ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ናይተን ካብ ምዕራብ ዓለም ዝረሓቓ ሃገራት ባህሊ ክፍለጥ ግበሩ ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ናይተን ካብ ምዕራብ ዓለም ዝረሓቓ ሃገራት ባህሊ ክፍለጥ ግበሩ 

ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ናይተን ካብ ምዕራብ ዓለም ዝረሓቓ ሃገራት ባህሊ ክፍለጥ ግበሩ

ነቶም ኣብ ናይ ምፍናዎም ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ላዕለዎት ኣካላትን ሓይሊ ጸጥታን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም

ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ታይላንድ እተብጽሖም ነፋሪት ኣሊታልያ ሓቢሮም ንዘሰንይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ኣብ ስርሖምን ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ተመንዮም ንስንዮታኦም ኣመስጊኖም፡ ሓደራዅም ናይቲ ርሑቕ ዓለም ባህሊ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ክፍለጥ ግብሩ ቢሎም ከምዝመዓዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ናብታ ነፋሪት ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፅብ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ብናይ ንኡሳን ደናግል ድኻታት ማሕበር ምስ ዝእለዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ስኡናት ኣባላት ክፍሊ ሕብረተብ ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብ ናይ ምፍናዎም ስነ ስርዓት ንዝተረኽቡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ላዕለዎት ኣካላትን ሓይሊ ጸጥታን ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን ነተን ኣብ ኣፈት እታ ነፋሪት ንዝጽበየኦም ንዝነበራ ኣአንገድትን ናይታ ነፋሪት ኣዛዚ ኣልበርቶ ኮላኡቲ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ደ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ቅዱስነቶም ብናይ ታይላንድ ሰዓት ኣቆጻጽራ ዕለት 20 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓለትን ፈረቓን ባንግኮክ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ንጋዜጠይናታት፥ ናይተን ካብ ምዕራብ ዓለም ዝረሓቓ ሃገራት ባህሊ ክፍለጥ ግበሩ
20 November 2019, 16:07