ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ሓነጽቲ ቅኑዕ ዓለም ኵኑ ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ሓነጽቲ ቅኑዕ ዓለም ኵኑ 

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ሓነጽቲ ቅኑዕ ዓለም ኵኑ

እቲ ዓለም ሓቆፋውን ብሔራውን ግጭታትን ማሕበራዊ ምግምማዕን ኢማዕርነትን ምኽንያት ዘሕዝን ትርኢት ኣብ ዝረአይሉ ዘሎ እዋን ዝለዓለ ሕውነታዊ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ውልቀ ሰባትን ኣብ ውሽጢ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ምንቕቓሕ

ዕለት 19 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ንፍልዩ ልኡክነ መግንስቲ ስልጣንን በዓል ምሉእ መዝን ብዝብል ናይ ልኡከ መንግስቲ ስልጣን ኣርካን ካብ ሃገረ ሲሸልስን ማሊን ኣንዶራን ከንያን ለቶኒያን ኒጀርን መግስታት ዝተላእኩ ልኡካነ መንግስታት ዘቕረብዎ ናይ ሽመት ደብዳቤተ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ልኡካነ መንግስታት ኣብ ተልእዀኦምን ዘለዎም ሓላፍነትን ናይ ሓባር ረብሓን ንግቡእ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ሓለፋ ኣብ ዝብል ኣገልግሎት ከውዕልዎ ተላብውዮም፡ ማሕበረ ክርስቲያን ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ዘብዕሎ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ፡ ናይ ሰላም በዓል እውን እዩ ቢሎም ነቶም ናይ ሽመት ደብዳቤኦም ዘቕረቡ፡ ናይ ሲሸልስን ከንያን ለቶኒያን ለስተ ደቀንስትዮን ኣብ ናይ ኤኮኖምን ስነ ምርምርን ልኡካነ መንግስታትን፡ ናይ ማሊን ኣንዶራን ኒጀርን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ልኡካነ መግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር እቲ ናይ ሕይወት ክብርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ሓለፋ ዝብል ቅኑዕን ሰላማውን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብረኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ሕይወትን ክብርን ሰብኣዊ መሰልን ውሑስ ክኸውን

ሰላም ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ናይ መላእ ዘርእሲ ሰብ ትምኒት እዩ፡ እዚ ኸኣ ብዘተ ንዕርቅን ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥን ብዝብል ተግባር ዝስነይ ናይ ተስፋ ኪደት እዩ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኵሉ ድጋፍን ተሓባባርነትን ቀንደይና ትውሳኔ ቅድስቲ መንበር ከረጋግጹ እንከለዉ፡

እቲ ዓለም ሓቆፋውን ብሔራውን ግጭታትን ማሕበራዊ ምግምማዕን ኢማዕርነትን ምኽንያት ዘሕዝን ትርኢት ኣብ ዝረአይሉ ዘሎ እዋን ዝለዓለ ሕውነታዊ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ውልቀ ሰባትን ኣብ ውሽጢ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ምንቕቓሕ ዝብል ሸቶ ዝገበረ ሓናጽን ኣብ ቅንዕናን ሓቅን ዝጸንዔ ዘተ ኣገዳሲ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብወገና ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን መላእ ሕዝብታትን ሰናይነት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምስ ኵሉ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ክትዓይን ክትተሓባበርን ሎሚ ከም ቀደም ስንድውቲ እያ፡ ተልእዀኹም እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገራትኵምን ዘሎ ሰናይ ርክብ ንምጽናዕ ዝብል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብሓባር እቲ ሕይወትን ክብርን ሰብኣዊ ሕይወትን ተፈጥሮን ክኽበር ቅኑዕን ሰላማውን ዓለም ንምሕናጽ እውን ዝብል እዩ

ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን።

ዘይተገዳስነትን ፍርሕን ምውጋድ    

ሰላም ካብ ዕርቂ እዩ ዝብገስ፡ ከምዚ እንተዘይኰነ ዓብላልነትን ፍርሕን ዘይተገዳስነትን እዩ ክብ ዝብል፡

ፍርሕን ዘይተገዳስነትን ምስ እነወግድ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዘለዎ ሃዋሁ ይሰፍሕን ይድንፍዕን፡ እዚ ኸኣ ናብቲ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ኪደት ማእከል ዝኸውን ቅኑዕን ንናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ሱታፌ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ፖለቲካን ዕድል ናብ ዝፈጥር ምዕቡል ጸንባሪ ባህሊ ዘሰንይ እዩ፡

ፖለቲካን ኤኮኖምን ንናይ ሓባር ቤትና

እቲ ድላይ፡ ሰላም ዝዕንቅጽ ዘበለ ኵሉ ምእላይ ዝብል እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ናይ ሓባር ቤትና ምኽባር ዝብል ተግባር ክጐድል እንከሎ ብፍላይ ኣብ ምጥቃም ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ቅንዕና ዘይኰነ ምዝመዛ ዝብል ምርጫ ክንበር እንከሎ ህዝብታትን ፍጥረትን እዩ ተዓዳይቲ ዝገብር፡ ስለዚህ እዚ ከይህሉ ብትብዓት ምዕያይ የድሊ ቢሎም፡ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ዛዕባ ከባቢ ኣማዞን ዝመኸረ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዘኪሮም፡

ካብ ስድራ ቤታዊ መዕበያን ማሕበራውን በርገሳውን ሕይወት ደረጃታት ክሳብ ናይ ፖለቲካው ውሳኔታት ኵሉ  ሓላፍነት ዝተመልኦ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮን ጸጋታቱን ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዝጠልብ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ ሓባር ረብሓን ናይ ሓባር ቤትና ረብሓን ዝጠልቦ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስብኣዊ ስድራ ቤት ናይ ሕይወትን ኵለንተናዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዓቕምን ብቕዓት ዘዋድድ ምትሕብባር ክህሉ ወሳኒ ይኸውን

ቢሎም ነቶም ሓደስቲ ልእካነ መግንስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ከምእተፋነዉ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ሓነጽቲ ቅኑዕ ዓለም ኵኑ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ሓነጽቲ ቅኑዕ ዓለም ኵኑ
20 December 2019, 17:09