ናጋሳኪ፡ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት እምነት

እዚ ታሪኽ ነቶም ቀዳሞት ናብ ጃፓን ዝተላእኩ ልኡካነ ወንጌልን ሰማዕታትን ኣስተንፍሶ ከምዝዀነ ንዝክር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ናጋሳኪ ኣብ ዝርከብ መዘክር ሓወልቲ ናይ እምነት ሰማዕታት ኰረብታ ተረኺቦም ጸሎት ኣዕሪጐም ኣብ ጃፓን ነቶም ብእምነቶም ምኽንያ ዝተሳዱን ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ዘኪሮም፡ ሎሚ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ብዙሓት ብእምነቶም ምኽንያ ኣደዳ ስደትን መከራን ከይኖም ኣለዉ ከምዝበሉ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ፊት መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት እምነት ናጋሳኪ ብጽሞና ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት ዘተኻየደ መደብን ፍጻሜ ኣብኡ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እውን ከምዘዕረጉን ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበ፡ ቅዱስ ፍራቸስኮ ሳቨሪዮ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ 1549 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ንተልእዀ ወንጌል ኣትዩን ኣብታ ሃገር ቀዳመይቲ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ከምዘቖመን ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንሕይወት ማሕበረ ክርስቲያን ዘስግእ ኩነት ክቀላቐል ከምዝጀመረን፡ ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ንሓድነት ሃገር ስግኣት ገይሩ ክሓስብ ብዝጀመረ ናይቲ እዋን ስርዓት ክርስቲያን ንስደትን መከራን ከምዝዳረገ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ተወኪሰን ብምዝኽኻር፥

ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሚኪ ሰማዕትነት

ኣብ 1596 ዓ.ም. ሾጉን ሂደዮሺ ንናይ ኦሳካን ሚያኮን ኣመሓደርቲ ንዅሎም ሰዓብቲ ናይ ካቶሊክ እምነት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከውዕሉ ምስ ኣዘዘ ሰለስተ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያንን ሽዱሽተ ፍራንቸስካውያንን ካልኦት ሰለስተ ሕጻናት ዝርከብዎም ዓሰርተ ሸውዓተ ኣባላት ሳልሳይ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ተኣሲሮም፡ ብእግሪ ንልዕሊ 800 ኪሎ ሜትር ክጓዓዙ ተገዲዶምን ድሕሪ 26 መዓልቲ ኣብ ኮረብታ ናጋሳኪ ምስ በጽሑ ሎሚ ብማሕበረ ክርስቲያን ጃፓን ጃፓናዊ ጐልጐታ ዝብል መጸውዕ ኣብ ዝተወሃቦ ስፍራ፡ ቅድም ቀዳድም ጳውሎስ ሚኪ ደሓር እቶም ካልኦቶ ሓደ ብሓደ ከምእተሰቕሉን፡ ሚኪ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ንሰቐልቱ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እያቶም እሞ ኦ ኣቦይ መሓሮም፡ እንክብል ዝጸለዮ ጸሎት ደጊሙ፡ ኦ ጐይታ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አወክፍ ከምዝበለ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ተመልኪቱ ከምዘሎ ኣዘኻኺረን፡

ፋሲካ ዘበስር ኵነት

ቅዱስነቶም ኣብ ፊት መዘክር ሰማዕታት ናጋሳኪ፡ ኣብቲ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣሳዶን ሰይፍን ዝተዓወተ ፍቕሪ የንጸባርቕ ኣሎ ቢሎም ሽምዓ ወሊዖም፡ ብጽሞና እቲ ናይ ቅትለትን ኣሳዶን ታሪኽ እናሓሰቡ ጸሎት ኣዕሪጐም፡ ሰማዕታት ናይ ሕይወት ተዓዋትነት የበስሩ እንክብሉ፥

እዚ ስፍራ’ዚ ትንሳኤ ዘበስር እዩ፡ ስለምንታይ ናይ መፈጸምታ ቃል ሞትን መከራን ሓሳርን ዘይኰነስ ሕይወት ምዃኑ ስለ ዝምስክር እዩ፡ ንሞት ዘይኰነ ንሕይወት፡ ንምልኣተ ሕይወት ዝተጸዋዕና ኢና፡ እቶም ሰማዕታት ነዚ እዮም ዘበሰሩ፡ እወ ኣብዚ ስፍራ እዚ ናይ ሞትን ሰማዕትነትን ጽልግላጐ ዘሎ እውን እንተመሰለ፡ ናይቲ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ክጽግወና ዝደለዮ ናይ ሓድሽ ሕይወት ዘርኢ ዝዀነ ብርሃት ትንሳኤ ዝተዘራኦ ስፍራ እዩ

ህያው ተዘክሮ

ናይቶም ናይ 26 ሰማዕታት ምስክርነት፡ ኣብ እምነት ዘጽንዓናን ውፉይነትናን ዕማምናን ነቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ኵሉ ሕይወት ምክልኻል ዝብል ባህሊ ብዕለታዊ ኣገልግሎትና ንዅሉ፡ብፍላይ ነቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ሓለፋ ብዝብል ኣገልግሎት፡ ብሰማዕትነት እውን ይዅን ክፍጸም ዝዓዪ ሓዋርያዊ ተልእዀና ንኽንነብር ዘተባብዓና እዩ፡

ኣብዚ ነቶም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ዝኽሪ ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ፊት ምርኻበይ፡ ምስቲ ካብ ጫፍ ዓለም ናብ ጃፓን ወንጌል ነኸበስር ዝመጸ ቀዳማይ መንእሰይ ኢየሱሳዊ ካህን በቲ ንሱ ዝነበሮ ንኡስነት መንፈስ ክፍጽሞን ክነብሮን እደልይ፡ እዚ ታሪኽ ነቶም ቀዳሞት ናብ ጃፓን ዝተላእኩ ልኡካነ ወንጌልን ሰማዕታትን ኣብ ጃፓን ኣስተንፍሶ ከምዝዀነ ንዝክር፡ ናይ ፍቕሮም ሰማዕትነት ኣይንረስዕ፡ እቲ ክቡር ቅዱሳት ትሩፋቶም ኣብ ቤተ መዝከር ዝዕቀብን ቤተ መዘክራዊ ክብሪ ዝወሃቦ ዘይኰነስ ህያው ዝኽርን ናይ መንፈስ ሃልሃልታን ንዅሉ ሓዋርያዊ ተልእዀ ኣብዛ ምድሪ ወንጌላዊ ቅንኢ ንምጉህሃርን ንምሕዳስን ብቕዓት ዘጸግው ይዅን።

ናይ ትማልን ናይ ሎምን ሰማዕታት እምነት

ኣስዒቦም እውን ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሰማዕታ እናሓሰቡ፡

ኣሕዋተይ፡ ኣብዚ ናይ ሰማዕታት መዘክር፡ ናይቶም ኣብ እዋናዊ ዓለም ብእምነቶም ምኽንያት ኣብ ናይ ዝሳደዱ ኣሕዋት ሰማዕትነት ንሕበር፡ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሰማዕታት ምስክርነት እቲ ናይ ጐይታ ትምህርቲ ብፅዕና ንኽንነብር ይጽውዑና፡ ስሌኦም ንጸልይ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ኩሉን ንዅሉን ውሑስ መታን ክኸውን ድምጽና ነስምዕ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ጸንፈይናውን ኣኽራርን ገማማዕን ናይ ጽልእ ህልዩን ናይ ሰባት ግብርን ፍጻሜን ዝውስኑ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ግብረ ጸቕጢ ንቃወም፡

ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ናጋሳኪ፡ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት እምነት

Photogallery

ናጋሳኪ፡ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዘክር ሓወልቲ ሰማእታት እምነት
24 November 2019, 14:14