ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኦ ማርያም ኣባኺ ንምዕቆብ

ትሕቲ ጽላልኺ ዑቕባ ነናድይ፡ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽ፡ ኣብ ፈተና እንርከብ ንኣና ደቅኺ ኣይተሕፍርና ካብ ሓደጋ ኣድሕንና ኦ ክብርትን ዝተባረኽን ድንግል!

ኣብዚ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ጥዕናን ሕክምናን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማን ኢጣሊያን መላእ ዓለምናን ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ በማላድነት ቅድስቲ ማርያም ረዳኢተ (ፈውሲ) ህሙማንን ድሕነት ሮማውያንን ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት ከም ትእምርቲ ድሕነትን ተስፋን ንሓለዋኣ የማዕቁቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ኮቪድ 19 ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ጥዕና መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኣዊጆም ሮማ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መለኰታዊ ፍቕሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ምኽንያት እውን ኣብ መንጐ ሰባት ምርኻብን ሰላም ምብህሃልን ኣብ እኩብ ቦታ ምርኻብን ክልኩል ብምዃኑ ብኣካል ምእመናን ዘየሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ቅድሚ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ጸሎት ር.ሊ.ጳ.

ኦ ማርያም ንስኺ ወትሩ ኣብ ጉዕዞና ከም ትእምርቲ ድሕነትን ተስፋን ትዅልዒ፡ ገዛእ ርእስና ነዓኺ ኣብ ትሕቲ መስቀል እምነትኪ ኣጽኒዕኪ ኣብ ስቓይ ኢየሱስ ዝሓበርኪ ረዳኢተ ሁሙማን ነማዕቁብ፡ ንስኺ ድሕነት ሮማውያን፡ ድሕሪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ እዋን ፈተና ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ሓሴትን እውነተይና በዓልን ክምለስ ዝገበርኪ ዘድልየና ኩሉ እትፈልጢ ኢኺ እሞ ስለ ሓልዮትኪ ኣይንጠራጠርን፡ እኖ መለኰታዊ ፍቕሪ ደግፍና፡ እቲ ስቓይና ናቱ ገይሩ ብመስቀሉ ኣቢሉ ናብ ናይ ትንሳኤ ሓሴት ዘቕነዖ ኢየሱስ ዝበለና መታን ንኽንፍጽም ኣብ ፍቓድን ድላይን ኣቦ ኣጽንዕና፡ ኣሜን!

ትሕቲ ጽላልኺ ዑቕባ ነናድይ፡ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽ፡ ኣብ ፈተና እንርከብ ንኣና ደቅኺ ኣይተሕፍርና ካብ ሓደጋ ኣድሕንና ኦ ክብርትን ዝተባረኽን ድንግል!

ዝብል ጸሎት ከምዝዕረጉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኣብ ጸሎት ሕቡራት

“ኵላትና ብሓቂ ኣብዚ ንርከብ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያንን፡ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን እውን” ነዚ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ “ማርያም ኣብዚ ምሳና እያ፡ ምልዶታ ንሕተት … ኣብዚ ኣብ እዋን ኮሮና ተህዋስ ምስ ብዙሕ ጭንቀት ኣብ ዘለናሉ ምሳና ኵኒ … ኣብ ወጅሂ ኵሉ ንርእያን ኣብ ልብና እንሰምዓን ኣደ” ጭንቀት ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ኢየሱስ ቅድሚ ሕማማቱ ዝነበሮ ሰብኣዊ ኩነት፡ “ነፍሰይ ኣባኻ አማዕቁብ ዝብላ ናይ ጭንቀት ቃላት እዚኣተን ኣብ መስቀል ህይወቱ ክትሓልፍ ዘድመጸን እያተን፡ ካብ እግዚኣብሔር ክምንዝዓና ዝኽእል ሓደ ሓይሊ እኳ ከምዘየለ ዘረጋግጸልና ቀጻልነት ምስትውዓል ኣብ ልቢ ኢየሱስ፡ … ሞት እውን እንተዀነ ካብ እግዚኣብሔር ኣይፈልየናን፡ ሕይወትና ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ነማዕቁብ፡ ኣብ ቅድሚ ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብራኽና ዓጺፍና ሰብኣውነትና ክዕቅብ መታን ንኣኡ ነቕርበሉ፡ ኣብኡ ንዅላትና ከተሕቛቑፈና እዩ፡ … ኣብታ ዕለት እውን ሰበኻ ሮማ ነቶም ነቲ ተላባዒ ሕማም ኮቫዲ 19 ዝዓዩ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ድጋፍ ዝውዕል መውሊ ከም እተኣከበ እውን ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ኣብ ፒዮስ 12 ናብ ፍራንቸስኮ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ንማርያም ገዛእ ርእስና ነማዕቁብ ዝብል ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ጸሎት፡ ፒዮስ መበል 12 ዕለት 11 ሰነ 1944 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኢግናጺዮ ተረኺቦም፡ ኣብ ሮማ ከቢቡ ዝነበረ ናይ ናዚ ስርዓት ሓይሊ ምክልኻል ክወጽእ እንከሎ ምስ መላእ ምእመናን ከተማ ሮማ ብሓባር ናብ ቅድስተ ማርያም መለኰታዊ ፍቕሪ፥

ኦ ማርያም መለኰታዊ ልብኺ ነቶም ብዙሕ እዋን ኣልቦ ሓሴት ንዝዀኑ ደቕኺ ኣርህውሎም፡ እቲ ኩሉ ብቅኑዕን እውንተይናን ትሕትናን ጽኑዕ እምነት ንዘቐርብ ዘበለ ኵሉ ዝጽገው ናይ ምሕረትን ሰናይን ሃብታት ኣውርድሎም፡ ንኸተማኺ ሮማ  ኣብ ቅድሚ እቲ ከቢድ ክፍኣት ኵሉ ዓቅብያ … ተኸላኸልላ፡ ካብቲ ሰባትን ሕዝብታትን ካብ ዘሕስር ኵሉ ክፍኣትን ሓጢኣትን ተኸላኸልላ፡ ካብቲ ዘሕለፈቶ ጽንኩር ኵነት ኣብ ግላዊ ሕይወትን ስድራ ቤታዊ ሕወትን ማሕብረሰብን ብርሃንን ዝበለጸ ሓይልን ክውሕዝ ግበሪ … ካብ እምነት ዝዀነ ክርስቲያናዊ ስልጣነ ብግብረ ፍትሕን ትሑት ፍቕርን ዝንበር ኣብነት ኣብ ሕዝቢ መታን ዳግም ክምለስ ..”

እንክብሉ ዘዕረገዎ ጸሎት ዘዘኻኽር ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይናን ዜና ቫቲካን ሎሞናኰ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ጠቒሶም የዘኻኽሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኦ ማርያም ኣባኺ ንምዕቆብ
12 March 2020, 17:12