ር.ሊ.ጳ.፥ ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ ሕይወት፡ ኣይፋን ንዝዀነ ይኹን ጸረ ናይ ሕይወት ክብሪ ር.ሊ.ጳ.፥ ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ ሕይወት፡ ኣይፋን ንዝዀነ ይኹን ጸረ ናይ ሕይወት ክብሪ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ ሕይወት፡ ኣይፋን ንዝዀነ ይኹን ጸረ ናይ ሕይወት ክብሪ

ህይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ንምክልኻል ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ክብሪ ሕይወትን ዝፍጸም ዓመጽን ብስም ምዕባለ ዕደ ጥበብን ኤኮኖምን ዝንዛሕ ጸረ ናይ ሕይወት ተግባር ኵሉ ምቅዋም

ዕለት 2 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናንን መንፈሳዊ ነጋድያንን ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ንሕይወት በራትኵም ኣርህዉ ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ዝጠለቦ ብሔራዊ መዓልቲ ሕይወት ተቒሶም፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ኣብ ምዕቃቡን ምክልኻሉን ዝዀነ ይኹን ነቲ ናይ ሕይወት ክብሩ ዝጻረር ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ይኹን ኤኮኖሚ ኵሉ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ኣብ ምቅዋም ትጉህ ኣገልግሎት ንኽነካይድ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ መሪሖም ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ህይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞትን ንምክልኻል ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ክብሪ ሕይወትን ዝፍጸም ዓመጽን ብስም ምዕባለ ዕደ ጥበብን ኤኮኖምን ዝንዛሕ ጸረ ናይ ሕይወት ተግባር ኵሉ ምቅዋምን ምእንቲ ናይ ሕይወት ባህሊ ነቒሕና ነኸነገልግልን ተሓባባርን ሓላይን ዝብል ብሕውነታዊ መንፈስ ተጊህና ናይ ሞት ባህሊ ንበድህ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ሎሚ ዕለት 2 ለካቲት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ በራትኵም ንይወት ኣርህዉ ብዝብል መርሕ ቃል ንኽዝከር ኣብ ዝጸወዖ ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ ሕይወት እሓብር፡ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ኣብ ዝዀነ ይዅን ኵነት ደረጃ ሕይወት ይረኸበ ክዕቀብን ክኽበርን ዝብል ጻዕሪ ንምንቕቓሕ ዝኣመተ መዓልቲ እዩ፡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍጸም ዓመጽ ኵሉ ብስም ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዕደ ጥበባውን ኤኮኖሚያውን ምኽንያት እውን ይኹን ኵሉ ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ክብሪ ሕይወትን ዝፍጠር ዓመጽ ሓድሽ ተሓባባርን ተሓላላይን ዝብል መንፈስ ሕውነት ብምንቕቓሕ ንህይወት በራትና ከፊት ሓደራ!

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብሔራዊ ሓቆፍ መዓልቲ ሕይወት፡ ኣይፋን ንዝዀነ ይኹን ጸረ ናይ ሕይወት ክብሪ
03 February 2020, 17:50