ኣብ ታይላንድ ዝገብሮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምድንፋዕ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ሕዳር 19 ክሳብ 26 ሕዳር ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ንዝገብርዎ ሓዋያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ብምግባር ናብ ሕዝቢ ታይላንድ ዘቅነዔ ናይ ርእየት ወይ ቪድዮ መልእክቲ `ሕዝቢ ታይላንድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ እምነታት ውህደት ክህንሉን ብሰላም ሓቢርካ ንምንባርን ብዙሕ ከምዘበርከተ ብምግላጽ ናቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከኣ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ንምድንፋዕ ከምዝሕግዝ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝዓዘዘ ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ድሕሪ ኣቅሪቦም ‘ሓዋርያዊ ምብጻሐይ ኣድላይነት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዘጒልሕን ኣብ ነንሕድሕድካ ዘሎ ምርድዳእን ሕውነታዊ ምድግጋፍን ዘደንፍዕን ኰይኑ ምናዳ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታትን ደገፍ ዘድልዮም ወገናትን ተጸሚድካ ንሰላም ክትነግሥ ንምቅላስ ከደንፍዕ እምነተይ እዩ` እንክብሉ ናብ ሕዝቢ ታይላንድ መልእኽቲ ርእየት ማለት ቪድዮ ሰዲዶም።

ከምቲ መርሓ ግብር ሓውጾተ ኖልዎ ሃገራት ታይላንድን ጃፓንን ዝሕብሮ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 20 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ታይላንድ ከሕልፍዎ ምዃኑ እዩ። ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ‘እዚ ምብጻሕ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾኑ ተኸተልቲ ቡድሂዝም ዘለዎም ምቅርራብን ምሕዝነትን ንካልኦት ምስክር ኣብ ርእሲ ምዃን ዘርእይዎ ምጽውዋርን ውህደትን ከሐይሎ ዘሎዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።

ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ብቀንዱ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ብኣካል ረኺቦም ኣብ እምነቶም ንክጸንዑ ከተባብዕዎም ምዃኖምን ነቲ ኣብ መንጎ ሕዝቦምን ዓዶምን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዝገበርዎ ምትሕብባርን ውህደትን እውን ኣመጒሶም።

ሎሚ ከም ሎሚ ዓለምና ብዙሕ ዘይምስምማዕን ምክፍፋልን ምንጻግን ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ምርካብ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ምናዳ እቲ ክብሪ ግርማ ወዲሰብ ብምኽባር ዓቢን ንእስቶን ተባዕታይን ኣንስታይን ብማዕረ ዝረኣዪሉን መሰሎም ተሓልዩ ዝነብሩሉን ኩነታት ንካልኦት ኣብነት ክኸውንን ብዙሓት ብሠናይ ድሌት ክኽተልዎን ተላብዮም።

መርሓ ግብሮም ከምዘመልክቶ ቅዱስነቶም ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ ዕለት 19 ክነቅሉን ኣብ ርእሰ ከተማ ታይላንድ ባንግኮክ ክዓልቡን ዕለት 21 ሓሙስ ከኣ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሥርዓትን ንዝለዓለ ሓላፊ ቡድሂስት ክበጽሑን ኣብ ሃገራዊ እስታድዩም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ንጽባሒቱ ዕለት 22 ሕዳር ከኣ ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ኪራኸቡ ብድሕሪኡ ምስ ጳጳሳት ታይላንድ ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስ መራሕቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስያትንን ካልእ እምነታትን እውን ኪራኸቡ እዮም። ቀዳም ዕለት 23 ሕዳር ከኣ ኣብ ካተድራል ፍልሠታ ለማርያም ንመንእሰያት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ካብ ባንግኮክ ንቶክዮ ሃገር ጃፓን ክነቅሉ እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

16 November 2019, 12:59