ኣብ ካዛኪስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣብ ካዛኪስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ 

ኣብ ካዛኪስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ነቶም ፎኪስን ከቢድን ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ቅሉጡፍ ፈውሲ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ንዝተሃስዩን ብጸሎቶም ቀረባ ምዃኖም

ኣብ ካዛኪስታን ብዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ምኽንያት 12 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 66 ፎኪስን ከቢድን ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ፡ 100 ተጓዓዝያን ኣሳፊራ ናብ ኑር ሱልታን ንኽትጓዓዝ ድሕሪ ናይ ቁሩብ ሰዓታት በረራ ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ምስ ተነግሮም ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾምን ግዳይ ንዝዀኑን ንናይ ሓደጋ ምክልኻል ኣባላትን ጸሎቶም ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ካብ ኣልማትያ ዝነቐለት ነፋሪት ዘጋጠማ ሓደጋ ዝተንግሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘንን ጸሎትን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ነቶም ፎኪስን ከቢድን ማህሰይቲ ዘጋጠሞም ቅሉጡፍ ፈውሲ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፡ ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ንዝተሃስዩን ብጸሎቶም ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ሓይሊ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ምጽንናዕን ድጋፍን ክዀኖም እጽልይ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ናይ በኪ ኣየር ንብረት ዝዀነት ነፋሪት 93 ተጓዓዝያንን ሓሙሽተ ናይታ ነፋሪት ሰራሕተይናታትን መራሕትን ኣሳፊራ ናብ ርእሰ ከተማ ካሳኪስታን ኑር ሱልታን ዘቕነዔት ክምዝነበረትን ካብ ኣልማትያ ነቒላ ድሕሪ ሒደት ናይ በረራ ሰዓት ምስ ሓደ ኣብ ሕንጸት ምስ ዘሎ ዓቢይ ሕንጻ ተጓኒጻ ከምዝወደቐትን ክንገር እንከሎ፡ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔር ካዛኮ ካስይም ጆማርት ቶካየቭ መንግስቲ ሃገሮም ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ማህሰይቲ ንዘጋጠሞምን ኵሎም ክኽሕስ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ዕለት 28 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ብሔራዊ መዓልቲ ሓዘን ከኸውን ከምዝኣወጁ ናይ ካዛኪስታን መንግስቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።    

ኣብ ካዛኪስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ
28 December 2019, 10:15