ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ኵልና ሓጢኣት ንናይ ጐይታ ጸጋ ምንጻግ እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ኵልና ሓጢኣት ንናይ ጐይታ ጸጋ ምንጻግ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ኵልና ሓጢኣት ንናይ ጐይታ ጸጋ ምንጻግ እዩ

ኣብ ቅድሚ እቲ ናጻ ዝዀነ ኵላዊ በዓል፡ ግዜ የብለይን ክመጽእ ኣይከኣለንን ዝብሉ ኣመኽነይቲ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ ናይ ሕዝቢ እስራኤል ሓጢኣትን ናይ ኵላትና ሓጢኣትን እዩ

ጐይታ ኣብቲ ምስኡ ናይ ምራኻብ በዓል ይዕድመና ኣብ ቅድሚ እቲ እምቢ በሃልነትና ከኣ ናብቲ በዓል እቶም ኣብ ጐደናታት ዝርከቡ ድኻታትን ህሙምንን ክዕደሙ ዝጸውዑ ልኡኻቱ ይሰድድ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 15 ክሳብ 24 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ጐይታ ዕድመ ክቕበል ድየ ዝደልይ ወይ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስይ ነኣሽቱ ነገራትን ኣብ ርእሰ ንኡስነት እየ ክዕጸው ዝደልይ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ምንባብ፡ ብዛዕባ ዓቢይ ድራር ዝገብር ሰብኣይ ይዛረብ፡ ናብቲ ድራር ዝተዓደሙ ኵሎም ከኣ ምኽንያት እናቕረቡ ከይመጹ ይተርፉ፡ ነዚ ምስ ሰምዔ ናብቲ ናይ ድራር መኣዲ ነቶም ኣብ ኣደባባይ መተሓላለፊ ከተማታት ንዝርከቡ ድኻታትን ህሙማንን ክዕደሙ ይገብር፡ እቶም ድኻታትን ህሙማንን ዓይነ ስዉራንን ኣብቲ እዚዩ ሃብታም ዝዀነ መኣዲ ድራር ይመጹን ናይቲ በዓል ተሳትፍቲ ይዀኑ፡ እዚ ምንባብ’ዚ ናይ ድሕነት ታሪኽን ናይ ገለ ገለ ክርስቲያን ጠባይን ብሓጺሩን ብጥልቅን ዘብርህ ዘመላኽት ምዃኑ ኣብሪሆም፡

እቲ በዓል ሓሴትን ናጻን እዩ

ድራርን በዓልን መግለጺ ዘለዓለማውነት ምስ ጐይታን ናይ ሰማይ መግለጺ እዩ፡ ኣብ እትዕደሞ በዓል ምስ መን ከምእትራኸብ ኣይተፍልጥን ኢኻ፡ ካልኦት ዕዱማት እውን ስለ ዘለዉ፡ ዘይትፈልጦምን ክትራኸቦም እውን ዘይትደልዮም ሰባት እውን ክረክብዎ ዝክእል እዩ፡ ናይ በዓል ህዋውሁ ሓሴትን ናጻን ዕድመ እዩ፡ እውነተይና በዓል ህያብን ናጻን እዩ፡

ኣብ ቅድሚ እቲ ናጻ ዝዀነ ኵላዊ በዓል፡ ግዜ የብለይን ክመጽእ ኣይከኣለንን ዝብሉ ኣመኽነይቲ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ ናይ ሕዝቢ እስራኤል ሓጢኣትን ናይ ኵላትና ሓጢኣትን እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጽው ምዃን፡ ካልእ ዕማም ኣሎኒ ምባል፡ ክመጽእ ኣይክእል ዝብል ኣነነት፡

እቲ ምርጫ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብን ወይ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጉዳይ ተዓጺኻ ምትራፍ እዩ

ነቲ ዝተዓደምካሉ በዓል ምንጻግ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ዝዓደመካ ምንዓቕ እውን እዩ ዘስምዕ፡ ንጐይታ ብበዓላትካን ዕድመታትካን ኣይትረብሸኒ ምባል እዩ ዘስምዕ፡ ነቲ ምስ ጐይታ ምርኻብ ዘውህቦ ሓሴት ምንጻግ እዩ፡

ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ኣብ ቅድሚ እዚ ምርጫ’ዚ ኢና እንርከብ፡ ብዙሕ ጊዜ እውን፡ ንጐይታ ንኽትራኸቦ ምድላይን ወይ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩነት ተዓጺኻ ምትራፍን፡ … ሓደ ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣተው ጭንቂ ምዃኑ (ማቴ. 19. 23-30) ባዕሊ ኢየሱስ ይነግረና፡ ብርግጽ ቅዱሳትን ቅኑዓትን ዝዀኑ ሃብታማት እውን ኣለዉ፡ ኣብ ምድራዊ ሃብቲ ዘይጥቡቓት፡ እቶም ዝበዝሑ ሃብታማት ግና ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝተዓጽዉ ምዅኖም ርኡይ እዩ፡ ስለዚህ እዩ ድማ ነቲ ብናጻ ዝቐርብ ዕድመ ንምቕባል ዘሸግሮም፡ …

ጐይታ ንዅሉ፥ ሓጥእ ይዅን ጻድቕ ብዘይገድስ ንዅሉ ይዕድም

ኣብ ቅድሚ እምቢ በሃልነትና ጐይታ …. ኵሉ ሓጥእ ይዅን ጻድቕ ብዘየገድስ ይዕድም፡ ኣነ ሓጥእ እየ እሞ ኣይግብኣንን ዘይበሃለሉ ንዅሉ ክፉት ዝዀነ መኣዲ፡ ሓጥእ ኵን ኣይትዅን ጐይታ ይጽበየካ ኣሎ፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ናይቲ ጥፉእ ወዲ ደሓር ናብ ቤት ኣቦይ ምምላስ ክሕሸኒ እዩ ዝበለን ኣብ ምምላሱ ኣቦኡ ከይተጸባጸበ ዘብዓሎ፡ ዘኪሮም ጐይታ እቲ ብናጻ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝሓቚፈና ኣቦ እዩ፡ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ፡ ብዛዕባ ግብዝነት ይዛረብ፡ እቶም ንኢየሱስ እይንቕበልን ዝበሉን ዝነጸግዎን ገዛእ ርእሶም ጻድቐይናታት ገይሮም ዝሓስቡ እያቶም፡ ጐይታ እውን ተቐበልቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ናብ መንግስቲ ኣማልክ ክቕድሙኹም እያቶም እንክብል ከምእተዛረቦ እዩ፡ … ጐይታ ነቶም ዝተናዕቑ ኣዚዩ የፍቅር፡ ስለዚ እዩ ድማ ዝጽውዓና፡

ጐይታ ንዘቕርበልና ዕድል ንሕሰብ፡ ኣነ እንታይ እየ ዝመርጽ፡ ነቲ ንሱ ዘቕርበለይ ሕይወት ድየ ወይ ከኣ ገዛእ ርእሰይ እየ ዝመርጽ፡ ናይ ጐይታ ዕድመ ወትሩ እቕበል ዶ ወይ ከኣ እነጽጐ፡ ናብቲ ናይ ጐይታ በዓል ንኸነብልን ወትሩ ዕድመኡ እንቕበል መታን ክንከውን ጸጋኡ ንለምን

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዛዘሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ኵልና ሓጢኣት ንናይ ጐይታ ጸጋ ምንጻግ እዩ
05 November 2019, 17:43