ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፡ ከም ክርስቶስ ንስደት ዝተገዱ ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፡ ከም ክርስቶስ ንስደት ዝተገዱ 

ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፡ ከም ክርስቶስ ንስደት ዝተገዱ

ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ብፍሉይ ዘተኰረን፡ ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘነቓቕሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 27 መስከረም 2020 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ስደተይናታት ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኣተኩሮ ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመዛበሉ ዜጋታት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ካብ ናይ ኢየሱስ ናይ ስደትን ምዝብልናን ተመክሮ ተበጊሶም ኣብ ሽዱሽተ ንኡሳን ኣርእስታት ዘተኰረ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 106 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን “ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽስደዱ ዝተገዱ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ንዝመዛበሉን ዝስደዱን ብፍሉይ ዘተኰረን፡ ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘነቓቕሕ ከምዝዀነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ሎሚ ኣብ ዓለም ብጠቕላላ ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን 41 ሚሊዮን ከምዝግመቱ ኣዘኻኺሩ፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኢየሱስ ብሕጻንነቱ ምስ ወለዱ ናይ ዘጓነፎ ተመክሮ ስደት ኣማእኪሎም፡ ክርስቲያናዊ እንገዳ ክርስቶሳዊ ማዕዶት ዘለዎ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁን እቲ መልእኽቲ፥ ንኽተስተውዕል ምፍላጥን፡ ንኸተገልግል ቀረባ ምዃን፡ ንኽትዕረቕ ጽን ምባልን፡ ንኽትምዕብል ተኻፊልካ ምንባርን፡ ንምንቕቓሕ ምስታፍን ንምሕናጽ ምትሕብባርን ኣብ ዝብሉ ሽዱሽተ ንኡሳን ኣርእስታት ዘተኰረ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ መሰረት ገይሩ ከምቲ ልሙድ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ከነቓቕሕ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፡ ከም ክርስቶስ ንስደት ዝተገዱ
07 March 2020, 17:46