ንእግዚኣብሔር ዘፍቕር ንብጻዩ የፍቅር

ኢየሱስ ኣብቶም ዝተወሃቡና ኣሕዋትን ኣሓትን ምንዳይን ምርኻብን ዘኽእል ጸጋ ምሕትታት የድሊ፡ ኣብኡ እዩ እቲ እውነተይና ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝጅመር፡ ኣብቲ እትነብረሉ ስፍራ ኣሕዋትናን ኣሓታትን ምስቲ ዘለዎም ድኽነት ምእንጋድ

ናይ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን መርሓ ፍጻሜታትን፥ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 2 ለካቲት በዓለ በኣቱ ዘእግዚእነ ምስ እተብዕለሉ ዕለት ብምትሕሓዝ ዝዝከር መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ምኽንያት፡ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ድሕሪ ቀትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡ ንጐሆ ናይ ቅድስተ ማርያም ጉጅለ ሓልዮትን ምርምርን ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር ዓቢይ መምህር ንኽዀኑ ዝተወሃቦም ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብወግዒ ንኽጅምሩ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ኣብ ካላብርያ ዝተሓንጸ ሓድሽ መልእለዪ ድኻታት ንኽምርቑ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውፉይ ሕይወት ሮማ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ገዳማትን ማሕበር ልኡካነ ወንጌልን ብጠቕላላ ኣባላት ማሕበራት ውፉይ ሕይወት ዘሳተፈ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ውፉይ ሕይወት፡ ኵሉ ጸጋ ምዃኑ ተቐቢልካ ንኽትነብር ዝድርኽን ንብጻይካ ከተናድይ ዘተባብዕን ኣብ ተስፋ ቀቢጽነት ኵሉ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ምስ ዘስተርእይ ኢየሱስ ምፍቓር ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ገዳማውያን እቶም ኣብዛ ዓለም እቲ ዝለዓለን ብሉጽን ክህልወካ እትደልዮ ሃብቲ እንታይ ምዃኑ ጭቡጥ መግለጺ እያቶም፡ ምእንቲ እዚ እዩ፡ ኵሉ ሓዲጐም ንኢየሱስ ዝስዕቡ፡ ኣብ ድኻምነትካ ኣብቲ መጻወዲያታቱ ዝዝርግሕ ዲያብሎስ ዘቅርቦ ፈተናታት ኵሉ፡ ብሓጺሩ ኣብ ሰብኣዊ ድኻምነት ከይተረፈ ጸጋ ዝርእይ ዓይኒ ዘለዎም ማለት እዩ፡ ኣብ ድኻምነት እውን እንተዀነ እግዚኣብሔር ካብ ምፍቃርና ዘይቦክር ምዃኑ ዘረጋጽ ጸጋ፡ እቲ እነነትን ናይ ገዛእ ርእሰይ መሰል ጥራሕ ንብዝብል ኪደት ዝብቀልን ተስፋ ቀቢጽነትን ዝተመልኦ ናይ ዓለም ናይ ምዃን ኣመለኻኽታ መቝረን ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ እዩ፡ ጸጋ ስለ ዝዀነ ኸኣ ሓደ ሕይወቱ ዘወፈየ ወይ ዘወፈየት ዝነብሮ ድኽነት፡ ደርማስ ጻዕሪ ዘይብል፡ ብንጻሩ ዝለዓለ ናጽነት ምዃኑ ብምስትውዓል ዝንብበሮ። ንጽሕና ወይ ድንግልና፡ መኻናውነት ማለት ዘይኰነ ሕይወት ብዘይ ምውናን ምፍቃራ ማለት እዩ፡ ተኣዝዞ ስርዓተ ሕጊ ዘይኰነስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ፋሉልነት እዩ፥ “ጠመተኡ ኣብ ኢየሱስ ዘንብር ኣብ ምግልጋል ምንባር ይመሃር፡ ካልኦት ክጅምሩ ዝጽበይ ዘይኰነ ንምግልጋል ብቐዳምነት ገዛእ ርእሱ ዘበገስን ንብጻዩ ከናድይ ዝወጽእን እዩ ( … ) ኢየሱስ ኣብቶም ዝተወሃቡና ኣሕዋትን ኣሓትን ምንዳይን ምርኻብን ዘኽእል ጸጋ ምሕትታት የድሊ፡ ኣብኡ እዩ እቲ እውነተይና ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዝጅመር፡ ኣብቲ እትነብረሉ ስፍራ ኣሕዋትናን ኣሓታትን ምስቲ ዘለዎም ድኽነት ምእንጋድ። ንዝተነጸለን ኣብ ርሑቕ ንዘሎን ቀረባኡ ንምዃን ንብጻዩ ዘናድይ ጥማቶ የድልይ፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኢየሱስ ንምምሳልን ኣብ ምምሳሉን ዝነብሩ እያቶም፡ ኣብ ዓለም ናይ ኢየሱስ ዘተባዕን ናጻ ዘውጽእን ዘጸናንዕን እምበር ዘይፈርድ ጠመተኡን ሓልዮትን ንምምሳል ዝነብሩ፡ ።

ነቲ ኣብ ብጻይና ቀረባና ዝኸውን ኢየሱስ ምፍቓር
ነቲ ኣብ ብጻይና ቀረባና ዝኸውን ኢየሱስ ምፍቓር

ነቲ ኣብ ብጻይ ቀረባና ዝኸውን ኢየሱስ ምፍቓር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕናን ሕንጸት ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ዘገልግል ናይ ክንክን ጥዕናንን ምርምርን ማሕበር ልኡካን ተቀቢሎም፥ እግዚኣብሔር ንምድሓንና ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ቀረባውነት እዩ፡ እግዚኣብሔር ንምድሓንና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀረባና ኰነ፡ ሓደ ከማናን ኣብ መንጐናን፡ ስለዚህ ቀረባነት ናይ ሰብኣውነትን ናይ ክርስትናን መፍትሕ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ኣግልግሎ መውሃቢ ክንክን ጥዕና፡ ናይ እንገዳን መጸንናዕን ቤት፡ ህሙማን፥ ምሕዝነትን ሓልዮትን ልዝብነን ፍቕርን ብሓፈሻኡ ሰብኣውነት ዝረኽብሉ ስፍራ እዩ፡ ( … ) ስለዚህ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ረቛሕታት ካብ ዘተኵር ከይዲ ተላቒቑ፡ ንሰብኣዊ ፍጥረት ቅርበት ዝንበረሉን ክንክን ጥዕና ብምቕራብ ኣብቲ ሕማም ኣብ ዝፈጥሮ ተርባጽን ጭንቀትን ሰብኣዊ ሓልዮት ዝቐረበሉ ክኸውን እንከሎ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሉ ስነ ሕክምናን ስነ ምርምርን ኣባይቲ ሕክምናን ክውንነት ክንክን ጥዕናን ንምስባእ ዓቢይ ኣበርክቶ የቕርብ”። … ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 ፍቕዲ 40፥ ኢየሱስ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ እንክብል ዝገለጾ፡ ንብጻይካ ምግልጋል ዝብልን ናይ ኣገልግሎትን ወንጌላዊ መሰረትን እዩ፡ በዚ መሰረት’ዚ ከኣ ህሙማን እምነት ንዘለዎ ህላዌ ናይቲ ንኽፍውሰናን ንኸሕውየትናን ተኣፋፍነትናን ሰብኣውነትናን ናቱ ገይሩ ዝተሰግወ ወልደ እግዚኣብሔ፥ ናይ ዝዀነ  ኢየሱስ ጭቡጥ ህላዌ እያቶም፡ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ ይሕብሩ።

ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሓውኻ ምክንኻን ኣብ ሕይወትካ ንኢየሱ ቦታ ምሃብ ማለት እዩ
ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሓውኻ ምክንኻን ኣብ ሕይወትካ ንኢየሱ ቦታ ምሃብ ማለት እዩ

ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሓውኻ ምክንኻን ኣብ ሕይወትካ ንኢየሱ ቦታ ምሃብ ማለት እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎነ ነቲ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወሃቦም ሓድሽ ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር ዓቢይ መምህር ዝብል ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብዘዕረገው መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ከምዝጀመሩ ዘዘኻኸሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ እቲ ናይ ክርስትና እምነት ሕመረት ዝዀነ ትንሳኤ ፡ ንሕይወት ትርጉም ዝህብ ናይ ሕይወት ፍቕሪ፡ ናይ ቅዱስ መቓብር ማሕበር መለለዪ እዩ፡ በዚ መለለይኡ ኣቢሉ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ምትሕብባርን የሳልጥ፡ ዕላማኡ ኸኣ ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ምሕጋዝ እዩ፡ … እቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርስቲያን ቅርበትናን ደገፍናን የድልዮም ከምዝበሉ የዘኻኽሩ።

እቲ ናይ ክርስትና እምነት ሕመረት ዝዀነ ትንሳኤ ፡ ንሕይወት ትርጉም ዝህብ
እቲ ናይ ክርስትና እምነት ሕመረት ዝዀነ ትንሳኤ ፡ ንሕይወት ትርጉም ዝህብ

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ምጽዋት ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ጥቓ ከተማ ኮሰንዛ ናብ እትርከብ ከተማ ፕራያ ኣ ማረ ብሓደ መንእሰይ ቆሞስ ብዘካየዶ ጐስጓስ ዝተሓንጸ ቤተ ሩት እተሰየ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ኢጣሊያ ሓገዝ ዝተሓንጸ መእለዪ ድኻታት ከምዝመረቑን ነቶም ኣብቲ መእለዪ ድኻታት ዝእለዩን ዘገልግሉን ወለንተይናታን ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበትን ሓልዮትን ከምዘቕረቡን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል በኣቱ ዘእግዚእነ - ዓመታዊ በዓል ውፉይ ሕይወት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ኣብቶም ድኻታት ወጅሂ ኢየሱስ ብምልላይ ዝፍጸም ኣገልግሎት ጭቡጥ ፍቕሪ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪ ኣብቲ ንድኻታት ዘሎካ ፍቕሪ ብጭቡጥ ይንበር እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝምስክር ምዃኑ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም ዘቕረብዎ ናይ ዕለት 1 ለካቲት 2020 ዓ.ም. መዘክር ቀንዲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን የጠቓልሉ።

መእለዪ ድኻታት
መእለዪ ድኻታት
ንእግዚኣብሔር ዘፍቕር ንብጻዩ የፍቅር
03 February 2020, 17:37