መንፈስ ክፍኣት ዓለምን መቕጻዕትን - ንስሓን መደብ ምድሓን እግዚኣብሔርን መንፈስ ክፍኣት ዓለምን መቕጻዕትን - ንስሓን መደብ ምድሓን እግዚኣብሔርን 

መንፈስ ክፍኣት ዓለምን መቕጻዕትን - ንስሓን መደብ ምድሓን እግዚኣብሔርን

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎና ርድኢት እንታይ እዩ፡ ዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎና ፍካሬ እንታይ እዩ? ብናይ ገዛእ ርእስና ኣርኣያን ኣምሳልን ዝፈጠናዮ እግዚኣብሔር ድዩ ዘሎና? እግዚኣብሔር ናይ ገዛእ ርእስና ውጥን ንገብሮ ዶ? ኢየሱስ ልባትና ንኽንልውጥ ይዕድመና

ሰብ ንዝፍጽሞ ክፍኣት እግዚኣብሔር ብዘውርዶ መዓት ዝቐጽዕ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ኢየሱስ ከምዝነጽጐ ወንጌል የረጋግጸልና፡ ይዅን ደኣ’ምበር ዘጋጥሙ ኣሉታውያን ኵነታት ናብ ሕጹጽ ኣገዳስነት ምልዋጥ ዝብል መጸዋዕታ እያቶም። ኣብ ቅድሚ ዘሕዝን ፍጻሜታትን ናብ ሓዘን ዘብጽሕን መቕዘፍትን ሕማማትን ወለመስሉ ንኣማንያን ዘጋጥም ተደጋጋሚ ፈተና ናይቲ ኣሉታዊ ኵነታት ኵሉ ሓላፍነት ናይቶም ግዳያት ከብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ሓላፍነት ናይ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ለካቲት 2016 ዓም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ኢየሱስ ናይ ዝዀነ ይዅን መቕዘፍትን ኣሉታዊ ፍጻሜታትን ኵሉ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ወይ ውን ብዓቢዩ እግዚኣብሔር ተሓታti ምግባር ዝብል ኣመለኻኽታ ንጹግ ምዃኑ የረጋጸልና፡ ስለምንታይ “እግዚኣብሔር ናይ ሰባት ግብረ ክፍኣት ንኽቐጽዕ መቕዘፍቲ ኰነ መዓት ዘውርድ ኣይኰነን”

ግምቢ ስሊሆም

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወንጌል ዝግለጹ ክልተ ዓበይቲ ዘሕዝኑ ፍጻሜታት ጠቒሶም፡ “ሮማውያን ወተሃደራት ኣብ ቤተ መቕደስ ውሽጢ ዝፈጸመዎ ግብረ ጭካኔ ኣብ ሕዝቢ ተርባጽን ስክፍታን ዝፈጠረን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም እቲ ንናይ ዓሰርተ ሾሞንተ ሰባት ሞት ምኽንያት ዝዀነ ዕንወት ግምቢ ስሊሆም” (ሉቃ. 5, 1-5)፡ ኢየሱስ ናይቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዝብሎ ኵሉ ዝሰምዑ ዝነበሩ ማሪታውነቶም ድዩ ኣጕል እምነቶም ዝፈልጦ እዩ፡ ነቲ ተፍጻም ብጌጋ ከምዝትንትንዎ ዝፈልጦ እዩ፡ እቶም ዝሞቱ፡ ናይ ምሟቶም ምኽንያት ናይ ገዛእ ርእሶም ግብረ ክፍኣት እዩ ዝብልን፡ ስለ እቲ ዝፈጸመዎ ክፋእ እግዚኣብሔር ዘውረደሎም መዓት ወይ ውን ናይ ኢዶምን ዝግብኦምን ዝረኸቡ ዝብል ናይቲ ሕዝቢ ኣመለኻኽታ፡ እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ንምትራፎም ኣክንዲ ዝሓስቡ፡ ገዛእ ርእሶም ንጹሓን ገይሮም ይሕበኑ።

ናይ ምልዋጥ መጸዋዕታ

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎና ርድኢት እንታይ እዩ፡ ዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎና ፍካሬ እንታይ እዩ? ብናይ ገዛእ ርእስና ኣርኣያን ኣምሳልን ዝፈጠናዮ እግዚኣብሔር ድዩ ዘሎና? እግዚኣብሔር ናይ ገዛእ ርእስና ውጥን ንገብሮ ዶ? ኢየሱስ ልባትና ንኽንልውጥ ይዕድመና፡ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና እንስዕቦ መገዲ ንኽልውጥ፡ ነቲ ምስ ግብረ እከይ ዘሎና ምግባይ ንኸነወግድ ይዕድመና፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቶም ሓደጋ ሞት ዘጋጠሞም ዓሰርተ ሸሞንተ ሰባት ካብቶም ዝተረፉ ዝገደዱ ሓጥኣን ከምዘይኰኑን፡ እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ኵነት ንዅሉ ዝምልከት መጠንቀቕታ እዩ፡ ስለምንታይ ኵላትና ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ መጸዋዕታ ሕጹጽ ኣገዳስነት ምልዋጥ እዩ እንክብሉ የብርሁ።

ብዕውሩ ዝተወልደን ታሪኽ ኢዮብን

ኢየሱስ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዕዉር ኰይኑ ዝተወለደ ኣብ ዘዘንትው ታሪኽ እውን የቕርበልና፡ እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ፡ ዕዉር ኰይኑ ናይ ምውላዱ ምኽንያት ናይ ገዛእ ርእሱ ድዩ ወይ ከኣ ናይ ወለዱ በደል? “ንሱኾነ ወለዱ ኣበደሉን፡ እንታይ ደኣ ኣብኡ ግብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ እዩ” (ዮሓ. 9,3)፡ ብርግጽ ክፋእ/እከይ ምስጢር እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ኢዮብ ከም እነንብቦ፡ ማእለያ ብዘይብሉ ብዘሕዝን ፍጻሜታት ዝተጠቕዔ፡ ብጾቱ እቲ ዘጋጠሞ ዘሕዝን ፍጻሜታት ኵሉ ስለ እቲ ዘይቅኑዕ ተግባራትካ እዩ እንክብሉ ይገልጽሉ፡ እግዚኣብሔር ግና ካብ ዝዀነ ይዅን ተሓታትነት ናጻ ምዃኑ  እዩ ዘረጋግጸልና። እቲ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ “ከሃሌኵሉ እግዚኣብሔር ፍጹም ሕያዋይ ስለዝኾነ ንዅሉ ዚዕብልልን ሓያልን ሰናይን ብምዃን፡ ካብ ክፍኣት ብቐንዱ ገለ ሰናይ ከውጽእ ዘይክእል እንተዚኸውን፡ ክፍኣት ዚበሃል ኪህሉ ኣምበይመፍቀደን” (311)፡ “እዚ ኣብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ምስተረኸብና ጥራሕ ብገሃድ ክንፈልጦ ብዘሎና ኣገባብ (መገዲ)ገቢሩ እግዚእብሔር ካብቲ ዘጋጥም ክፋእ ጽቡቕ ነገር ጸሚቝ ከውጽእ ዘይርከብ እንተዚኸውን ክፍኣት ክህሉ ኣምበይምፍቀደን፡ እዚ ካብ እምነት እንረኽቦ ርግጽነት እዩ (324)።

ኢየሱስ ንኸድሕን እዩ ዝመጸ

ሕጂ እውን ደጊሙ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕዲ 679፥ “ኢየሱስ - ወልድ ከድሕንን ነታዘላቶ ሕይወት ከወፍን ደኣ እምበር ንኺፈርድ ኣይኰነን መጺኡ። ኣብዚ ሕይወት’ዚ ንመደብ ጸጋ ብምንጻግ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ባዕሉ ኪፈርድ ይርከብ፡ ከም መጠን ተግባራቱ ይፍረድ፡ ነቲ መንፈስ ፍቕሪ ብምንጻግ’ውን ንዘለዓለም ርእሱ ኪዅንን ይኽእል እዩ”።

መቕጻዕቲ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና እምቢተይናነት

ነዚ ብዝምልከት እውን በነዲክቶስ መበል 16 ነቢይ ኤርሚያስ ነቲ እምቢተይና ሕዝቢ “ክፍኣትካ ቕጽዓት ኬውርደልካ እዩ፡ ንኣይ ምህዳግካ ኸኣ ኵነኔ ኬምጽኣልካ እዩ፡ ንኣይ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከምዝኾነ ክትፈልጥን ክትርእን ኢኻ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዉት ተዛሩበ ኣሎዅ” (2 ምዕ. 2,19) እንክብል ዝተዛረቦ ቃል ጠቒሶም ዕለት 18 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብሪሆም፡ ጐይታ ሰብ ካብ ሓጢኣት ሓሪሩ ከድሕኖ እዩ ዝደልይ፡ ኰይኑ ግና ናጻ እዩ ዝሓድግ፡ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ምሕዳግን ዘይምፍቃርን ኣብ ገዛእ ርእሱ መቕጻዕቲ ዝዓቖረ እዩ” እንክብሉ ከምዝመዓዱ ይዝከር።

እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ፡ ተፈጥሮ ግና ብጭራሽ

እከይ ሚስጢር እዩ፡ ብዙሕ እዋን ገዛእ ርእስና ንቐጽዕ፡ ካብቲ ብገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ሰናይ ካብ ዝዀነ እግዚኣብሒር ንርሕቕ፡ ሰብ ንተፈጥሮ ክዕምጻን ክሃስያን ብዘይ ኣገባብ ብኢጐነት ተደሪኹን ብዘይ ንሕስያን ክምዝምዛ እንከሎ እውን ዝርአይ ምስጢረ ክፍኣት እዩ፥ ነዚ መሰረት ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ማሕበር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እግዚኣብሔር ወትሩ ዝምሕር እዩ፡ መሓሪ እዩ፡ ገለ ገለ እዋን ንሕና ሰኣብኣውያን ፍጥረት እውን ንምሕር፡ ተፈጥሮ ግና ብጭራሽ ኣይትምሕርን እያ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ይዝከር።

ዘይሕልል ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ

ኣብ ናይ ሕይወት ጉዕዞና፡ ብዙሕ ምውዳቕ ዘጓንፈና ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ገሊጾም - “ይዅን ደኣ እምበር ናይ ኢየሱስ ትዕግስቲ ዘይሕለልን ዘይሰዓርን እዩ። ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ሕስብ ተብሉ ዶ? ዘይሕለል ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ፡ ኣባና ትዕግስቲ ክሳብ እነጥፍእ ዝቱኽቱኹና እግዚኣብሔር በቲ ዘይሕለል ትዕግስቱ ዝሓስቦምን ዝምልከቶምን ሕስብ እሞ ነብል፡ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ናይ ፍጥረ ሰብ ትዕግስቲ ኣይኰነን፡ ትእዕግስቲ እግዚኣብሐር ንሰብኣዊ ፍጥረት እዩ ከምዝበሉ ክዝከር እንከሎ፥

ንሰናይ ቃል ብስራት ሸለል ከይንብል

“ንምልዋጥ ምቹእ ዝዀነ እዋን” ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም መልኽቶም፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና” (2ቆሮ. 5. 20)፡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ዘመሓላለፍዎ ከምዝዀነን፡ ኣብ ቅድሚ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ኣብ ናይ ሕይወትና ክፋእ ኩነት፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን እውን፡ “እቲ ኢየሱስ ሞይቱን ሞት ስዒሩ ተንሲኡን” ዝብል ወንጌላዊ ብስራተ ቃል ብፍጹም ክንዝንግዖ የብልናን፡ ኣብዚ ቃል ብስራት’ዚ ዝኣምን፡ ነቲ ህይወትና ከም ሓቂ እንተድኣ ኴይኑ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ካብቲ ፍድፋደ ሕይወት ንምሃብ ካብ ዝብል ድላዪ እዩ፡ አዚ ዝቕበል ኣናስር ሕይወትና ገዛእ ርእስና ኢና፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕይወት ኣናስር እየ ንዝብል መንፈስ ሓሶት ዓለም ይነጽግ፡ እንተዘይኰነ ነቲ ዘእምን ዝመስል ናይ ሓሶት ጐይታ ዝብሎ ኣስተውዕሎን ኣተኵሮን እትህብ ኴይንካ ናብ ደልሃመት ትርጉም ኣልቦነትን  ኢኻ እተንቆልቁል፡ ገና ብዓንተውኡ ገሃነም እሳት ከመይ ምዃኑ ኣብዛ ምድሪ ተመክሮ ትገብር ማለት እዩ፡ ከምቲ ብዙሕ ናይ ውልቅን ማሕበራውን ዘሕዝን ኩነት ከምዘረጋግጾ እዩ። እዋን ዓቢይ ጾም ምስቲ ትረት ልብና ምስ ዝሓክኽን ብእምነት ኣብቶም ብዙሓት ዝሳቐዩ ናይ ኢየሱስ ኣካል ክንራኸብን ክንትንክፍን ምስቶም ድኻታትን ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡን ዘለና ከነካፍል ምስ ዝገብር ኢየሱስ ቅኑዕን ጥልቅን ዘተ እንፍጸመሉ ናይ ጸጋ ጊዜ እዩ። ናይ ዓሚዪቕ ጸሎት እዋን፡ ናይ ምልዋጥ እዋን ምዃኑ ይምዕዱ።

መንፈስ ክፍኣት ዓለምን መቕጻዕትን - ንስሓን መደብ ምድሓን እግዚኣብሔርን
26 February 2020, 16:50