ልብና ንሕያውነት ኢየሱስ ንኽፈቶ ሽዑ 2020 ዓመት ሰላምን ዓመት ተስፋን ክኾነልና እዩ! ር.ሊ.ጳ

ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና መሰጋገሪ ሓዲስ ዓመት በዓለ ቅዱስ ዮሓንስ እንዝክሮ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ ንቅድስት ድንግል ማርያም እኖ ኣምላኽ ብምዝካር ተብዕሎ። ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ 2020 መኽፈቲ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልኣከ እግዚኣአብሔር ነቲ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ ሕጻን ንቤተክርስትያንን ንመላእ ዓለምን ዘወፍዮ ቡራኬ እግዚአብሔርን ነቲ ሕጻንን ንቀበል እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ምጅማር እዚ ሓዲስ ዓመት ይብሉ ቅዱስነቶም ሎሚ ባሕቲ ዓመተ 2020 ብፈረንጂ ምዃኑ ንምዝኽኻር ዚኣክል ኣብ ምጅማር እዚ ሓዲስ ዓመት እታ ንወዳ ንዓለም እትወፊ እኖና ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ቡራኬ ንቀበል ከመይ እቲ ንሳ እተወፍየልና ውሉድ ድሕነትና ኰይኑ ልብታትና እንተደኣ ከፊትናሉን ንዕለታዊ ዕዮታትና ብጭቡጥ ተግባር ፍቅሪ እንተነቢርናን ንምሉእ ዓመት ጉዕዞና ጒዕዞ ሰላም ጒዕዞ ተስፋ ክኸውን ይኽእል ኢሎም።

ርእሰ ዓመት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዓመት መጸ በዚ ዕለት እዚ ቅድሚ 53 ዓመታት ዝጀመረ ልማድ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ዝፍለጥ ንሎም ዘመን እውን ‘ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምምሕዳራዊ ምልዋጥን ‘ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍዎ ናብ ኩሉ ተዘርጊሑ ይርከብ። ትሕዝቶኡ ኣብ ፍጻሜ መደብና ክነቅርበልኩም ኢና።

ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ ስብከቶም እቲ ትማሊ ምሸት ብመዝሙር ምስጋና ዝተጀመረ ኣምልኾን ስግደትን ምስግናን ሎሚ ኣብ በዅሪ ዕለት ሓዲስ ዓመት 2020 እውን ከምዝቅጽል ምኽንያቱ ከኣ ኩሉ ብሓልዮት ኣምላኽ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እዛ እንነብረላ ዓለም ነዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ሓዲስ ዙርያ ዓመተ ምሕረትን ዙረት ዓለምና ኣብ ዙርያ ጸሓይን ብሃንደበት ዝኾነ ኣይኮነን። ስለዚ ወትሩ ከደንቀናን ደጋጊምና ምስጋና ክነቅርበሉን ዘሎና ዓቢ ተኣምር እዩ ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ምብጻሕ ናይቶም ጓሶት ናብቲ  ኢየሱስ ሕጻንን ማርያምን ዮሴፍን ዝነበርዎ በዓቲ ዘዘንቱ ኰይኑ ነቲ ኩሉ ፍጻሜ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ልባ ትዕቅቦን ተስተንትኖን ከምዝነበረት ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ነበረ።

ፍቅሪ ዕጉሳት ይገብረና!

ቅዱስነቶም ነቲ ሕጻን ከም ቡራኬ እግዚአብሔር ይገልጽዎ እሞ ነዚ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ቡራኬ ዝኾነ ሕጻን እቶም ጓሶት ይበጽሕዎ ይሰግዱሉ ማርያም ንኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልል እቲ ዝለዓለ ዕብየቱ ከኣ ነቲ ጨቁኑ ሒዙና ዝነበረ ክፍኣት ካብ ሱር መሰረቱ ስለዝምሕዎ እዩ እንክብሉ ምሥጢር ድሕነት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እቲ ንሱ ዝህበና ድሕነት ኩኑሉ ኢሉ ብሓይሊ ጥንቆላ ዝግበር ዘይኮነ ንኩሉ ብትዕግስቲ እናጾርካ ዝግበር ትዕግሥቲ ፍቅሪ ዝገልጽ ንድኻምነት ወዲሰብ ወሲዱ ነቲ ጨቋኒ ክፍኣተ ግብሪ ካብ ሥልጣኑ ዘውርድ እዩ። ፍቅሪኸስ ዕጉሳት ይግብረና። ብዙሕ ግዜ ብምቊጣዕ ነዛ ትዕግሥቲ ነጥፍኣ። ኣነውን ትማሊ ምሸት ጽቅጥቅጥ ምስ በዝሔ ትማሊ ምሸት ኣጋጣሚኑ በቲ ዝሃብኩኹም ሕማቅ ኣብነት ይቅረ በሉለይ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ በዓቲ ልደት እንክንከይድ ብዓይኒ እምነት ነቲ ዝተሓደሰ ዓለም ነቲ ካብ ግዝኣት ክፍኣተ ግብሪ ሓራ ዝወጸን ኣብ ትሕቲ ንግሥነት ናይቲ ኣብ መብልዕ ማል በጥ ኢሉ ዘሎ ኢየሱስ ሕጻን ምእታውን ክነስተትን የድሊ።”

እዚ ይቅሬታ ዝሓቱሉ ዘለው ፍጻሜ ትማሊ ምሸት ድሕሪ ጸሎት ምስጋና ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ በዓቲ ልደት ክጽልዩ ምስ ከዱ ሓንቲ ሰበይቲ ኢዶም ክሳብ ዝሕሞም ስለዝጐተተቶም ካብ ክገላገሉ ቁጥዕ ኢሎም ኢዶም ስለዝሰሓቡ እዩ።

ኢየሱስ ደስታን ክብርን ሰላምን እዩ።

እቲ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ሕቊፋ ሒዛ ተወፍየልና ኢየሱስ ሕጻንከስ ንኩሉ ሕዝቢ ዝኸው ሓጐስ ክብሪ እግዚአብሔርን ሰላምን እዩ። እዚ ከኣ እቲ መላእኽቲ ንጓሶት ኣይትፍርሁ ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ዓቢ ሓጐስ ነበስረኩም ዝበልዎም እዩ።

“በዚ ምኽንያት እዚ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንርእሰ ዓመት ንሰላም ብምውፋይ ዕለተ ሰላም ዕለተ ጸሎት ንሰላም ሓልፍነትካ እትለብሰላ ዕለት ክትከውን ዝወሰኑ። ነዚ ዓመት እዚ ሰላም ናይ ተስፋ ጉዕዞ እዩ፡ ዘተን ዕርቅን ምምሕዳራዊ ምልዋጥን ‘ ብዝብል ኣርእስቲ ጽሒፈ። እዚ ከኣ ጠመተና ኣብታ ኣደናን ኣደ ኣምላኽን ዝኾነት ድንግል ማርያም ወዳን ንግበር ኣብዚ ሓዲስ ዓመት ዝጅመረሉ ዘሎ ግዜ ንሳን ወዳን ክባርኹና ነፍቅድ። ከመይ ኢየሱስ ብፍቅሩ ሓራ ከውጽኣና እዩ። ሰላም ዝነገሶ ዓለም ከምዝመጽእ ኣሚና ብተስፋ ንጸበ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
01 January 2020, 17:43