ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ

ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ፡ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ድሕነት ሮማውያን ቅድስተ ማርያም ሓዋርያዊ ብሰላምን ምዝዛሙ በማላድነታ ናይ ግሊ ናይ ምስጋና ጸሎት ኣዕሪጎም ኣብ ትርጋጽ እቲ ምስሊ እውን ቁኑን ዕንበባ ከምዘንበሩ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ዕለት 14 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንፈለማ ግዜ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ መንፈሳዊ ንግደት’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝፍጽምዎ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ምምላሶምን ዝፍጽምዎ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎን፡

ንኽብሪ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን

እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን፡ ሕጻን ኢየሱስ ዝሓቖፈት ማርያም ዘርእይ ስምሊ ክኸውን እንከሎ፡ ብሰብ ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኸምኡ ኣይኰነን ስለምንታይ ብኣምላኽ ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ፡ ዝብል እምነት ዝምስክር ምስሊ ምዃኑን እዚ ቅዱስ ምስሊ’ዚ ብኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳትብ ብኢየሱሳውያን ማሕበርን ዓቢይ ክብሪ ዝወሃቦ እዩ።   

27 November 2019, 11:30