ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ወንጌል ብሉጻት ተግበርቲ ንዅን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ወንጌል ብሉጻት ተግበርቲ ንዅን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ወንጌል ብሉጻት ተግበርቲ ንዅን

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማራማርን ቅዱስ መጽሓፍ ዘጽንዕ እውን ናይ ግዜ ምልክት ብምልላይ ናይ ቃል እግዚኣብሔር ተርጐምቲትን ነቲ ቓል ተላቢሶም ክርከቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ቤተ ክርስቲያን ሙዚቃን ትግባረን(ትውሳኤን)፡ ኣገዳስነት ዘተን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ኣብ ዘዳለዎ ዓለም ሓቆፋዊ ሳልሳይ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም፡ ዕለት ብዕለት ናይ ወንጌል ተዋሰእትን ተግበርትን ኣብ ምዃን ክብ ምባል የድሊ ዝብል ጻውዒት ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ተርጓሚ/ተግባሪ/ተዋሳእን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ተመራማርን ብማዕረ ማዕረ ብምምልካት ኣብ መዳይ ስነ ሙዚቃ እቲ ደራስን መራሕን ዘዝይምን በዓል ድምጽን፡ ብስኒት ጥዑም ውሁድ ቅንይት ክስማዕ ከይገብሩ፡ እቲ ተዋሳኢ ወይ ውን ተግባሪ ኣካል ኣብ ቅድሚ እቲ ዝላበሰ ወጅሂ ባህርይ ናይ ትውኒት ኰይንዎ ብዘምስሎ መልክዕ ዘቕርቦ ተውኔትን፡ ዝተወሃበካ ክፍሊ ተውኔት ኣጽኒዕኻ ልክዕ ኴይንካዮ ንምቕራብ ኣትገብሮ ጻዕሪ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማራማርን ቅዱስ መጽሓፍ ዘጽንዕ እውን ናይ ግዜ ምልክት ብምልላይ ናይ ቃል እግዚኣብሔር ተርጐምቲትን ነቲ ቓል ተላቢሶም ክርከቡ እዩ ዝግብኦም፡ ቅኑዕ ዘተ ዘመዝርቑን ናይ እግዚኣብሔር ድላይ ኣብ ህልውናኦም ተርጒይሞም ክርከቡን፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ብማህሌታዊ ሓሴት ክውደስን ክምስገንን መታን።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 7 ግንቦት 1964 ዓ.ም. ኣብቲ ምስ ናይ ስነ ጥበብ ኣካላት ኣብ ዘካይድዎ ታሪኻዊ ርክብ፡

ስነ ጥበባውያን ዘለዎም ተልእዀ ናይ መንግስተ ሰማይ ሃብታት ኣአንጊድድካ ነቲ ሰማያዊ መንፈስ ቃላት ኣልቢስካን ቅርጺ ሂብካን ብዅሉ ተበጻሒ ምዃኑ ምምስካር እዩ!

እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ናይ እግዚኣብሔር ክውንነት ክፍለጥ ዝግበሩ እያቶም፡ እዚ ክውንነት እግዚኣብሔር’ዚ ንእንነብረሉ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

እቲ ካብ ዕለት 7 ሕዳር ክሳብ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ቀደም ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ዝተኣንገደ ከምዝነበረን፡ ኣተኵሮኡ ድማ ኣብ ቅዱስ ማህሌት ኰይኑ፡ ብዛዕባ ማህሌትን ቃና ማህሌትን ድምጸ ማህሌትን ህርመት ማህሌትን ማህሌታውያንን ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታ ኣማእኪሉ እውን ሰፊሕ ምይይጥ ዘካየደ ምንባሩ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ወንጌል ብሉጻት ተግበርቲ ንዅን
09 November 2019, 18:05