ልብና ንሕያውነት ኢየሱስ ንኽፈቶ ሽዑ 2020 ዓመት ሰላምን ዓመት ተስፋን ክኾነልና እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ምጅማር እዚ ሓዲስ ዓመት ይብሉ ቅዱስነቶም ሎሚ ባሕቲ ዓመተ 2020 ብፈረንጂ ምዃኑ ንምዝኽኻር ዚኣክል ኣብ ምጅማር እዚ ሓዲስ ዓመት እታ ንወዳ ንዓለም እትወፊ እኖና ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ቡራኬ ንቀበል ከመይ እቲ ንሳ እተወፍየልና ውሉድ ድሕነትና ኰይኑ ልብታትና እንተደኣ ከፊትናሉን ንዕለታዊ ዕዮታትና ብጭቡጥ ተግባር ፍቅሪ እንተነቢርናን ንምሉእ ዓመት ጉዕዞና ጒዕዞ ሰላም ጒዕዞ ተስፋ ክኸውን ይኽእል ኢሎም።
ርእሰ ዓመት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዓመት መጸ በዚ ዕለት እዚ ቅድሚ 53 ዓመታት ዝጀመረ ልማድ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ዝፍለጥ ንሎም ዘመን እውን ‘ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምምሕዳራዊ ምልዋጥን ‘ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍዎ ናብ ኩሉ ተዘርጊሑ ይርከብ። ትሕዝቶኡ ኣብ ፍጻሜ መደብና ክነቅርበልኩም ኢና።
ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ ስብከቶም እቲ ትማሊ ምሸት ብመዝሙር ምስጋና ዝተጀመረ ኣምልኾን ስግደትን ምስግናን ሎሚ ኣብ በዅሪ ዕለት ሓዲስ ዓመት 2020 እውን ከምዝቅጽል ምኽንያቱ ከኣ ኩሉ ብሓልዮት ኣምላኽ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ምብጻሕ ናይቶም ጓሶት ናብቲ ኢየሱስ ሕጻንን ማርያምን ዮሴፍን ዝነበርዎ በዓቲ ዘዘንቱ ኰይኑ ነቲ ኩሉ ፍጻሜ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ልባ ትዕቅቦን ተስተንትኖን ከምዝነበረት ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ነበረ።
ፍቅሪ ዕጉሳት ይገብረና!
ቅዱስነቶም ነቲ ሕጻን ከም ቡራኬ እግዚአብሔር ይገልጽዎ እሞ ነዚ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ቡራኬ ዝኾነ ሕጻን እቶም ጓሶት ይበጽሕዎ ይሰግዱሉ ማርያም ንኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልል እቲ ዝለዓለ ዕብየቱ ከኣ ነቲ ጨቁኑ ሒዙና ዝነበረ ክፍኣት ካብ ሱር መሰረቱ ስለዝምሕዎ እዩ እንክብሉ ምሥጢር ድሕነት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
እዚ ይቅሬታ ዝሓቱሉ ዘለው ፍጻሜ ትማሊ ምሸት ድሕሪ ጸሎት ምስጋና ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ በዓቲ ልደት ክጽልዩ ምስ ከዱ ሓንቲ ሰበይቲ ኢዶም ክሳብ ዝሕሞም ስለዝጐተተቶም ካብ ክገላገሉ ቁጥዕ ኢሎም ኢዶም ስለዝሰሓቡ እዩ።
ኢየሱስ ደስታን ክብርን ሰላምን እዩ።
እቲ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ሕቊፋ ሒዛ ተወፍየልና ኢየሱስ ሕጻንከስ ንኩሉ ሕዝቢ ዝኸው ሓጐስ ክብሪ እግዚአብሔርን ሰላምን እዩ። እዚ ከኣ እቲ መላእኽቲ ንጓሶት ኣይትፍርሁ ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ዓቢ ሓጐስ ነበስረኩም ዝበልዎም እዩ።