ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እውነተይና ፍትሒ ኣብ ዘተ ዝጸንዔ ጐናዪ ባህሊ ኣይፋ ዝብል እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እውነተይና ፍትሒ ኣብ ዘተ ዝጸንዔ ጐናዪ ባህሊ ኣይፋ ዝብል እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እውነተይና ፍትሒ ኣብ ዘተ ዝጸንዔ ጐናዪ ባህሊ ኣይፋ ዝብል እዩ

መቕጽዒ ሕጊ በገባብ ክትግበር ሚዛኖም ዝሓለዉን ዝተሰናዳውን ናይ ሕግን ስርዓትን ጉዳይ ሓላፍቲ ክህልዉ ኣገዳሲ እዩ፡ … ዘለዎም ዓቢይ ሓልፍነት ዝስቆሮም ክዀኑ ይግባእ

ር.ሊ.ጳ. ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገበናት መቕጽዒ ሕጊ ጉዳይ ዝከታተል ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ መበል 20 ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም፡ ናይ ሰብኣዊ ፍትሒ ሃያሲ ኵነቱን ኣብ ዓለም ናይ ፍትሒ ክርስቲያናዊ ትርጉሙ ዘዘኻኽር ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቅድሚ ዝርአይ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ ብዘንጸላልው ስግኣት ከይተሓለለ ጽኑዕ ከይኑ ከምዝርከብን፡ ኣብቲ ኣምልዀ ዕዳጋን ስግኣት ኣኽራርነት መቕጽዒ ሕግታትን ንዝረኣየሉ እዋናዊ ማዕቅፋት እናሓሰቡ፡

ኣምልዀ ዕዳጋ

እቲ ተኣፋፊ ዝዀነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ዕዳጋ ድላያትን መኽሰባትን ፊት ንሓደጋ ተቓሊዑን ከምቲ ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእቱ ዓዋዲ መልእኽቶ ዝበልዎ፡ ገለ ገለ ናይ ኤኮኖሚ መዳያት ኣብ ልዕሊ መንግስታት እውን ጸቕጥ ከምዝገብሩን ልዕለ መንግስታት ክዀኑ ይረአዩ ኣለዉ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም።

ነቶም ስርዓትን ተቕዋማት ደሞክራስን ንገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ምዕባለ እውን ከይተረፈ ንሓደጋ ዘቃልዑ ክስተታት ንምብዳህ ሰብ ሙያ ሕጊ በቲ ዘለዎም ፍልጠት ኣቢሎ ብውልቅን ብማሕበርን እንታይ ከነበርክት ንኽእል ቢሉ ገዛእ ርእሱ ይሕትት፡ እቲ ዘሎ ህልው ኵነት ብጭቡጥ ከስ ኣኽራሪ ሕጊ ናብ ምዃን ዝብል ፈተና ዝድርኽ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣባይቲ ማሕቡስ ከዕለቕልቑን ምንጻልን ናብ ዝብሉ ጸገማት ዘብጽሕን ማሕበራዊ ናይ ተቓውሞ ሕቶታት ገበን ተባሂሉ ናብ ምግላጽን መሰረታውያን ናይ ገበን መቕጽዒ ዝሓቶ ቅኑዕ ናይ መርመራ ኪደት ንኸይህሉ ይድርኽ።

መቕጻዕቲ ናብ ህልዩነት ናይ ምቕያር ስግኣት

ናይ ስነ ሕገ መቕጻቲ ካብ ዘጋጥሞ ዓበይቲ ብድሆታት ስነ ምርምር ስርዓትን ሕግን ዘለዎ ህልዩኣዊ ራእይ ክስገር ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕግን ስርዓት ኪደትን ትጽቢታትን ኣመኔታ ክህሉ ብዝብል ድላይ መሰረት ዝዀነ ይዅን ግብረ ገባዊ ምኽንያት ዘይብሉ መቕጽዒ ሕጊ ብጸቕጢ ምቕራብ ናብ ዝብል ዓይነት ኣሰራርሓ እዩ ዘሰንይ።

ናይ ኤኮኖሚ ገበናት ሰዝዕቦ ማሕብራዊ ማህሰይቲ

ርሊ.ጳ. ኣብቲ ዝለገስዎ ነዊሕን ዓሚይቕን ቃለ ምዕዳን፡ ናይ ገበን መቕጽዒ ካብቲ ዘርእዮም ጉድለታት ሓደ ኣዳላዊ መቕጻዕቲ ዝብል እዩ፡ ፍትሒ ዘይኰነ ማዕርነት ዘይብል ከይኑ ይርከብ፡ ብዘለካ ሃብትን ዘለካ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ኣርካን ዝምልከት፡

ዓለም ሓቆፍ ቁጠባዊ ርእሰ ማል ኣብ ልዕሊ ዋንነትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ከባብን ናይ ዝፍጸም በደል ኣናስር እዩ፡ ዝተወደበ ናይ ገበን ጉጅለታትን፡ ሃገራትን መንግስታትን ናይ ዝለዓለ ልቓሕ ተኣወድቲ ምግባርን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምምዝማዝን ዝብሉ ንምጥቃስ ይከኣል፡

ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕግን ገበን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረትን   

ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘዕድይ ዘይምዕሩይ ኣገባብ ብምጥቃም ዝፍጸም ገበን፥ መቕጽዒ ሕጊ ሸለል ክብሎ ዝይግብኦ ጉዳይ ምዃኑ ከመላኽቱ እንከለዉ፡

ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ዓቢይ ገበን፡ ናብ ጥምየትን ሕሰምን ድኽነት ብዘይ ድላይ ንስደን ንዝተፈላለዩ ሕምማትን ዕንወት ከባብን ጽልዕ ዓሌትን ጽልእ ቀዳሞት ተወለድትን

ዝኣመሰሊ ገበናት ብቐሊሉ ዘህልው ምዃኑ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ጠቒሶም ኣብሪሆምን፡ ስነ ምህዳራዊ ሓጢኣት ጸረ እግዚኣብሔርን ብጻይካን ከባቢን እዩ።

ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም (ናይ ስልጣን ዓመጽ)

ካልእ እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ፡ ናይ ስልጣን ዓመጽ ዝብል ጠቒሶም፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝረአይ፡ ሓይሊ ምክልኻልን ሓይሊ ጸጥታን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝፍጽምዎ በደል ሕጊ ንምኽባርን ንሕግን ስርዓት ተኣዛዚ ካብ ምኽን ዝነቐለ እዩ ዝብል ዝኸነ ይኹን ዝፍጽምዎ ዓመጽ ምኽንያት ዝህብሉ፡ ትእዛዝ ናይቲ ስልጣኑ ብግቡእ ዘይጥቀም ካልኦት እውን ናይዚ ከምዚ ዓይነት ገበን ተሳተፍቱ ዝግብር ገበን ገሊጾም፡ እዚ መንግስታዊ ናይ ሕግን ስርዓትን ሉኣላውነት የፍርስ፡ እዚ ዝተፈላለዩ ዓሌታውነት ቅድመ ፍርድታትን ገለ ገለ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናብ ሕራጐት የሰንይ።

ናይ ጽልእ ባህልን ጸረፖለቲካዊ ጦብላሕታን

ጐናይ ባህሊ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ናይ ጽልእ ባህሊ ዝፈጥር እዩ፡ ስለዚህ እዚ ኵነት እዚ ብናዝያውን ጽልእ ዓሌትን ተግባራት የስትርአይ፡

ብዘይ ምኽንያት እውን ኣይኰነን ናይ ናዚ ፍልዩ መለለዪ ዝዀነ ሰንደቕን ግብርን እናተመላለሰ ዝረአይ፡ ገለ ገለ እዋን ዝሰምዖ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ መንግስቲ ስርዓትን ሕግን ኣኽባርን ናይ መንግስትን ኣካላት ዘቕርብዎ መደረ ነቲ ናይ  1934 ዓ.ም.ን ናይ 1936 ዓ.ም. ናይ ሂትለር መደረታት የዘኻኽረኒ፡

ሕግጋት

ቅዱስነቶም ክስተት ሕግጋት እናሓሰቡ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዝፍጸም ጠቐነን ናይ ሓሶት ክስን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝንዝሑን ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ክሲ ኣምሲልካ ናይ ምቕራብ ተግባራት ኵሉ። ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ህልውና ንምጥፋእን ዓብላሊ ስርዓት ሕጊ ንምቛምን ዝኣመተ እዩ።

ጻውዒት ኣብ ሓላፍነት

ናይ መቕጽዒ ሕግታት ሊቃውንትን ተመራመርትን፡ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ክትግበር ዘኽእል መገድታት ዘመላኽቱ ክዀኑ ከምዘለዎም ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡

መቕጽዒ ሕጊ በገባብ ክትግበር ሚዛኖም ዝሓለዉን ዝተሰናዳውን ናይ ሕግን ስርዓትን ጉዳይ ሓላፍቲ ክህልዉ ኣገዳሲ እዩ፡ … ዘለዎም ዓቢይ ሓልፍነት ዝስቆሮም ክዀኑ ይግባእ፡

ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ገበነይና ዝእርምን ዳግም ዝሓንጽን ክኸውን

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ገበን ንምውጋድ ብዝብል ምስምስ ብኻልእ ግብረ ክፍኣት መልሲ ምሃብ ግቡእ ኣይኰነን፡ እቲ ዝመሓላለፍ እኵይ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ገበን ነቲ ናይቲ ፍርዲ እኵይ ምዃኑ ኣይሓኰን።

ናይ ክርስቲያን ፍትሒ ኣብነት ክርስቶስ እዩ፡ … ድሕሪ እቲ ዅሉ ዝወረዶን ዓመጽን ዘዋርድን ተግባራት ዝተፈጸመሞ ክነሱ፡ ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣቢሉ ናይ ሰላምን ምሕረትን ዕርቅን መልእኽቲ የቕርብ፡ እዚ እቲ ከቢድ ክብጻሕ ዘለዎ ክብሪ ንናይ ኩሉ ሕይወት ረብሓን ሰናይነትን ኣገዳሲ እዩ።

ፍትሒ ዘተን ርክብን

ቃለ ምዕዳኖም ከጠቓልሉ እንከለዉ፡ ኣባይቲ ማሕቡስ እናሓሰቡ፡ ቤት ማእሰርቲ ራእይ ዘለዎን ሰብ ካብ ዝፈጸሞ ጌጋታት ተኣሪሙ ተሓኒጹ ናብቲ ዝነበሮ ሕብረተሰብ ክወሃድ ዘኽእሎ መራሓ ግብርታት ዝፍጸመሉ ክኸውን ይግባእ፡ ንሕልፈት ዝብል ፍርዲ ብሓቂ ክሕሰበሉ ዝግባእ ፍርዲ እዩ፡ መልሲ ድዩ ኸ? ስለዚህ ሕብረሰብ ኣብ ዘተ ናብ ዝጸንዕ ፍትሒ ንኸብል ክምራሕ ኣለዎ፡ … እዚ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ደሞክርሲያዊ ስርዓት ዘጋጥሞ ጸገማት ንምብዳህ ዝሕግዝ እዩ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እውነተይና ፍትሒ ኣብ ዘተ ዝጸንዔ ጐናዪ ባህሊ ኣይፋ ዝብል እዩ
16 November 2019, 17:29