ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ግብረ ሰናይ ዑቕባ ፍቕሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ግብረ ሰናይ ዑቕባ ፍቕሪ 

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ግብረ ሰናይ ዑቕባ ፍቕሪ

ድሕሪ ናይቲ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ በኒኖ ኣምብራውስ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃለ ሰላምታ በቲ መውሃቢ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ካብ ዝእለውዩ ድኻታት ዘቕርብዎ ቃለ ምስርክነትን ስዒቡ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ምዃኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብናይ ሰበኻ ሮማ ሓዋርያዊ ኣገግሎት ግብረ ሰናይ ዝመሓደር ዑቕባ ፍቕሪ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ማእከል ዝተመስረተሉ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ሎሚ ዕለት 29 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ ምስቶም ዑቕባ ፍቕሪ እተሰምየ ማእከል ዘመሓድሮም 220 ድኻታን ኣብቲ ማእከል ግብረ ሰናይ ምስ ዘገልግሉ ወለንተይናታን ክራኸቡን ናይቲ ማእከል ግብረ ሰናይ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ከምዝበጽሑን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዝፍጽምዎ ዓርቢ ዘምሕረት ሓዋርያዊ መደብ ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዓመተ ምሕረት ኢዮቤል ኣትሒዙ ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ዑቕባ ፍቕሪ ብናይ ሮማ ሰበኻ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ተራዳኢ ጳጳስ ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ኣቡነ ጃንፒየሮ ፓልሚየሪ ተሰንዮም ዘካይድዎ ምብጻሕ ንጠቕላላ ናይ ሮማ ካሪታስ እተሰምየ ኣገልግሎት ረድኤት ከምእተራኸቡን፡ ድሕሪ ናይቲ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ በኒኖ ኣምብራውስ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃለ ሰላምታ በቲ መውሃቢ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ካብ ዝእለውዩ ድኻታት ዘቕርብዎ ቃለ ምስርክነትን ስዒቡ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናይ ሰበኻ ሮማ ማሕበር ግብረ ሰናይ (ካሪታስ) ዘመሓድሮም ናይ ድኻታት መመገብን መሕደርን መእለዪ ኣባይቲ ስድራን ካልኦትት ኣብ ዝተፈላለዩ ቁምስናታት ዝርከብ 157 ድኻታት ዝስምዕሉ ኣባይቲ ጽሕፈትን 5 ንሰብ መሰረታዊ ኣድላዪ ዝዀነ ኵሉ ንድኻታት ብናጻ ዝቕርብ ድኳን ዘጠቓልልን ከምዝዀነን። ምስቲ ኣብ እዋንና ዝኽስተቱ ሓደስቲ ድኽነት ዝመዓራረይ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ እናዕበየን እናሰፈሔን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎ መውሃቢ ማእከል ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘተኰረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘቕርብ እውም ከምዝዀነ ይሕብር።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ግብረ ሰናይ ዑቕባ ፍቕሪ

Photogallery

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ግብረ ሰናይ ዑቕባ ፍቕሪ
29 November 2019, 11:41