ር..ሊ.ጳ. ነቶም ብሰለስተ ከቢድቲ ሓደጋ ንዝተጐድኡ፥ ዘይተገዳስነት ብርህራሀ እዩ ዝሰዓር

እቲ ዝሃስይ ክፍኣት ዘበለ ኵሉ ካብ ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን እዩ ዝነቕል፡ ስለዚህ ኣባላት ስድራ ኢና ሓደ ካባና ምስ ዝሳቐይ ኩላትና ከምእንሳቐይ ዘስተዕል ሕልና ይሃልወና

ብናይ ጃፓን ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተን ሓምሳን ደቓይቕ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናብ ዕለት 25 ሕዳር ኣብ ዘሰጋገረ ለይቲ ሰዓት ሓደን ሓምሳን ደቓይቕ ናብቲ በለሳለሃንዞሞን እተሰምየ ኣብ ማእከል ከተማ ቶክዮ ናብ ዝርከብ ዓቢይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ነቒሎም ድሕሪ 10 ደቓይቕ ኣብኡ በጺሖምን ምስቶም ኣብ ጃፓን ተኸሲቱ ብዝነበረ ርእደ መሬትን ርእደ ምድረ ባሕሪ ማያትን ናይቲ ዕለት 11 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ብዝተኸስተ ናይ ኑክለስ ሓደጋን ኣደዳ ምስ ዝዀኑ ኣባላት ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምእተራኸቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ጃፓን ብዝተኸስተ ርእደ መሬትን ነውጺ ምድረ ባሕሪ ማያትን ኑክለሳዊ ሓደጋን ግዳያት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ር.ሊ.ጳ. ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም፡ ነቶም ካብቲ ሰለስተ ሓደጋ ካብ ዝተረፉ 10 ዜጋታት ኣብቲ እቲ ርክብ ዝካየደሉ ኣዳራሽ መድረኽ ሰላምታ ተወዋዊጦም ምስ ኣብቅዑ ቃል ምስክርትነት ምስ ተሰምዐ፡ ስለ እቶም በቲ ሰለስተ ሓደጋ ሞት ንዘጋጠሞም 18 ሺሕ ዜጋታት ናይ ጽሞና ጽሎት ቀሪቡ፡ ነቶም ቃል ምስክርነት ዘስምዑ፡ ልዊን ቶሲሮን ናይ ቡድሃ ሃይማኖት መነኮስ ቶኩን ኣመስጊኖም፡ ኵላትና ምእንቲ እቶም ግዳይ ዝዀነ ኣብ ዝቐርብ ናይ ሕልና ጸሎት ንሕበር ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ

ነቲ ዝዓነወ ከባቢ ዳግማይ ሕንጸትን ነቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ናብ ንቡር ሕይወቱ ክምለስ ዝተሓባብሩን ድጋፍ ዘቕርቡን ኵሎም ኣመስጊኖም፡ ናይቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ሳዕቤናቱ ኣብ ምድርን ኣብ ሕይወትን ርኡይ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም፡

ብሓባር እምበር ንበይንኻ ኣይሕነጽን፡ ዝመሓዙ ኣእዳው የድልዩ

ቅዱስነቶን ንሰብ ጽቡቕ ድላይ እናሓሰብ፡ ኣብ ምድግጋፍን ምትሕልላይን ምስልካይ ከይህሉን፡ ሕንጸት ብበይናውነት ኣይሳለጥን፡ ምእንቲ’ዚ ዝሓብሩን ዝመሓዘዉን ኣእዳው የድልዩ፡

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት እቲ ሰለስተ ሓደጋ፡ ሕዝቢ ጃፓን ሕብረቱን ሓድነቱን መስኪሩ እዩ፡ እቲ ዝተጐድአ ከባብን ሕዝብን ናብ ንብሩ ኩነታቱን ሕይወቱን ክመልሰ ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትት፡ ስለዚህ እቲ ሕዝቢ ዘርእዮ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ክቕጽልን ኣብዚ ሰናይ ተግባር ከኣ ኩሉ ክሓብር ሓደራ።

ኣብ ቅድሚ መጻኢ ወለዶ ዘሎና ሓላፍነት

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ኢና፡ ሓደ ካባና ምስ ዝሳቐይ ኩላትና ንሳቐይ

ናብቲ ንቡር ሕይወት ንምምላስ ዝግበር ጻዕር ብሓንሳብ ዝከኣል ኣይኰነን ቀስ ብቐስ እዩ ዝፍጸም፡

እቲ ዝሃስይ ክፍኣት ዘበለ ኵሉ ካብ ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን እዩ ዝነቕል፡ ስለዚህ ኣባላት ስድራ ኢና ሓደ ካባና ምስ ዝሳቐይ ኩላትና ከምእንሳቐይ ዘስተዕል ሕልና ይሃልወና፡ ንሓድ ሕድና ተሟራኾስቲ ኢና፡ ሓደ ኣካል ኢና፡ እዚ ኣፍልጦን ጥበብን’ዚ ጥራሕ እዩ ንጸገማት ዓለም ለኻዊ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል።

ብፁዓን ጳጳሳት ጃፓን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድ ይሓትቱ

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ፉኩሺማ ዝተኸስተ ሓደጋ ናይ ዳይቺ ናይ ኑክለስ ማእከልን ሳዕቤናቱን እናሓሰቡ፡ እቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ዘስዓቦ ዕንወት ኣብቲ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ተሓጺሩ ዝተርፈ ዘይኰነስ ሳዕቤቱ ቀጻሊ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን። ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ናይ ሰብኣዊ ምዕባለ መምዘኒ ክኸውን ኣይግባእን፡ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘስዕቦ ጸገም ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ብዙሕ ኣሎ፡ ስለዚህ ምስ ኵለንታዊ ምዕባለ ዝጣመር ክኸውን ኣለዎ ምስ በሉ ኣተሓሒዞም ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፡ ሓንሳብ ደው ንበል እሞ መን እየ፡ መን ኢና፡ ዝብል ሕቶ ነቕርብ፡ እንታይ ዓለም ኢና ክንሓንጽ እንደልይ?ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ክነውርስ ንደልይ? ዝብል ሕቶ ነቕርብ፡

ኣብ ቅድሚ መጻኢ ወለዶ ዘሎና ሓላፍነት

ብጥበብን ብተመክሮን ኣረጋውያን፡ ብሓባር ናይ ሓድሽ ወለዶ ጻዕርን ውዕዉዕ ሓይልን፡ ኣጣሚርካ ካልእ ሓድሽ ምዕዳዎን ራእይን ቅርጺ ምትሓዝ፡ ሕይወት ጸጋ ምዃኑን ናይ ሕይወት ጸጋታትን ዘኽብርን ምትሕብባር ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ህብረ ባህልን ህብረ ባህሊ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ዘህልው፡

ንናይ ሓባር ቤትና መጻኢ ክንሓስብ እንከሎና፡ ኢጐነታዊ ውሳኔታት ክንፍጽም ከምዘይግብኣና ነስተውዕል፡ ኣብ ቅድሚ መጻኢ ወለዶ ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘሎና ንግንዘብ፡ ስለዚህ እዩ ድማ ትሑትን ቁጡብን ብመሰረታውያን ኣድላይቲ ምንባር ዝብል ኣገባብ ሕይወት ክንመርጽ ዝግብኣና፡

ርህራሀ ኣብ መጻኢ ተስፋ የሀልው

ነቲ በቶም ሰለስተ ሓደጋታት ዝተጐድአ ህዝብን ከባብን ዳግም ኣብ ምህንጻ ናይ ኩሉ ዜጋ ኣእዳው ክሓብራ ልብታት ክሓብሩን ይግብእ፡ ሓደ ምዃን ዝሓትት ተግባር እዩ፡ ሓገዝ ደልዩ ሓፍ ዝብል ኢድ ዝድግፍ ኢድ ክርከብ፡ ኵሉ ተስፋን ምርግጋእን ውሑስ መጻእን ንኽረክብ ዘብቅዕ ጐደና ርህራሀን ምትሕልላይን ምስዓብ ከምዘድሊ ገሊጾም ዝስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

Photogallery

ር..ሊ.ጳ. ነቶም ብሰለስተ ከቢድቲ ሓደጋ ንዝተጐድኡ፥ ዘይተገዳስነት ብርህራሀ እዩ ዝሰዓር
26 November 2019, 09:32