛዕባ መንእሰያት ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝመኸረ ሲኖዶስ ዝደረስዎ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣማእኪሎምን ነቲ በቢ ክልተ ዓመት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሊስቦና ንኽካየድ ዝወሰንዎ መደብ እናሓሰቡ፡ ጸልማትን መጻወዲያታትን ብምልላይ ናብ ናይ ሕይወት ብርሃን ነኸብሉን እዚ ከኣ በቲ ካብ ምውዳቕካ ዘተስኣካ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከም እተፈቐርካ ካብ ምስትውዓል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ነቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 11-17 ኢየሱስ ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ከም ዘተንስአ ዘዘንትው ታሪኽ ጠቒሶም፡ ውሑዳት ሰባት ነቲ ዝሞተ ወዲ መበለት ናይን ተሰኮኪሞም ንኽቐብርዎ ኣናተጓዕዙ እንከለዉ ይርእይ፥ “ኢየሱስ ነቶም ቀባሮ ጉዕዞኦም ከይኰለፍ ናብኦም ይቐርብ፡ ቀረባኦም ይኸውን - ኣተኵይሩ ድማ ኩነታቶም ይጥምት፡ ናይታ ወዳ ዝሞታ ኣደ ቓንዛን መሪር ሓዘንን ተመልከተን ራሕርሓላን”።

ናይ ሕይወት ስቓይ

ኣጠማምታይ ከመይ እዩ? ብጥንቁቓትን ትኵራትን የዕንተይ ድየ ዝጥምት፡ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ኢድ ተለፎነይ ዘሎ ዘድሓንክዎን ኣብ ማሕበራዊ መረብት ተክለ ሰብነት ኣድራሻይ ከም ዘሎ ኣሳል ብቕልጡፍ እናገንጸልኩ ከምዝትምቶ ዓይነት ኣጠማምጣ እየ ዝርእይ” ብዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ናይ መንእሰያት ዕለታዊ ሕይወትን ኵነትን ብዕምቆት ይትንክፉ። ብዙሓት እክንዲ ዝነብሩ፡ ገዛእ ርእሶም ንምንባር ይሓድጉን ርሕቕ ኢሎም ይነብሩን፡ ብዝብል ሓሳብ ጭቡጥ ኩነት ሞት፡ ኣካላውን መንፈሳውን ስምዒታውን ማሕበራውን ሞት ጠቒሶም፡ … ሕይወት ንኸነብጽሕ እንታይ ክንገርብ ኣሎና? ብቕዛነት ተጸቒጦም “ተስፋ ኣጥፊኦም ዝሞቱ - ኣብ ኣፍኣውን ግዳማውን ምንባር ዝኣርጕ - ደረት ኣልቦ ብዝዀነ ተመክሮ ገዛእ ርእሶም ንሓደጋ ዘቃልዑ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉ፡ ብተረፍ መረፍ ዝዓግቡ፡ ገንዘብ ጥራሕ ዝሓስቡን ገዛእ ርእሶም ንኸደላድሉ ሸበድበድ ዝብሉ፡ ብዘጓንፎም ግላዊ ውድቀት ዝሳቐዩን፡ … እዚ ናብ ስቓይን ናብ ስልክይናን ኣብ ሕይወት ምርብራብን እናበለ ናብ ጓህን ጭንቀትን የበጽሕ።

ቀረባ ናይ ምዃን ክብሪ

ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ጉዕዞ ውሳጣዊ ሞት፡ ኢየሱስ ናይ ሕይወት ጐደና ይሕብረና፡ … ንኻልኦት ክፉት ናይ ምዃንን ብፍላይ ነቶም ኣብ ጸገም ዘለዉን ዝብል ፍኖት፡ “ኣብ ቅድሚ እታ ወዳ ዝሞታ መበለት ሓሳርን መከራን ብዘይ ሕይወት ንዝተረፈ ወዳን” ኢየሱስ ዝነብሮ ኩነት፡ ናይታ ኣደ ስቓይ ናቱ ምግባር እዩ፡ ናይታ ኣደ ስቓይ ናቱ ይኸውን፡ ናይቲ ዝሞተ ወዳ ሞት ኢየሱስ ናቱ ይገብሮ”፡ እቲ ወንጌል ዘቕርበላ ዝጊንጢር ዝዀነ ሓቂ ንሱ እዩ፥ ክቡራት መንእሰያት “ምስ ዝነብዕ እትነብዑ እንተድኣ ኰይኖንኵም ሓጐስ እንታይ ማለት ክትፈልጡ ኢኻትኵም” ከምቲ ኢየሱስ ነታ ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ቀረባ ዝዀና ንስኻትኵም ቀረባ ምዃን ምስ እትፈልጡን እትነብሩን ከምቲ ሞይቱን ንሕይወት ዝተመልሰን ንስኻትኵም እውን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ክትሰጋገሩ ኢኻትኵም”።

ዳግም ህያው ዝገብር ቃል

ናይ ኢየሱስ ቃል ነቲ ኵሉ ምኽንያታዊ ዝበሃል ቃል ሰገር እዩ፡ … ነቲ ኣብዛ ዓለም ኵሉ ጸገማትን ሽግራትን ዝፈትሑ ተኣምራውያን ቃላት እናተባህሉ ዝንገሩ፡ “ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተኣማመን  ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብቕዓት ጥራሕ ኣለልይ ( … ) ዝብሉ ቃላትን ምኽርታትን፡ እዚኣቶም ተራ ቃላት እያቶም፡ ናይ ኢየሱስ ቃላት ግና ልዑልን ዘለኣለማውን እዩ፡ መለኰታውን ፈጣርን ኣብቲ ሕይወት ዝጠፈኣሉ ሕይወት ዝውልዕ፡ ርክብ እምበር ልክዕ ከምቲ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ዝተራኽበ ግና ንበይኑ ዘንብር ዓይነት ተራኽቦነት ዘይኰነ ቢሎም ኢየሱስ ነቲ ሞይቱ ዝነበረ መንእሰይ ተንስእ እንክብሉ ዝተዛረቦ ቃል ጠቒሶም፡ መንእሰያት ተንስኡ፡ ተንስእ ማለት ሕለም ማለት እውን እዩ፡ ስግኣት ኣይትፍራሕ ማለት እውም እዩ፡ ዓለም ንምቕያር ኣይትፍራሕ ማለት እዩ፡ ድላይካ ኣበራብር፡ … ።

ገዛእ ርእስኹም ኣስምዑ

“ኢየሱስ ንገዛእ ርእሱ ዘገድሶ፡ ከምቲ ስራሕካ ግብረ ዝበሃል፡ ዝምልከተኒ ጥራሕ ዝብል ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንወዲ እታ መበለት ካብ ሞት ኣምበይመተንሰኦን” እንክብል ሓደ መንእሰይ ዝበሎ ዛንታ ዘኪሮም፡ መንእሰያት እንታይ እዩ ሓንቀውታዅምን ሕልምታትኵምን ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ሓንቀውታዅምን ሕልምታትኩምን ኣለሊኹም ንዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ኣቕርብዎ፡ ንኻልኦት መንእሰያት እውን፡ ኣብ መንፈስዊ መዳይ ጽባቔን ስነ ጥበባውን ማሕበራውን ዝዀነ፡ ብናይ ትውልዲ ቋንቋይ ሃጋን ሊዮ! እብለኩም ትርጉሙ ኸኣ ድምጽዅም ኣስምዑ፡ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ ንኻልእ ቀረባ ምዃን ሓሴት እዩ
07 March 2020, 17:51