ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ምድሓን፡ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ዝሓትተና ጸብጻብ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ መኣለዪ ስደተይናታት ብሓልዮት ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ንኽእለዩ  ሮማ ምስ ዝኣተዉ ስደተይናታት ዕለት 19 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተራኸቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፥ ኢፍትሓውነት ብዙሓት ንኽስደዱ ይድርኽ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ምንጻጐምን ኣብ ባሕሪ ንኽሞቱ ምሕዳግን ዝዓበየ ኢፍትሓውነት እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ግሩም ትርኢት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ደንበ፡ መስቀልን ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥም እዋን ዝጥቀምሉ ኣድሕን ሕይወት ሰደርያ፡ ናይ ስቓይ ትእምርቲ ከምእተነብረን፡ ቅዱስነቶም ነቶም ስደተይናታት ተቐቢሎም፡ ነቲ ከም ምልክት ስቓይ ገጸ በረከት ዝተወሃቦም ካብቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ባሕሪ ካብ ዝጠሓሉ ሓደ ስደተይና ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስደርያ ኣድሕን ሕይወት ምስ መስቀል ዘመሳስል ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም፡፡ ሓቂ ብዘይ ምቁራጽ ንድላይ መስቀል ምጥማት ከምዘድልን እዚ ሓቂ እዚ እምነትና ዘበራትዕ ናይ ስቓይን ትንሳኤን ትእምርቲ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ኢፍትሓውነት ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ ክሞቱ ይገብር

እቲ ኣድሕን ሕይወት ሰደርያን መስቀልን፡ ቀልብናን የዕንትናን ክንከፍት ዘተሓሳስብን ኣብ ቅድሚ ብኢፍትሓውነት ምኽንያት ንሞት ኣብ ዝዳረጉ ፊት ዘይግዱሳት ንኸይንኸውን ዘዘኻኽረና ከምዝዀነ ክሕብሩ እንከለዉ፡

ኢፍትሓውነት ብዙሓት ዜጋታት ካብ ገዛእ ሃገራቶም ንኽስደዱን፡ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ መዳጐኒ ሰፈር ንዓመጽን ስቓይን መግረፍትን ንኽዳረጉ ዝድርዀም እዩ፡ ምንጻጐምን ዘይምቕባሎምን ኣብ ማያት ባሕሪ ክጥሕሉ ምሕዳጐም እውን ኢፍትሓውነት እዩ!

ትህኪት ወይ ዕንዛዘ ሓጢኣት እዩ

ናይ ዝዀነ ይዅን ሰብ ብዘየገድስ ሕይወት ምድሓን፡ ንዀለን ሃይማኖታት ኣመንትን ኢኣማንያንን ዘዋህድ ግብረ ገባዊ ግብኡነትን ሓላፍነትን እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም፥

ንናይ ብዙሓት ናይቶም ኣብ ናይ ሊቢያ ናይ ስቓይን ዓመጽን መዓስከር ዝርከቡ ስደተይናታት ካብ ዘጋጥሞም ቀስ እናበለ ናብ ሞት ዘሰንዮም ስቓይ ነቲ ብርቱዕ ማዕበላዊ ማያት ባሕሪ ኣቋሪጾም ህይወቶም ንምድሓን ዝግደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ስቓይ ገዓር ጸማም እዝንን ልብን ምሃብ ከመይ ገይሩ እዩ ዝከኣለና ዝኸውን ዘሎ? ኣብ ቅድሚ ዓመጽን ስቓይን ንጹሓን ሸለል ብምባል ንኽሞቱን ነቶን ንግድ ሰብ ዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣደዳ ንኽዀኑ ምሕዳጐም ከመይ ገይሩ እዩ ዝከኣለና ዝኸውን ዘሎ? ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ታሪኽ ንዘክር፡ ከምቲ እቲ ካህን ሌዋዊ፡ ነቲ ዝሳቐይ ዝነበረ እናረኣዮ ከምዘይረዮ ጐስይዎ ዝሓልፍ ዘይምዃን፡ ናይ ሞቶም ምኽንያትን ተሓተትቲ  ኰይንና ንኸይንርከብ፡ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፡ ትህኪትን ሸለል ምባልን ሓጢኣት እዩ!

መራኽብ ንኸይኣትዋ ዶባት ማያት ባሕሪ ምዕጋት ናይ ጸገም መፍትሒ ኣይኰነን

ካብ ቅብጸት ዝነቅል ናይ ብዝሓት ኣሕዋትና ናይ ስቓይ ገዓር ከይተሰምዐ ከይተርፍ፥

ብዙሓት እቶም ኣብ ፈቖዶ ማያት ባሕሪ ልክዕ ከምቲ ኣብ እያሪኮ ሕማቕ ዘጓነፎ ሕማቕ ከየጓንፎም ኣብ መገዲ ዝወደቑ፡ መን እዩ፡ ካበይ ኰን እዩ ዝብል ሕይወት ኣብ ምድሓን ዘየድሊ ሕቶታት ከየቕረቡ ሸለል ዘይብሉ ንምድሓኖም ዝከኣሎም ኵሉ ስለ ዝገብሩ ንጐይታ ምስጋና አቕርብ፡ ናይ ባሕሪ በራትካ ምዕጻው መፍትሒ ኣይኰነን።

ክማእከል ዘለዎ ሰብ እምበር ኤኮኖሚያዊ ረብሓታት ኣይኰነን

እቲ ሰደርያ ኣድሕን ህይወትን መስቀልን ክንስዕቦ ዝግብኣና መገድን ውሳኔን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ዘመላኽት እምነ ማዕዝን እያቶም፡ ንናይ ብጻይና ሕይወት ተሓተትቲ ኵላትና ኢና፥

እቲ ኣብ ሊቢያ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መዓስክር ጥርሑ መታን ክተርፍ ቆራጽ ውሳኔን ህርኵት ጻዕሪ የድሊ፡ ዝከኣል ኵሉ መፍትሒ ግምት ብምሃብ፡ እቶም ንግድ ሰብ ዝፍጽሙ ናይ ገበን ጉጅለታት ንሕጊ ንምቕራብ ዘድሊ ኵሉ ምክያድ፡ ብዘይ ፍርሕን ውዲትን ንዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ምባል፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡር ዝዀነ ሰብኣዊ ፍጥረት መታን ምእኩል ክኸውን ካብቲ ናይ ኤኮኖሚ ረብሓ ምምእካል ዝብል ኪደት ምልቓቕ የድሊ፡ ናይ ብጻይና ሕይወት ኵላትና ተሓተትቲ ኢና፡ ኣብ ፍጻሜ ኵሉ እግዚኣብሔር ክጸባጸበና እዩ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተራኸቡ ስደተይናታትን፡  ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ብምኽንያት 2016 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ ዕለት 2 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ኣብ ለስቦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ብምትሕብባር ቅድስቲ መንበርን ካቶሊካዊ  ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮን ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ዝእክንገዱ 33 ዑቕባ ሓተትቲ ስደተይናታት ዕለት 4 ታህሳስ 2019 ዓ.ም. ብሓባር ከምእተመልሱን ካልኦት 10 ስደተይናታት እውን ኣብ ውሽጢ 2019 ዓ.ም. ተመሳሳሊ እንገዳ ተገይሩሎም ናብ ሮማ ክመጹ ምዃኖም ቅድም ክብል ከምእተሓበረ ኣምልኪቶም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ምድሓን፡ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ዝሓትተና ጸብጻብ እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ምድሓን፡ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ዝሓትተና ጸብጻብ እዩ
20 December 2019, 17:19