ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ዝሰርዕዎ ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ዝሰርዕዎ ስርዓተ ኣምልዀ 

ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ዝሰርዕዎ ስርዓተ ኣምልዀ

ብምኽያት ዓቢይ ጾም ኣብ ላዚዮ ክፍለ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ መንፈሳዊ ሱባኤ ክኣትዉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ

26 ለካቲት ናይ 2020 ዓ.ም. ዘመነ ዓቢይ ጾም ዝጅመረሉ ዕለት ከምዝዀነ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን መግለጺ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህልዎም ሊጡርጊያዊ መረሃ ግብርታት፥ ከምቲ ካብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎን፡ ቅድሚ 48 ዓመታት ር.ሊ.ጳ. ሮንካሊ ብወግዒ ካብ በነዲክታዊ ባዚሊካ ቅዱስ ኣንሰልሞ ናይ ዓቢይ ጾም መእተዊ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት መሪሖም ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እዋን ዘቐጸልዎ ቅዱስ ባህሊ እነሆ ክሳብ እዋንና ዝበጽሔ ከምዝዀነን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ መዓርፎ ሊጡርጊያ ዝተሰነየ ናይ ዓቢይ ጾም መእተዊ ስነ ስርዓት ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእስኻ ናይ ምንስናስ ስርዓት ክፍጽሙ ከምዝዀኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ካብ ቅዱስ ኣንሰልም ባዚሊካ ነቒስሉ ክሳብ ቅድስቲ ሳቢና ባዚሊካ ዝበጽሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝመረሕዎ ናይ 300 ሜትር ዑደት ምስ ተፈጸመ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ሓሙኹሽቲ ኣብ ርእሲ ናይ ምንስናስ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ክሰርዑ ምዃኖም የመላኽት።

ዕለት 1 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ላዕለዎ ሓለፍቲ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ክሳብ ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም.  ብምኽያት ዓቢይ ጾም ኣብ ላዚዮ ክፍለ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ መንፈሳዊ ሱባኤ ክኣትዉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ዝሰርዕዎ ስርዓተ ኣምልዀ
19 February 2020, 10:20