ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕርቂ ክወርድ ንጸልይ

ናይ ዘተ ባህሊ ንቕዱስነቶም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፡ ነዚ ምስክር እውን እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰነድ ንምጥቃስ ይከኣል

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ዕርቂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሓደራ ቢሎም፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብሓባር ምስ ማሕበረሰብ ኣይሁድን እስላምን ምእንቲ ሰላም ክዓዪ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ዘተን ተራኽቦን ዕርቅን መንፈስ ክውለድ ንጸልይ፡ ነዚ ብርቱዕን ጸሎታውን ጻውዒት ዘቐርቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ንማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዝተዘርግሔ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ምእንቲ ዕርቂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ኰይኑ ኩሉ ኣብዚ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ክሓባር እቲ ማሕበር ይዕድም።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ማሕበራዊ ናብራን ዘተን ኣብ መንጐ እተን ኣብ ናይ ሓባር መንፈሳውን ታሪኻውን ሰረት ዝቖማ ሰለስተ ዓበይቲ ኣማኒያን ኣሃዱ እግዚኣብሔር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸስተ ዘይምርድዳእን ምስሓሓባትን እናሓሰቡ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ 93 ሚእታዊ ሰዓቢ ሃማኖ ምስልምና ማሕበረ ክርስቲያን 5 ሚእታዊ ኣብ እስራኤልም ማሕበረሰብ ኣይሁድ 2 ሚእታዊ ምኻኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብታ ናይ ኢየሱስ ጥዑም ቃል ብስራት ዝተሰምዓላን ምእንቲ ፍቕሪ ካብ ሙታን ዝተንስኣላን መሬት ኵሉ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣይሁድን እስላምን ብሓባር ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ምሕረትን ክዓዩ ይላበዉ።

ናይ ዘተ ባህሊ

ናይ ዘተ ባህሊ ንቕዱስነቶም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፡ ነዚ ምስክር እውን እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰነድ ንምጥቃስ ይከኣል። ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማለት ኣብቲ ኣዚዩ ሃብታም ዝዀነ መንፈሳውን ሰብኣውን ማሕበራን ክብርታት ዓቢይ ስፍራ ምርኻብን እቲ ብሃይማኖታት ዝነቓቓሕ ግብረ ገባዊ ክብርታት ንምስፋሕ ዓቕምን ሓይልን ኣዋዲድካ ምዕያይ ማለት እዩ። ቅዱነቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ንማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን እናሓሰቡ ዕርቂ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ብኣጽንዖት ብምዝኽኻር፡ ፈላላይ መናድቕን ሓይልን ዘቑሞ ዘበለ ኵሉ ናይ ሰላም ውሕስነት ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዘድልይ ምስምማዕን ጽን ምብህሃልን ዘተን እዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እያ ዝተወልደት

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ምእንቲ ዕርቂ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልባትና ንጸሎት ንኸነርህዎ ይዕድሙ እንክብሉ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ሓቢሮም፡ ምእንቲ ጸሎት እተን ዓበይቲ ኣማንያን ኣሃዱ ኣምላኽ ሃይማኖታት ዝተወለዳሉን ናይ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ናይ ነቢያትን ናይ ኢየሱስ መሬት ምዃኑ ለቡ ዝብል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሳ ኣብታ መሬት እያ ዝተወልደት፡ ምእንቲ ናይታ መሬት ሕዝቢ ብሓባር ንኽንጽልይ ቅዱስ ኣቦና የተባብዑና ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕርቂ ክወርድ ንጸልይ
06 November 2019, 17:29