ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ኣባይቲ ስድራ እውነተይና ፍቕሪ ዳግም ንኸለልዩ

እዚ ኣበይ እዩ ዝተማህረ ኣበይ መንበረ ጥበብ ኵን ዝተማህረ እዩ? ይብሉን ወዲ ማርያምን እቲ ጸራቢ ዕንጸይቲ ዮሴፍንዶ ኣይኰነን፡ እንታይ ዝብለና ክህልዎ እዩ፡ እዚ ቁጥዐ የለዓዕለሎም፡ እቲ ንኢየሱስ ዘድንቖን ክሰምዖ ባህ ዝብሎ ዝነበረ ሕዝቢ ክሰጐ ይለዓዓል

ዕለት 16 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ንህሙማንን ንኣባይቲ ስድራን ብፍሉይ ከምዝዘከሩን፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ብለበዳ ሕማም ኮቫዲ 19 ንዝተጠቕዑን ኣባይቲ ስድራ ዳግም ምስ እውነተይና ፍቕሪ ንኽራኸቡን ድጋፍ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ትዕቢት ኣወጊድና ንእግዚኣብሔር ሓደራ ነአንግድ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮቫዲ 19 ምኽንያት ብዋሕዚ መራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ዝተመሓለፈ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ምኽንያት ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ንዘይረኽቡ እናሓሰቡን ንህሙማንን ንኣባይቲ ስድራን ጸሎት ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፡

ምእንቲ ህሙማን ጸሎትና ኣይነቋርጽ፡ ኣብ ኣባይቶም ዝተዓጸዉ ኣባይቲ ስድራ እሓስብ፡ ንቤት ትምህርቲ ዘይፈሩ ዘለዉ ሕጻናትን መንእሰያትን፡ ካብ ቤቶም ኣውን ዘይወጹ ንዘለዉ ወለዲ፡ ገሊኣቶም እውን ዝተወሸቡን፡ ሓድሽ ኣገባብን ኣነባብራን ኣገላልጻን ፍቕርን ናይ ሓባር ናብራን ኣብዚ ሕድሽ ኩነት’ዚ ንኽረኽቡ ጐይታ ይደገፎም፡ እውነተይና ፍቕሪ እነስተባህለሉ እወታዊ ኵነት ይዅነልና፡ ስለ ኣባይቲ ስድራን ስለ ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ርክብን ዘተን እዚ ጽንኵር ኣዋንዝ’ዚ ሓድሽ ርክብ ዝጥጥዓሉ ክኸውን ንጸልይ።

ቢሎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ፡ ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1-15ን ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 24-30 ኣሞኵይዞም፡

ናይ ዕለቱ ቀዳማይን ወንጌልን  ንኸነስተንት ይድግፉና፡ ኣተኵሮና ዝስሕብን ሰብኣዊ ባህርይን ዘመላኽትን ኩነት፡ ቁጥዐ፡ ሕዝቢ ናዝሬት ንኢየሱስ ይሰምዕን ዝብሎ ዝነበረ ኵሉ እውን ባህታ ይፈጥረሉ ነይሩ፡ ገሊኣቶም ግና … እዋእ እዚ ኣበይ እዩ ዝተማህረ ኣበይ መንበረ ጥበብ ኵን ዝተማህረ እዩ? ይብሉን ወዲ ማርያምን እቲ ጸራቢ ዕንጸይቲ ዮሴፍንዶ ኣይኰነን፡ እንታይ ዝብለና ክህልዎ እዩ፡ እዚ ቁጥዐ የለዓዕለሎም፡ እቲ ንኢየሱስ ዘድንቖን ክሰምዖ ባህ ዝብሎ ዝነበረ ሕዝቢ ክሰጐ ይለዓዓል፡ ኣብ ንእማን እውን ለዋህን ንእምነት ኵፉትን ዝነበረ፡ ነቢይ መጺኡ ድማ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ክሕጸብ ምዝ ሓበሮ ይቑጣዕ፡ … ብዘይ እዚ ዅሉ ትእዛዝ እቲ ነቢይ ስም እግዚኣሔር ክጽውዕን ካብ ሕማመይ ከናግፈንን ሓሰብኵ እምበር  ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ሸዓተ ሻዕ ተሓጸብ ይበልኒ፡ ርሑቕ ከይከድካ ኣብ ደማስቆ ካብ ክሉ ማያት እስራኤል ዝበለጸ ማያት ኣባናን ፈርጳርንዶ የልቦን እንክብሉ ይቑጣዕ፡ ኣብኡ ክሕጸብን ክነጽሕንዶ ኣይምሓሸን ቢሉ ከኣ ናይቲ ነቢይ ምኽሪ ከይተቐበለ ተቖጢዑ ኣብ ገዛእ ውሳኔኡ ተሪሩ ከደ!

ኣብ ናዝሬት እውን፡ ጥዑም ሕዝቢ ነይሩ እዩ፡ ደሓር ግና ንኽቑጣዕ ዝደረዀ እንታይ ኮን ይኸውን፡ እዚ ዝኸፍኤ ዓመጽ ዘፈጽም፡ ኣብታ ናይ ናዝሬት ሙክራብ ዝነበረን ከምኡ እውን ንእማን እግዚኣብሔር ካብቲ ተራ ዝዀነ ኵሉ ወጻኢ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ዝግለጽ ጥራሕ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ተራ ዕለታዊ ሕይወት ዝግለጽ ገይሮም ኣይሓስቡን፡ ነዚ ተራነት ይንዕቕዎን፡ የቖጥዖም እውን፡ ኣብቲ ተራ … ኣብ ናዝሬት ኣብ እትርከ ቤት፡ ኣብ ተራ ዕለታዊ ናብራን፡ ኣብ ተራ ዝዀነ ጸሎትን፡ … እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ናብ ከንቱነት እዩ ዝመርሕ። ናብ ደጋውነትን ናብቲ ኣብ ዓመጽ ዝዛዘምን ኵሉ እዩ ዝመርሕ፡ … ንእማን በዓል ሰናይ ኣገባብ እዩ ዝነበረ፡ ይዅን ደኣ እምበር ነቲ ነቢይ መዓጸዉ ይዓጽው ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ የብል፡ እቲ ናይ ሙክራብ ሕዝቢ እውን ኢየሱስ ንምቕታል ይመክር፡ … ቁጣዐ ናብ ዓመጽ ዝድርኽ ዓቢይ ፈተና እዩ።

ቅድሚ ቁርብ መዓልታት ኣብ ናይ ኢድ ተለፎን ሓደ ዓቢይ ሕንጻ መንበሪ ዜጋታት ብምኽንያ ኮቫዲ 19 በራቱ ዝተዓጽወን ሓደ መንእሰይን ሓንቲ ዓባይ ሰበይትን ንኽወጹ ዝደልዩን ኣብቲ ናይቲ ሕንጻ ኣፈት ንዝነበሩን ዘበዐይና፡ ካብቲ ሕንጻ ንኽቐጹ ይሓትቱ እሞ እቶም ዘበዐይና ስለ ዝኸልከሎውም እቲ መንእሰይ ወጺኡ መን ኢኻ ንስኻ ኣይትውጻእ ኣይትእተው ኣትብለኒ ቢሉ ክሃሞም እንከሎ ዘርእይ ስእሊ ዘርኣዩኒ፡ ቁጥዐ ናብ ዝኸፍኤ ዓመጽ ዝድርኽ ምዃኑ የረጋግጽ፡ …

… ከምዚ ዓይነት ቁጥዐ ኣባና እውን ክኽሰት ዝከኣል እዩ፡ … ናይ እግዚኣብሔር ተራነትን ዕንቅፋት ዝዀኖም፡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንት ከምዝብልዎ፡ “ዕንቅፋት ኣብ ተራነት” ማለት እዩ… ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ድኻታትን ተራነት ባህ ዘየብሎን ዘቖጥዖን፡ … እዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣይኰነን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ከምዝን ብኸምዝን ዝኣመሰለ ኣገባብ ዝግለጽ ኣይኰነን ናተይ እግዚኣብሔር ሊቕን በሊሕን ምሁርን ኣድላዪ እዩ፡ ቢልካ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ብገዛእ ርእስኻን እትሰርሖ እግዚኣብሔር ምድላይ፡ … ቁጥዐ ናብ ዓመጽ እዩ ዝደፍኣካ፡ ኢድካ ናይ ምልዓልን ናይ ሕሜታን ዓመጽ፡

ናይ እግዚኣብሔር ተራነት ዘየስተውዕል ናይ ሕዝቢ ናዝሬትን ናይ ንእማንን ቁጥዐ ንሕሰብ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ኣባይቲ ስድራ እውነተይና ፍቕሪ ዳግም ንኸለልዩ
16 March 2020, 17:41